እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብጕጅለ ዝተዓመጻን ዓሌታዊ ግፍዒ ዝወረደንን ደቀንስትዮ ሱዳን
ከልቱም ኣብቲ ብኲናት ዝተሃስየ ዞባ ዳርፉር ሱዳን ብኣርባዕተ ወተሃደራት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ብጕጅለ ክትዕመጽ እንከላ፡ ዓሌታዊ ግህሰት እውን ይወርዳ ነይሩ።
መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ እዚ ንገሊኦም ኣንበብቲ ዝርብሽ ትሕዝቶ ኣለዎ።
"ኣዝዮም ባርባራውያን እዮም። ዕንጨይቲ ክኣሪ ኣብ ዝኸድኩሉ ቦታ በብተራ ዓሚጾምኒ" ክትብል ብዝንቅጥቀጥ ድምጺ ብቴለፎን ንቢቢሲ ሓቢራ።
ስማን ስም ናይ ካልኦት ዝተዓመጻን ንድሕነተን ክበሃል ተቐይሩ እዩ።
ኣብ 40ታት ዕድመኣ እትርከብ ከልቱም፡ ካብ ማሕበረሰብ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ማሳሊት ምዕራብ ዳርፉር ክትከውን ከላ፡ ዓመጽታ ድማ ዓረብ ኣባላት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ እዮም።
እዚ ንኡስ ወተሃደራዊ ጕጅለ፡ ኣብቲ ኣብ ዳርፉር ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብዙሕ ግፍዕታት ፈጺሙ ተባሂሉ ይኽሰስ።
ኤል ጀነይና፡ ኣብ ታሪኽ ዳርፉር ከም ምልክት ሓይሊ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን እያ እትቝጸር፤ ባህላዊ ርእሰ ከተማ ንግስነት ማሳሊት’ውን እያ።
ኣብ ኤል ጀነይና ትነብር ዝነበረት ከልቱም፡ ዝሓመመ በዓል ቤታን ደቃን ሒዛ ካብታ ከተማ ሃዲማ ኣላ።
ዓመጽታ "ናይ ዓረብ እያ" ኢሎም ካብታ ከተማ ክትወጽእ ከም ዝነገሩዋ ትዛረብ፤ እዚ ድማ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ምስቶም ብጃንጃዊድ ዝፍለጡ መሓዙት ምልሻታት ኰይኖም ነቲ ብብሄራት ዝተሓዋወሰ ዞባ ናብ ዓረባዊ ክቕይርዎ ይደልዩ እዮም ዝብል ፍርሒ ብዙሓት ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ዘጋድድ እዩ።
ሱዳን ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ፡ ሓላፊ ሰራዊት ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን ኣዛዚ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ብዘይምስምማዖም ናብ ደማዊ ኲናት ኣትያ ትርከብ።
ናቶም ቅርሕንቲ፡ ነቲ ኣብ ዳርፉር ኣብ 2003 ተወሊዑ ኣስታት 300 ሽሕ ዝግመቱ ሰባት ዝሞትሉ ግጭት ዳግማይ ኣባሪዕዎ ኣሎ።
ብሰንኪ እዚ ዳሕረዋይ ግጭት፡ መብዛሕትኦም ካብ ማሕበረሰብ ማሳሊት ዝዀኑ ልዕሊ 160 ሽሕ ሰባት ናብ ቻድ ክሃድሙ ተገዲዶም እዮም። ኣብቲ ዞባ ክንደይ ሰባት ከምዝተቐትሉ ንጹር’ኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ኤል ጀነና ግን ብውሕዱ ኣስታት 5 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ይግለጽ።
ተቓለስቲ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብታ ኣብ ሱዳን ዝያዳ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ግዝኣት ካርቱም እውን ግፍዒ ፈጺሞም ተባሂሎም'ውን ይኽሰሱ።
እዚ ሓይሊ ንመብዛሕትኡ ክፋል እታ ግዝኣት ተቘጻጺርዎ ይርከብ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ናብ ክልተ ሚልዮን ዝጽግዑ ሰባት ከም ዝተመዛበሉ ይፍለጥ።
ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ፡ ተቓለስቱ ኣብ ጾታዊ ዓመጽ ምስታፎም ይኽሕድ።
ወሃቢ ቃል ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ መሓመድ ኣልሙኽታር፡ ተቓለስቶም "ንዝለዓለ ስነ-ምግባራዊ ደረጃታት ኲናት ዝግዝኡ እዮም" ክብል ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝተለኣከ መልእኽቲ ድምጺ ሓቢሩ።
"ድሕሪ'ቲ ዝረኸብናዮ ወተሃደራዊ ዓወታት ንዝና ተቓለስትና ንምጽላም ኮነ ኢልካ ዝግበር ጎስጓሳት ኣሎ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ብተቓለስቲ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመን ዘለለያ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘዘራረብና ምስ ተነገሮ፡ ኣባላት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ተመሲሎም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ተሓተትቲ ናይቲ ግፍዒ ምዃኖም ኣመልኪቱ።
እቲ ግጭት ካብ ዓመጽን ጾታዊ መጥቃዕቲን ዝተረፉ ሰባት ሓገዝ ከም ዘይረኽቡ ገይሩ ኣሎ። መብዛሕትአን ሆስፒታላት ኣገልግሎት ኣይህባን፣ ናብተን ዝሰርሓ ዘለዋ ውሑዳት ምብጻሕ ድማ ከቢድ እዩ።
ከልቱምን ኢብቲሳምን እቲ ቃንዛ ንዘልኣለም ከም ዝስዕበን ይዛረብ።
"እቲ ዘጋጠመኒ ፈጺመ ኣይርስዖን እየ። ልክዕ ከም ጽላለይ ንዘልኣለም ምልክት ሕፍረት ኰይኑ ክስዕበኒ'ዩ" ትብል ከልቱም።