ናጽነት ፕረስ ኤርትራን ጻውዒት ኤምባሲ ኣሜሪካን

ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ፕረስ ነቶም ኣብ መስከረም 2001 ተኣሲሮም ዝተሰወሩ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ብምጥቃስ "ኣብ ዓለማዊ መዓልቲ ዓው ኢልና ስሞም ብምጽዋዕ ከምዘይተረስዑ ክንነግሮም ኣሎና" ክብል ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ።

ኣብቲ ዝጸሓፎ ዝርዝር፡ "ዳዊት ኢሳቕ፡ ስዩም ጸሃየ፡ ዳዊት ሃብተሚካኤል፡ ማቴዎስ ሃብተኣብ፡ ፍስሃየ ዮውሃንስ (ጆሽዋ)፡ ኣማኑኤል ኣስራት፡ ተመስገን ገብረየሱስ፡ ስዒድ ዓብደልቃደር፡ ዮሱፍ ሙሓመድ ዓሊ፡ መድሃኔ ሃይለ፡ ኣብ ዓለማዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ስሞም ከም ዘይተረስዐ ንኸነፍልጦም ዓው ኢልና ክንዛረብ ኣሎና" ብምባል መንግስቲ ኤርትራ ንኽፈትሖም ጸዊዑ።

18 መስከረም 2001፡ ካብቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ 11 ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ እንከለዉ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት 'ንግዚኡ' ብዝተብሃለሉ ኣዋጅ ካብ ስራሕ ደው ክብላ ተወሲኑ። ድሕሪ ሳልስቲ ከኣ ኣብተን ጋዜጣታት ዝጽሕፉ ዝነበሩን ኣዳለውተንን በብሓደ ክተሓዙን ክቕየዱን ጀሚሮም።

ኣብቲ ብጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ዝዳሎ ንደረጃ ናጽነት ፕረስ ዝመዝን ዓለማዊ ዝርዝር ሰሌዳ ሃገራት ዓለም፡ ኤርትራ፡ ናጽነት ርእይቶን ሓሳብን ዓፊና ን16 ጋዜጠኛታት ብምእሳራ ካብ 180 ሃገራት ንሰሜን ኮርያ ጥራሕ ብምቕዳም መበል 179 ተርታ ክትሕዝ እንከላ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ከኣ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ትርከብ።

ኣብ ዊኒፔግ ካናዳ ዝነብር፡ ደቂ ሰባት ኣብ ጉዕዞ ህይወቶም ንዘጋጥሞም ጸገማት ብኸመይ ከምዝገጥምዎ ንድሕሪት ተመሊሱ ታሪኽ ምዕባለን ብደሆን አህዛብ፡ (ኢንቫይሮንመንታል ሂስትሪ) ዘጽነዐ መምህር ዩኒቨርሲቲን ደራስን ዶ/ር ሙሴ ተስፋገርግሽ፡ ዓለማዊ መዓልቲ ፕረስ፡ ስርዓታት ኣብ ልዕሊ ዜጋታተን ዘካይደኦ ዓፈናን ግህሰትን ንምምካት ኣድህቦን ቆላሕታን ንምፍጣር እትኽበር ዕለት ምዃና ይገልጽ።

ብተወሳኺ፡ ከም ኤርትራዊ ዜጋ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መስከረም 2001 ንጋዜጣታት ብሕቲ ብምዕጻው ንኣዳለውተን ኣሲሩ ብምስዋሩ፡ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ከም ''ጸላም ነጥቢ'' ከምዝርእዮ ብምጥቃስ፡ እቲ ፍጻሜ " ንህዝቢ ወግዓዊ ልሳኑ ዝዓጸወ፡ ኣብ ልዕሊ ሕግን ፍትሕን ርኡይ ዓመጽን ግህሰትን ዘኸተለ እዩ" ብምባል እቶም ብዓቕሞም ሓበሬታ ኣኪቦም ንህዝቢ ወድዓዊ ዜና ዘቕርቡ ዝነበሩ ሞያውያን መንእሰያት ደቂ ኤርትራ ብቓጻ ምጥፈኦም ብሓዘን ዝዝክረሉ መዓልቲ ምዃና ይገልጽ።

ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲን ሃገረ ኖርወይን ብሚድያ ክልተ ዲግሪ ዘጠናቐቐ መንእሰይ ኣልኣሚን እድሪስ ብወገኑ፡ ኤርትራውያን ብዘይ ኣማራጺ ሚድያ፡ ጋዜጣ፡ ሬድዮን ቲቪን ናይ ሓደ ወገን ድምጽን ዛንታን ጥራሕ ዝሰምዑ ዝነበሩን ዘለው ዝተወጽዑ ህዝቢ ምዃኖም ብምግላጽ "ኣብተን ጋዜጣታት ብሕቲ ዝዓምበባሉ ዝተፈጥረ ምብህሃልን ተስፋን ምቕሃሙ ኣዝዩ የሕዝነኒ" ክብል ነተን ሒደት ዓመታት ናይ ተዛማዲ ናጽነት ሪአኻ ከም ምስኣን ይቖጽረን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ወርሒ ግንቦት ነፍሲ መንግስታት ዓለም፡ ዜጋታተን ብነጻነት ሓሳቦም ዝገልጽሉ መሰል ከኽብራን ውሕስነት ጋዜጠኛታት፡ ጸሓፍትን ምሁራትን ክሕልዋን ይጽውዕ።

እቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ከኣ እቶም ርእይቶኦምን ሓሳቦምን ብምግላጾም ጥራሕ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘይፍልጥ ሰናጭሮን ጎዳጉድን ተዳጒኖም ዘለው ጋዜጠኛታትን ክፍትሑን ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ክኽበርን ተማሕጺኑ።

ኣብ ዝሓለፋ 20 ዓመት'ውን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ስድራቤት እዞም እሱራትን፡ እዞም ብዘይ ፍትሒ ተኣሲሮም ዘለው ክፍትሑን መሰል ደቂሰባት ክኽበረን ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ርእይቶን ሓሳብን እቶም ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ክምስረት ዝጸውዑ ምኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ምስ አሕተማ እዩ ነተን ጋዜጣታት ብኣዋጅ ብምዕጻው ክሳብ ሕጂ ነጻነት ፕረስ ዓፊኑ ዘሎ።

ኣብ 2007 ኮምሽን ኣፍሪቃ ንሰብኣውን ህዝባውን መሰላት፡ ኤርትራ ነቲ ንሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ዝምልከት ቻርተር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ትጥሕስ ከምዘላ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ምስ ርእይቱኡ ዘይሰማማዕ ሓሳብ ዘለዎም ሰባት ከምዝኣስር ሓቢሩ ነይሩ።

ዶ/ር ሙሴ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መስከረም 2001 ንጋዜጠኛታት ጥራሕ ዘይኮነ ዳርጋ ንመላእ ሕብረተሰብ ከም ዝሞቚሐ ብምግላጽ፡ "ዓመት መጽአ እንብሎ እኳ እንተኾነ ሕጂ እውን ደጊምና ስርዓት ኤርትራ ነዞም ብዓመጽ ኣሲሩ ሰዊሩዎም ዘሎ ጋዜጠኛታትን ኩሎም ናይ ሕልና እሱራትን ክፈትሖም ይግባእ" ክብል ምሕጽንትኡ ኣቕሪቡ።

ኣልኣሚን እድሪስ እውን እተን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዝጀመራሉ ግዜ ኣብ ፖለቲካ፡ ማሕበራዊ ቁጠባውን ዓውድታት ዝተፈላለየ ሓበሬታ የቕርባ ስለዝነበራ ህዝቢ ሓሳቡ ክገልጽን ንሓድሕዱ ክዘራረብን ዝጀመረሉ ከም ናይ ምንቕቓሕ መድረኽ ከምዝርእዮ ይሕብር።

"እዞም ሰባት ጋዜጠኛታት ቅድሚ ምዃኖም ሰባት እዮም። ከም ማንም ሰብ ዝወለዱዎም ቖልዑ፡ ደሃይ ብምስኣኖም ዝጉህዩን ዝነብዑን ወለዲ፡ ሰላሞም ዝተመንጠለ ኣአሕዋትን ኣሓትን ስለዘለውዎም ስርዓት ኢሳይያስ ብህጹጽ ክፈትሖም ኣለዎ" ድሕሪ ምባል ዝፈጸምዎ ገበን ኣሎ ዝበሃል እንተኾይኑ ከኣ ኣብ ቅሉዕ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ጉዳዮም ይረአ ክብል ተማሕጺኑ።

ይኹን እምበር ይብል ኣልኣሚን "ስርዓት ኤርትራ ዝሰምዕ እንተዝነብር ነዞም ጋዜጠኛታት ካብ ዝኣስሮም ክሳብ ሕጂ ን20 ዓመታት ዝኣክል ተለሚኑ እዩ። ኣይሰምዐን፡ ሕጂ እውን ኣይክሰምዕን'ዩ" ብማለት ብምሕጽንታ ዝመጽእ ፍታሕ ከምዘይህሉ ይዛረብ።

ባይቶ ሽወደን፡ ነዚ ዓመታዊ ኣብ ወርሒ ግንቦት ብዓለም ደረጃ ዝበዓል ዘሎ ንሓርነት ሓታምን አሕታምን ዝድግፍ ሕጊ ናጽነት ፕረስ፡ ብ2 ታሕሳስ 1766 ከምዘጽደቐ ኣብ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ዝሰፈረ ሓበሬታ የመልክት።

እቲ ኣዋጅ ናጽነት ፕረስ ነቲ መንግስቲ ሽወደን ኣብ ሕትመት ዝገብሮ ዝነበረ ምምያ (ሳንሱር) ብምእላይ መንግስቲ ንኹሉ ዘካይዶ ንጥፈታት ናብ ህዝቢ ብወግዒ ከምዘቕርቦ ገበረ።

እዚ ሕጂ ከም ዓንዲ ሕጊ ናጽነት ፕረስ ዝረአ ፈላሚ ተበግሶ ኣብ ሓደ ግዝኣት ዝነብሩ ውልቀ-ሰባት፡ ብርእይቶኦምን ሓሳባቶምን ከይትንከፉን ብዘይ ምንም ፍርሕን ደረትን ሓበሬታ ክለዋወጡ ዘፍቅድ ውሳነ እዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር ሕጂ ኣብዚ ዓለም ብኹሉ ምዕባለታት ኣዝያ ተወንጪፋ ከምዘላ ዝዝረበሉ ዘሎ ከም ዘበነ ሓበሬታን ምህዞን ዝረአ መበል 21 ክፍለ ዘበን ሃገራት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ክዕፍና ምርኣይ ዘሕዝን ምዃኑ ዶር ሙሴ ይዛረብ።

ዓለማዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ 2022 ኣብ ምንታይ ዘተኰረ እዩ?

እዚ፡ "ጋዜጠኝነት ኣብ ትሕቲ ዲጂታዊ ከበባ" ብዝብል ዝዝከር ዘሎ ዓለማዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ 2022፡ ትካል ትምህርትን ሳይንስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ዩኔስኮ] ምስ መንግስቲ ኡራጓይ ብምትሕብባር ካብ 2-5 ግንቦት ብደረጃ ዓለም ብዘዳለዎ ዋዕላ እዩ ዝዝከር ዘሎ።

እዚ ዋዕላ፡ ንሓንጸጽቲ ፖሊሲ መንግስታትን ትካላት ኢንተርነትን፡ ጋዜጠኛታት፡ ወከልቲ ማዕከናት ዜና፡ ክኢላታት ድሕነት-ሳይበር፡ ተመራመርቲ ሰብሰርሖ ብልሒ፣ ክኢላታት ሕጊን ካልኦት ሞያውያንን ዘራኽብን ሓባራዊ መድረኽ ዝፈጥርን ክኸውን እምነት ተነቢርዎ'ሎ።

waእዚ ዋዕላ፡ ዘለናዮ ዲጂታዊ መዋእል፡ ጽልዋኡ ኣብ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን ድሕነት ጋዜጠኛታትን፡ ስረት ወይ ከኣ ቀጻልነት ሜድያን፡ ህዝባዊ ተኣማንነትን ዝኣመሰሉ ኣውራ ጉዳያት ክድህስ እዩ።

'ጋዜጠኝነት ኣብ ትሕቲ ዲጂታዊ ከበባ' ዝብል ዓንዲ ቅውም ነገር እዚ ዋዕላ ድማ፡ ነቲ ብመንግስታትን ዘይመንግስታውያን ኣካላትን ዝግበር ብዙሐ-ቀጸላታት ኣተሓሳሳቢ ኰይኑ ዘሎ እዋናዊ ኣገባብ ምክትታል፣ ምኽዛን ዓበይቲ ሓበሬታታ፣ ሰብሰርሖ ብልሒን፣ ጽልዋኡ ኣብ ጋዜጠኝት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን ብሕትውናን ኣተኲሩ ብዕምቈት ክዘራረብ እዩ።

ምስዚ ብምዝማድ ከኣ፡ ብድሆታት ቀጻልነት ሜድያ ኣብዚ ዲጂታዊ ዘመን፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝግበር ምክትታልን ምጽንጻን ብሰንኩ ዝወርዶም መጥቃዕቲ፣ ሰባት ኣብ ዲጂታዊ ኣገባባት ርክብ ዘለዎም ዘይምትእምማንን ስግኣትን'ውን ክርኢ እዩ።