እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ጀነራል ሕሜቲ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ንፈለማ እዋን ተራእዩ
መራሒ ናይቶም ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ኲናት ኣብ ክፍላ ሚያዝያ ድሕሪ ምውልዑ ንፈለማ እዋን ብቪድዮ ተራእዩ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሓይልታቱ 3 ነፈርቲ ውግእ ሓይሊ ኣየር ሱዳን ከምዘዕነዉ ምንጭታት ሓቢሮም ኣለዉ።
እቲ ቀጢኑን ኢዱ ምስ ዝተረፈ ኣካላቱ ኣጥቢቑ ሒዙ ዝርአ 'ሕሜቲ'፡ ኣንጻር ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ኣል-ቡርሃን ዘለዎ ልሙድ ቁጠዐ ክገልጽ ይስማዕ።
እቲ ኣብ መወዳእታ 40ታት 'ዝዕድሚኡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን፡ ኣብ ፈለማ እቲ ውግእ ቆሲሉ ተባሂሉ ይንገረሉ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብቲ ሓይልታቱ ብትዊተር ዘውጽእዎ ቪድዮ፡ መቐናቕንቱ ለውጢ እንተኣርእዩ፡ ብወገኑ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ምቁራጽ ተጻብኦታት ክገብር ድልዉ ምዃኑ ተዛሪቡ።
"እቲ ኲናት ዕንወት ብምውራዱ" ንህዝቢ ሱዳን ይቕሬታ ዝሓተተ ሕመድቲ፡ ሓይልታቱ ተገዲዶም ዝኣተውዎ ምዃኑ ይምጉት።
ኣብቲ ናይ ሓሙሽተ ደቒቕ ቪድዮ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ዝካየድ ዘሎ ስርሒታት ሰራዊት ሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ላዕለዋይ መኮንን ጀነራል ያሲር ኣል-ዓጣ ዘለዎ ተሪር ነቐፌታ'ውን ኣስሚዑ።
እቲ ብተዋጋእቱ ተኸቢቡ ዝርአ ጀነራል ዳጋሎ፡ እቲ ኣብ ካርቱም ክርአ ዝጸንሐ ዝምታን ራስያን ሓይልታቱ ከምዘይፈጸምዎ ተዛሪቡ።
ብዞባዊ ውድብ ኢጋድን ካልኦት ወገናትን ዝተፈተነ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብተደጋጋሚ ክጠሓስ ብምጽንሑ፡ እቲ ኲናት ይቕጽል ከምዘሎ ይፍለጥ።
ዳጋሎ፡ እቲ ቀንዲ ደጋፊኡ ዝነበረ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል-በሽር ኣብ ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ድሕሪ ምእላዩ ኣብ ዝተመስረተ መሰጋገሪ መንግስቲ ምክትል ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ብምኻን ኣብ ትሕቲ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ሰሪሑ።
እንተኾነ ግን፡ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ንሱ ዝርከቦም ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ'ቲ ድኹም መሰጋገሪ መንግስቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ብምፍጻም ስልጣን ጪቢጦም።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ግን፡ ሕመድቲ እቲ ዕልዋ "ጌጋ" ምንባሩ ተዛሪቡ ነይሩ።
ምስ ምዱብ ሰራዊት ዝነበሮ ዝምድና እናሓርፈፈ ድሕሪ ምምጽኡ ኸኣ ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ምትፍናን ኣትዩ።
ኣል-ቡርሃን፡ ሓይልታት ኣልሰሪዕ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ኣብ ምዱብ ሰራዊት ተጸንቢሮም ክሕንፈጹ ዘውጽኦ እማመ ብጀነራል ዳጋሎ ተቐባልነት ኣይረኸበን።
ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምስዚ መስርሕ ምስግጋር ዝተሓሓዝ ጉዳይ፡ ነቲ 100 ሽሕ ዝግመት ዝነበረ ንሱ ዝመርሖ ወሃቢ ደገፍ ተወርዋሪ ሓይልታት ናብ ምዱብ ሰራዊት ምስተጸንበረ ድሕሪኡ መን ነቲ ሓድሽ ሓይሊ ይምርሓዮ ዝብል እዩ።
በዚ ዝተላዕለ ወጥሪ ድማ ብ15 ሚያዝያ 2023 ናብ ቅሉዕ ወግእ ሓድሕድ ኣትዮም።
እቲ ኲናት ኣብታ ሃገር ቅትለት፡ ሰፊሕ ምፍንቓልን ዕንወትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።
ወግዓዊ ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ዛጊት ኣስታት 3000 ሰባት ኣብቲ ኲናት ሞይቶም ኣለዉ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ቁጽሪ ካብኡ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽል'ዩ ዝግመት።
ኣብቲ ዝኸፍአ ጎንጺ ዝተራእየሉ ዞባ ዳርፉር ጥራይ ኣስታት 11 ሽሕ ሳባት ከምዝተቐትሉ'ዩ ዝግለጽ።
ሓይልታት ኣልሰሪዕ ሰለስተ ነፈርቲ ኣዕንዮም
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሓይልታት ጀነራል ሕመድቲ ኣብ ካርቱም ሰለስተ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ሰራዊት ሱዳን ከምዘዕነዉ ምንጭታት ሓቢሮም።
እተን ነፈርቲ ውግእ ኣብቲ ሰሜን ካብ ከተማ ካርቱም ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ዋዲ ሴድና ዝነባራ እየን።
እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዜጋታት ወጻኢ ኣብ ምውጻእ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተጠቕማሉ'ዩ።
ሓይሊ ኣየር ሰራዊት ሱዳን ካብቲ መዓስከር ብምብጋስ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣልሰሪዕ ደብዳባት ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ብሓሙስ ሓይልታት ዳጋሎ ካብቲ ኣብ ከባቢ ባሕሪ ዝርከብ ወሰናስን ፈለግ ናይል ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ደብዳባት ከቢድ ብረት ኣካይዶም ነይሮም።
ሰራዊት ሱዳን ብወገኑ ኣብታ ከተማ ከካይዶ ዝጸንሐ ደብዳባት ነፈርቲ ይቕጽሎ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ኣብታ ከተማ ብለይቲ ዝካየድ ደብዳባት ዝበዝሕ እዋን ንሲቪላውያን ግዳያት ከምዝገብር ጸብጻባት ይሕብሩ።