እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግጭት ሱዳን ዛጊት 3.4 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ኣስዒቡ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊጹ
ኣብ ክፍላ ሚያዝያ ዝተወልዐ ወግእ-ሓድሕድ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፡ ክሳብ ሕጂ ንቑጠባ እታ ሃገር ብውሕዱ 3.4 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ኣስዒቡ ክኸውን ከምዝኽእል ሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር ነበር ተዛሪቡ።
ኢብራሂም ኢልባዳዊ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ነባሪ ፍታሕ ዘይተረኽቦ ውግእ ዓቢ ክሳራ ከስዕብ ዓቕሚ ከምዘለዎ ይገልጽ።
"እቲ ጽዕጹዕን ሓያልን ጎነጽ. . .ንመስመራት ቀረብ የዕንዎ'ዩ። ንቁጠባ እታ ርእሰከተማ'ውን የዕንዎ'ዩ" ክብል ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዘካየዶ ቃለመሕትት ኣነጺሩ።
"ናብ መጠነ-ሰፊሕ ጎንጺን ኲናት-ሓድሕድን ከምርሕ ይኽእል'ዩ። እዚ ድማ ነታ ሃገር ክመቓቕላ ተኽእሎ ኣለዎ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ እዋን ብዙሓት ብሄራት ኣብ ዘለዎ ከምኡ የጋጥም'ዩ"።
ሰራዊት ሱዳን ካብቲ ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ኣብ ጂዳ ስዑዲ ዓረብ፡ ምስ ተቐናቓኒኡ ዝኾነ ሓይልታት ኣደዒም ኣ'ሰሪዕ (ህጹጽ ደገፍ) ከካይዶ ዝቐነየ ዝዝርብ ክስሕብ ምውሳኑ እቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከየምርሕ ስግኣት ከምዘለዎ እቲ ሚኒስተር ነበር ዘለዎ ስክፍታ ገሊጹ።
እታ ንብዙሓት ስደተኛታት ብምዕቋብ'ውን እትፍለጥ ሱዳን፡ ኣብቲ ዞባ ልዑል ተስፋ ዝተገብረላ ሃገር'ያ ነይራ።
"ኣብ 1953 ሱዳን ዓቢ ተስፋ ዝተነብረላ ሃገር'ያ ነይራ . . . ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን፡ ሱዳን ብግጭት፡ ዝፈሸለ ልምዓትን ዘይቅርዕው መንግስታትን እያ ትፍለጥ ዘላ። ኣብ ሱዳን፡ ማሕበራዊ ብዙሕነት ኣብ ምምሕዳር ፈሺልና ኢና።"
ውግእ ሃዲኡ ሃገሩ ናብ ንቡር ሰላም ምስተመልሰት፡ ፍትሓዊ ተሓታትነት ቀልጢፉ ክረጋገጽ ከምዘለዎ ድማ ይዛረብ።
"እዚ ኲናት'ዚ ብዓንተብኡ ስለምንታይ ተጀሚሩ ምምርማር ኣገዳሲ'ዩ። ብግጭት ዝሃጥሩ ኣለዉ፡ ኣብዚ ጉጅለ'ዚ እገዳታት ክግበር ኣለዎ" ይብል ሚኒስተር ኢልባዳዊ።
ሓይልታት ካብ ካርቱም ክወጹ ኣለዎም- ሰራዊት ሱዳን
ምቁራጽ ተጻብኦታት ክጸንዕ እንተኾይኑ፡ ኩሎም ሓይልታት ካብ ርእሰከተማ ካርቱም ክወጹ ኣለዎም ክብል ሰራዊት ሱዳን ገሊጹ።
ሓድሽ ምክትል ሓላፊ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሱዳን፡ ማሊክ ኣጋር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዘተ ሰላም ክካየድ ዝድግፉ'ኳ እንተኾኑ፡ ኩሎም ሓይልታት ካብ ከተማ ካርቱም ክሳብ ዘይወጹ፡ ዝጸንዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከምዘይህሉ ተዛሪቡ።
ኣብ ጂዳ ክካየድ ዝጸንሐ ልዝብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ምቁራጹ፡ ኣብ ካርቱም ዝካየድ ውግእ እናበርትዐ ምምጽኡ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ብጀነራል ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳንን፡ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት ኣደዒም ኣ'ሰሪዕን ብዛዕባ ምጥሓስ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንሓድሕዶም ክካሰሱ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ተዛተይቲ ክልቲኦም ወገናት ግን ሕጂ'ውን ኣብ ወደባዊት ከተማ ጂዳ ከምዘለዉ ይንገር።
እቲ ብዓል ስልጣን ከምዝበሎ፡ እቶም ዝርርባት ነቲ ግጭት ሰላማዊ መዕረፊ ኣብ ምርካብ ዝሓሸ ኣማራጺ ምዃኖም ይኣምን።
ማሊክ ኣጋር ኣብዚ ቀረባ እዋን'ዩ ንሕሜቲ ብምትካእ ምክትል ሓላፊ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ክኸውን ብጀነራለ ኣል-ቡርሃን ተመዚዙ።
ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ዘለዉ ሓይልታት ዝበዝሑ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምርሑ ኮይኖም፡ ሰራዊት ሱዳን ብሓይሊ ካብታ ከተማ ከውጽኦም'ዩ ዝፍትን ዘሎ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ ኬንያ ኣብ ካርቱም ዝነበረ ኤምባሲኣ ከምዝዓጸወት ኣፍሊጣ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ከምዝበሎ፡ እቲ ኤምባሲ ዜጋታት ኬንያ ንምውጻእ ተባሂሉ'ዩ ተኸፊቱ ክቕጽል ጸኒሑ።
ሕጂ ግን እቲ ኩነታት እናገደደ ይኸይድ ብምህላዉ ክዕጾ ከምዝተወሰነ እቲ ሚኒስትሪ ኣነጺሩ'ሎ።
ናይሮቢ፡ እቲ ውግእ ደው ክብልን ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብን ንዝግበር ኣፍሪቃዊ ተበግሶታት ደገፋ ከትገልጽ ጸኒሓ'ያ።