ቅልውላው ሱዳን፡ 'ኣብ ጃምላዊ መቓብር ዳርፉር ሬሳታት ክጓሓፍ ርእየ'

ማዓሊም፡ ቅድሚ ናብ ዶብ ቻድ ምህዳሙ፡ በቲ ኣብ ምዕራባዊ ሱዳን ዳርፉር ዝረኣዮ ነገር ሰንቢዱ እዩ ዘሎ።

“እቶም ዝሰርሓሎም ሰባት ነዞም ስእልታትን ቪድዮታት ከም ዘርኣኹኻ ወይ ድማ ከም ዝቐረጽኩዎም እንተፈሊጦም፡ ሞይተ ኣለኹ ማለት እዩ” ይብል። ነቲ ኣብ ከተማ ኢል ጀኒና ዝተነስነሰ ሬሳታት ዘርእዩ ዘሻቕሉ ስእልታት ከርእየኒ ሞባይሉ እናኸፈተ። ንደሕነቱ ክንብል ስሙ ቀይርናዮ ኢና።

ቅድሚ ነታ ሃገር ገዲፉ ምውጽኡ፡ ናይቶም ካብ ጽርግያታት ሬሳታት እናኣለዩ ኣብ ጃምላዊ መቓብራት ዝቐብሩ ጕጅለ ኣባል እዩ ነይሩ።

ሱዳን ካብቲ ዝሓለፈ ሚያዝያ ጀሚራ በቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይሊ ወሃቢ ህጹጽ ደገፍን ዝካየዱ ብዘለዉ ውግኣት ትሕቆን እያ ዘላ። እቲ ዝኸፍአ ውግእ ድማ ኣብቲ መበቆል ሓይሊ ወሃቢ ደገፍ ዝዀነ ዳርፉር ዝካየድ ዘሎ እዩ።

መጠንቀቕታ፡ እዚ ጸብጻብ እእምሮ ዝርብሹ ኣሳእል ዝሓዘ እዩ።

እዞም ኣሳእል ብዙሓት ሬሳታት የርእዩ፤ ገሊኦም ብክዳውንትን ኮበርታታትን ተሸፊኖም ካልኦት ሬሳታት ሓቢጦም ካልኦት ድማ በስቢሶም ይረኣዩ። ማዓሊም እዚ ጥራይ ኣይኮነን፣ ዝዓነዉን ዝተዘመቱን ህንጻታት ትካላት ረድኤት’ውን ኣርዩኒ።

“ኣስካሕኪሐ እየ። ኣብ ፍርሕን ራዕድን እንከለዉ ዝሞቱ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። መብዛሕትኦም ዝሞቱ ንልዕሊ ሰሙን ሬሳኦም ኣብ ጽርግያታት ወዲቘም ነይሮም” ክብለና እንከሎ ብጭንቀት ተዋሒጡ’ዩ ነይሩ።

እቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኣብ ሓደ ቁጥቋጥ ኰይኑ ዝቐረጾ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣርእዩና። እዚ ቪድዮ፡ ካብ ናይ ጽዕነት መኪና ሬሳታት ናብ ጃምላዊ መቓብር ክድርበዩ እንከለዉ ዘርኢ እዩ።

“ሬሳታት ንምቕባር ናብቲ ዱር ኬድና። ሓይሊ ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ግን ክንቀብር ኣይፈቐደልናን። ኣውቲስታ እታ መኪና ነቶም ሬሳታት ናብ ሓደ ጉድጓድ ክትድርብዮም በቶም ሓይልታት ተኣዚዘ” ይብል ማዓሊም። እቲ ሓይሊ፡ ደሓር ነቲ ከባቢ ለቒቖም ክወጽኡ ከምዝኣዘዞም ድማ ይገልጽ።

“ብመሰረት ባህሊን እምነትን ምስልምና፡ ክቕበሩን ጸሎት ክንገብረሎምን ምተገብአ ነይሩ። ሓይሊ ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ (RSF) ግና ከም ጕሓፍ ክንድርብዮም ኣዚዙና።”

እቶም ሬሳታት ናይ መን ምዃኖምን ብኸመይ ከም ዝተቐተሉን ዝፈልጥ የለን። ኣብ ቻድ ዑቕባ ዝሓተቱ ብዙሓት ስድራቤታት ግን፡ ሓይሊ ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ኣወዳትን ኣዋልድን ዒላማ ብምግባር ካብ ዝተሓብእሉ ኣውጺኡ ከምዝቐተሎም ነጊሮምና።

እቶም ስድራቤታት ኣባላት ዓረብ ዘይኮኑ ማሕበረሰብ ግዳያት ከምዝኾኑ እዮም ዝገልጹ። ኣብ መፈተሺ ነቝጣታት ደው ክብሉ ብምግባር ዓሌቶም ከምዝሕተቱ ድማ ይሕብሩ። ንኸይቅተሉ ዓሌት ማሳሊት ኢና ንምባል ኣዝዮም ፈሪሖም ከምዝነበሩ ድማ ይገልጹ።

ቢቢሲ ኣብዞም ዝቐረቡ ክስታት ንሓይሊ ህጹጽ ደገፍ (RSF) ሓቲቱ፡ ምላሽ ኣይረኸበን። ኣብ ፈለማ እዚ ሰሙን ግን፡ ኣብ ወርሒ ግንበት ኣብ ማሕበረሰብ ማሳሊት ንዝተፈጸሙ ተመሳሰልቲ መጥቃዕትታት ከምዘይወዓሎም ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ማዓሊም ዘቕረቦ መረዳእታ ምስቲ ሕቡራት ሃገራት ብ 13 ሓምለ ዘውጽኦ ጸብጻብ ዝመሳሰል እዩ። ደቂ እቲ ከባቢ፡ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ብሓይሊ ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ናይ ዝተቐትሉን ኣባል ማሕበረሰብ ማሳሊት ዝዀኑን፡ ብውሑዱ ሬሳ 87 ሰባት ናብ ጃምላዊ መቓብር ክድርብይዎም ከምዝተገደዱ ይገልጽ።

ሜታዳታ እቶም ኣብ ሞባይል ማዓሊም ዝርከቡ ኣሳእልን ተንቀሳቐስቲ ምስልታትን፡ ካብ 20 ክሳብ 21 ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተወሰዱ ምዃኖም የረድእ። እዚ ምስ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ዝመሳሰል እዩ።

ከምቲ ሕቡራት ሃገራት ዘቐመጦ፡ እቶም ሬሳታት ኣብ ከባቢታት ኣልጡራብ ኣልኣሕማር መደብር ፖሊስን፡ ምዕራብ ኢል ጀኒናን ከም ዝተቐበሩ ማዓሊም ይገልጽ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጸብጻቡ፡ ገሊኦም ንዘጋጠሞም መጉዳእቲ ሕክምና ብዘይምርካቦም ከም ዝሞቱ ይሕብር። ሓደ ናይ ማዓሊም ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ኣብ መንጐ ዝተጸፍጸፈ ሬሳታት ብሂወት ዝተረኸበ ሰብኣይ የርአ።

እዚ ሰብኣይ፡ ሃመማ ነቲ ደሪቝ ዝተሰንጠቐ ከናፍሩ ወሪረሞ፡ ንምዝራብ ይፍትን። እዚ ግዳይ ንሸሞንተ መዓልታት ኣብ መንጐ እቲ ኩምራ ሬሳ ወዲቝ ከም ዝጸንሐ ማዓሊም የረድእ። ብዝተተኰሰ ጥይት እዩ ቆሲሉ። እዚ ሰብኣይ ደሓር እንታይ ከምዝዀነ ኣይንፈልጥን።

ማዓሊም፡ ኣብ ከተማኡ እንታይ የጋጥም ከምዘሎ ንምስናድ ነዞም ቪድዮታት ከም ዝቐረጾም ገሊጹልና። ደሓር ግን ኣብታ ከተማ ምጽናሕ ንደሕነቱ ውሑስ ከምዘይኰነ ተሰሚዕዎ።

“ልዕሊ ሓደ ግዜ ሞባይል ንዘለዎም ሰባት ይሃድኑ ስለዝነበሩ፡ ፈሪሐ ነይረ።”

ኣብ ዳርፉር ዝርከቡ ዳርፉር ዓረብን ፀለምቲ ኣፍሪቃውያንን ንዓመታት ክጓነጹ እዮም ጸኒሖም። ቅድሚ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዓረብ ዘይኰኑ ማሕበረሰብ ንመንግስቲ ብኣድልዎ ብምኽሳስ ምልዕዓል ምስ ፈጠሩ፡ እቲ ዝሓሰመ ጎንጺ ከምዝተወልዐ ይፍለጥ።

ሓይሊ ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ካብቲ ብጭካነ ዝፍለጥ ንናዕቢ ብዘስካሕክሕ መገዲ ዝዓፈነን፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝቐተለን ዕሉል ጃንጃዊድ ሚሊሻ ዓረብ እዩ ተወሊዱ።

እዚ ጕጅለ፡ ነቲ ኣብ መበል 21 ክፍለዘበን ምጽናት ዘርኢ (ጄኖሳይድ) ተባሂሉ ዝተገለጸ መጠነ ሰፊሕ ግፍዒታትን ዓሌታዊ ቅትለታትን ተኸሲሱ እዩ።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ኣብ መንጐ ሓይሊ ወሃቢ ህጹጽ ደገፍን ሰራዊት ሱዳን ዝተወልዐ ውግእ፡ ነዚ ኵነታት መሊሱ ዝቕስቅሶ ይመስል። ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣመሓዳሪ ዳርፉር፡ ሓይሊ ወሃቢ ደገፍ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ማሳሊት ዘርኢ ምጽናት ከም ዝፈጸመ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ብዙሕ እንከይጸንሐ ተቐቲሉ።

እዚ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ዳርፉር ዘጋጥም ዘሎ ጐንጺ ሃንደበት ዘጋጥም ዘሎ ኣይኰነን። ብሓይሊ ወሃቢ ደገፍን መሻርኽቱ ሚሊሻታት ዓረብን፡ ከም በዓል ማሳሊት ዝኣመሰሉ ኣብ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ንዝርከቡ ክቡራት ሰባት ዒላማ ንምግባር ፈተነታት ከምዝገበሩን ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ናብ ቻድ ክሃድሙ ከምዝተገደዱን ክስታት ሰሚዕና ኢና።

ሓይሊ ዳግመ-ምልሶት እቲ ኣብ ክልተ ሽሓት ኣቈጻጽራ ኣውሮጳውያን ዝተርኣየ ዓሌታዊ ጐንጺ ከም ዝዀነን፡ ኣብዚ ከምዘይተሳተፈን እዩ ዝገልጽ።

ብሓሙስ እቲ ካብ 2005 ጀሚሩ ኣብ ዳርፉር ንዝተፈጸሙ ገበናት ዝምርምር ዘሎ ዓለምለኸ ቤት-ፍርዲ ገበነኛታት፡ ኣብ ሱዳን ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝበሃል ገበናት ኲናት ሓድሽ ምርመራ ጀሚሩ ኣሎ።

ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ካሪም ክሃን ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ታሪኽ ንባዕሉ ክደግም- ተመሳሳሊ ከርፋሕ ታሪኽ ክድገም ናይ ምፍቃድ” ስግኣት ከም ዘሎ ገሊጹ።

ከምቶም ካብ ዳርፉር ዝሃደሙ ኣሽሓት ሱዳናውያን፡ ማዓሊም እውን ናብ ዓዱ ዝምለሰሉ ነገር የብሉን። መንበሪኡ ተቓጺሉ፡ ኵሉ ሃብቲ ስድራኡ ተዘሚቱ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕምም ግን፡ መብዛሕትኦም ስድራኡን መሓዙቱን ኣብኡ ኣይክረኽቦምን እዩ።