እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ዳርፉር፡ ሰለስተ ደቃ ምስተቐተሉ ሃዲማ ኣብ መንገዲ ዝሓረሰት ጋዜጠኛ
ሰለስተ ደቃ ምስተቐተሉ ካብ ግዝኣት ዳርፉር ብእግራ ዝሃደመት ብጽሕቲ ወርሒ ኣቕራቢት ራድዮ፡ ኣብ ዶብ ቻድ ወዲ ተገላጊላ።
"ኣብ መንገዲ እየ ወሊደ። ዘሕርሰንን ዝሕግዘንን ዝኾነ ሰብ ኣይነበረን። ኵሉ ንባዕሉ እዩ ዝሓስብ ነይሩ። ኵሉ ነብሱ ከውጽእ ይሃድም ነይሩ።
"እቲ ህጻን ወጺኡ፤ ብጨርቂ ጠቕሊለዮ። ብዛዕባ ካልእ ኣይሓሰብኩን። ናብ ኣድሬ መንገደይ ቀጺለ" ትብል ኣብቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሱዳናውያን ስደተኛታት ዝርከቡሉ ካብ ርእሰ ከተማ ቻድ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ መዓስከር፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዘዘራረበታ ዓራፋ ኣደም።
እታ ጓል 38 ዓመት፡ ኣብ ኤል ጀነይና ካብ ዝርከብ ገዛኣ፡ ኣርባዕተ ኣዋልድ ደቃ ሒዛ፡ ብዘቃጽል ሃሩር 25 ኪሜ ተጓዒዛ። ንድሕነቱ ዝሰግአ በዓል ቤታ ድማ ብኻልእ ነዊሕ መንገዲ ተጓዒዙ ኣብቲ መዓስከር ተራኺቦም።
"ኣብቲ ዶብ ምስ በጻሕኩ ክሳብ ዝወልድ ኣዝየ ደኺመን ተኻኢለን ነይረ" ትብል፡ ንወዳ ብሽም እቲ ነብይ፡ መሓመድ ኢላ ከምዝሰየመቶ ብምሕባር።
ንሳ፡ ዘይተቐበረ ሬሳ፡ 3፡ 7 ን 9 ን ዕድመኦም ደቃ ገዲፋ እያ ሃዲማ፡፡ እቶም ቈልዑ ብወተሃደራት ቅልጡፍ ሓገዝ (ኣርኤስኤፍ)ን ደገፍቶም ሚልሻታት ዓረብን ከምዝተቐተሉ እያ እትገልጽ።
ዳርፉር በቲ ኲናት ኣዝያ ዝጠቐዐት ግዝኣት እያ። ኣርኤስኤፍን እቶም ሚልሻታትን፡ ዓራፋ እትውለደሉ ማሕበረሰብ ማሳሊት ሓዊሱ፡ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ካብቲ ከባቢ "ብምጽራግ" ልዕልነት ዓረብ ንምርግጋጽ ይሰርሑ ኣለዉ ተባሂሎም ይኽሰሱ።
ምልክት ልዕልነት ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ተገይራ ኣብ ትውሰድ ኤል ጀነይና፡ ዝካየድ ኲናት ተደጋጋሚ እዩ።
"ንባዕልና ንምክልኻል ፈቲንና፡ እንተዀነ ንሳቶም ዓበይቲ ኣጽዋራት ዝዓጠቝ እዮም" ይብል ኣብ ኣድሬ ስደተኛ ኰይኑ ዘሎ ፍሉጥ ሸኽን ሓላፊ ዓሌት ማሳሊትን ሸኽ መሓመድ ያቆብ።
"ኣብ ከባቢና ኣብ ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰዓታት 82 ሰባት ስኢንና" ክብል ይውስኽ።
ኣብቲ ኲናት ኢዱ ከምዘይሓወሰ ዝገልጽ ኣርኤስኤፍ፡ ዳርፉር ንነዊሕ ዓመታት ኣብ መንጐ ማሕበረሰባት ዓረብን ማሳሊትን ግጭት ከምዘይተጋደፋ ይሕብር።
ዓራፋ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኤል ጀነይና ተዓቚቦም ዝነበሩ ሰለስቲኦም ደቃ፡ ኣርኤስኤፍን ጃንጃዊድ ተባሂሎም ዝጽውዑ ሚልሻታት ዓረብን ደብዳብ ኣብ ዝፈጸሙሉ ከምዝቐተሉ ትገልጽ።
"ሰለስቲኦም ህጻናት በቲ ደብዳብ ተወቒዖም ኣብ ሓንቲ ቦታ ህይወቶም ስኢኖም።"
ድሕሪኡ ንሳን ሰብኣያን ኣርባዕተ ደቆም ሒዞም ተሰዲዶም። ንሱ ግና ንህይወቱ ስለዝሰግአ ብኻልእ መንገዲ ተጓዒዙ። ዕጡቓት ኣርኤስኤፍ፡ ንደቂ ተባዕትዮን ሰብኡትን ማሳሊት፡ ነዳዲ ዛዕዚዖም ብሓዊ ብምቅጻልን ብኻልእ ዝተፈላለየ ኣገባባትን፡ ከምዝቐትልዎም ብዙሓት ስደተኛታት ይዛረቡ።
እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ኣብቲ መዓስከር ተራኺቦም። ኣቦ ንፈለማ እዋን፡ ነቲ ድሕሪ ሞት ሰለስተ ኣወዳት ዝተወለደን ከም ውህብቶ ዝቘጽርዎን ወዶም መሓመድ፡ ሓቚፍዎ።
ሰበይቲ እቲ ሸኽ፡ ረቕያ፡ እውን ጥንስቲ ከምዝነበረትን ብድሕሪ እቲ ብእግሪ ዝገበረቶ ኣድካምን ጥምየት ዝነበሮን ጕዕዞ ኣብቲ መዓስከር ምስኣተወት ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ከምዝተነጸለን ትገልጽ።
"ክደሚ ጀሚረ፤ ርእሰይ ከሕምመንን ደም ብብዝሒ ክፈሰንን ጀሚሩ። ኣጋ ምሸት እቲ ድቂ ወጺኡ።"
ኣብቲ መዓስከር ብሓደ ግብረ ሰናይ ዝተሰርሐ ክሊኒክ ኣሎ። እንተዀነ ብዝተሃርሙ፡ ብደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ስለዝመልአ ሕክምና ክትረክብ ኣይከኣለትን።
ካብቶም ተሓከምቲ ሓንቲ ዝዀነት ንዒማ ዓሊ፡ ንሳን ወዲ ትሸዓተ ወርሒ ወዳን፡ ካብ ቍሸቶም ኣብ ዝሃድሙሉ ስናይፐር ብዝትኩሱ ዕጡቓት ኣርኤስኤፍ ከምዝቘሰሉ ትዛረብ።
እቲ ህጻን ኣብ ዝባና እናሃለወ እግሩ ብጥይት ክውቃዕ እንከሎ፡ ንሳ ድማ "ብጎነይ ተሃሪመ፡ ኩላሊተይ ንስክላ ተሪፉ" ትብል።
ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ከብቅዕ፡ ኣርባዕተ መራሕቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዓቃቢ ሰላም ክዋፈር ክጽውዑ እንከለዉ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ እታ ሃገር "ትዓኑ ኣላ" ከምኡ ድማ ኣብ ግዝኣት ዳርፉር "ድሮ ምልክት ምጽናት ዓሌት ይረአ ኣሎ" ክብል ሻቕሎቱ ገሊጹ።
እቲ ህይወት ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ዝበልዐ ግጭት ድሕሪ ምውልዑ ናብ ሱዳን ዝኣተወ ጥሙር ኣኽባሪ ሰላም ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ድሕሪ 18 ዓመታት ኣብ 2021 ካብ ግዝኣት ዳርፉር ወጺኡ።
እቲ ግጭት ብደረጃ ዓለም ስንባደ ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ልዕሊ መራሒ እታ ሃገር ነበር ዑመር ኣልበሽር ክሲ ምጽናት ዓሌት፡ ገበናት ኲናትን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ኣቕሪቡ።
መንግስቲ ሱዳን ሰላም እቲ ግዝኣት ክሕሉ እዩ ብዝብል ሕቡራት ሃገራት ኣኽባሪ ሰላም ክወጽእ ገይሩ። እንተዀነ ኣብታ ሃገር ተደጋጋሚ ዕልዋታት ተኻይዱ፡ ሕጂ ድማ ጠቕሊላ ናብ ሓድሕድ ውግእ ጥሒላ።
እቲ ውግእ ንግጭት ዳርፉር ዝቐሰቀሰ ኰይኑ፡ ዛጊድ ልዕሊ 160 ሽሕ ተወለድቲ ዓሌት ማሳሊት ናብ ቻድ ተሰዲዶም። ቍጽሪ ዝሞቱ ብልክዕ‘ኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ኣብ ኤል ጀነይና ጥራይ ብውሑድ 5 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐተሉ ይግመት።
ማሕበር ፋርማሲስት ሱዳን ግን እቲ ቍጽሪ ኣዝዩ ዝዛየደ ከምዝዀነ እዩ ዝገልጽ። ኣብታ ከተማ 11 ሽሕ ሬሳታት ብጅምላ ከምዝተቐበሩ እቲ ማሕበር ክገልጽ እንከሎ፡ ስደተኛታት ድማ ሬሳታት ናብ ሩባ ክድርበዩ ከምዝረኣዩ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ዕጡቓት ኣርኤስኤፍ፡ ማሕበረሰብ ፈር ዝነብሩላ ከተማ ዛሊንገይ ብተወሳኺ ከምዝወረሩ ኰይኖም ካልኦት ክልተ ዓበይቲ ከተማታት እውን ከቢቦም ኣለዉ።
ብዙሓት ተወለድቲ ዳርፉር፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሓንፈጽ ዓሌታት ብምውጋድ ብዓረብ ዝዕብለል ግዝኣት ንምግባር ዝተትሓዘ ውጥን ኣብዚ እዋን ከይፍጸም ስግኣት ኣለዎም።
"እቲ ሕጂ ዘጋጥም ዘሎ ካብቲ ኣብ 2003 ዘጋጠመ ዝኸፍአ እዩ" ዝብል ሸኽ፡ ዶካትርን ጠበቓታትን ዝርከብዎም ፍሉጣት ተወለድቲ ዓሌት ማሳሊት ከምዝተቐተሉ ይዛረብ።
ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት ዕጡቓት ኣርኤስኤፍ ነታ ዓራፋ ትሰርሐላ ዝነበረት ራድዮ ኤል ጀነይና ወሪሮምዋ እዮም፤ ንሳ ግን ዕድለኛ ኰይና ተሪፋ።
ሕጂ ድማ ኣብ ብዕንጨይትን ኣጭርቕትን ዝተሰርሐት ኣግነት ትነብር ኣላ፤ መዓስ ንገዛኣ ከምእትምለስ ኣይትፈልጥን።
ካልእ ስደተኛ፡ "ናብ መን እየ እሞ ክምለስ? ኣብዚ ሰሙናት ገይረ ኣለኹ፤ ኣብ ጐደናታት ኤል ጀነይና ዝሸተተኒ ሬሳታት ግን ሕጂ እውን ካብ ኣፍንጫይ ኣይለቐቐን" ይብል።