ኢሎን መስክ ብምንቍልቋል ሃብቲ ሓድሽ ክብረ ወሰን ሒዙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢሎን መስክ፡ ኣብ ታሪኽ ብዝለዓለ ምንቍልቋል ውልቃዊ ሃብቲ ሓድሽ ክብረ ወሰን ዓለም ሒዙ።
ጊነስ ወርልድ ሪከርድስ ኣብ ድህረ ገጹ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ ከምዝገለጾ፡ ቀዳማይ ሃብታም ዓለምና ዝነበረ መስክ፡ ካብ ሕዳር 2021 ክሳብ ታሕሳስ 2022 ኣብ ዘሎ እዋን፡ 165 ቢልዮን ዶላር ከሲሩ።
እቲ መረዳእታ ካብ ሕትመት ፎርብስ ዝተረኸበ ኮይኑ፡ ካልኦት ምንጭታት ግና እቲ ክሳራ ካብቲ ዝተገለጸ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል ምግማቶም ጊንስ ሓቢሩ።
መስክ ንትዊተር ምግዝኡ ስዒቡ፡ ዋጋ ብጽሒታት ኤሌክትሪክ መካይን ዘፍሪ ትካሉ፡ ተስላ፡ ብምውዳቑ እዩ ንኽሳራ ተቓሊዑ።
እቲ በዓል ሃብቲ ንትዊተር ብ 44 ቢልዮን ዶላር ምግዝኡ፡ ኣብ ኣውፈርቲ ንተስላ እኹል ትኹረት ኣይክህቦን ዝብል ሻቕሎት እውን ፈጢሩ።
ኢሎን መስክ ካብ ሕዳር 2021 ጀሚሩ ዘጋጠሞ ክሳራ፡ ብ ጃፓናዊ ኣውፋሪ ቴክኖሎጂ ማሳዮሲ ሳን ኣብ 2000 ዘጋጠሞ ናይ 58.6 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን ሰይርዎ ኣሎ።
እንተኰነ እቲ ክሳራ ብመሰረት ዋጋ ብጽሒታት ዝተገመተ እዩ፤ እዚ ማለት ዋጋ ብጽሒታት እንተወሲኹ ሃብቲ ኢሎን መስክ እውን ክውስኽ እዩ።
ሓላፊ ተስላ ኢሎን መስክ፡ ኣብ ታሕሳስ ሒዝዎ ዝነበረ ደረጃ ዝሃብተመ ሰብ ዓለም፡ ብሓላፊ ናይቲ ክቡራት ኣቑሑት ዘፍርን ትካል ፋሽን ሉዊስ ቩይቶን ዝውንን ኤልቪኤምኤች፡ በርናንድ ኣናውልት ተወሲዱ።
ዋጋ ብጽሒታት ተስላ ኣብ 2022 ብ 65 ሚእታዊት ክቕንስ እንከሎ፡ እቲ ትካል ዘርኣዮ ምጕዳል ብቕዓት ሓደ ምኽንያት ተገይሩ ይውሰድ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 1.3 ሚልዮን መካይን ዘቕረበ ተስላ፡ እቲ ፍርያት ካብቲ ትጽቢት ዝግበሮ ዝወሓደ እዩ።
እንተዀነ ኢሎን መስክ ንትዊተር ድሕሪ ምግዝኡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ምስጓጉን ፖሊሲ ቁጽጽር እቲ ትካል ምቕያሩን ንመውዳቕ ዋጋ ብጽሒታት ተስላ እቲ ቀንዲ ምኽንያት እዩ።
ብዙሓት ገንዘቦም ኣብ ተስላ ዘውፈሩ ሰባት፡ ብሰንኪ'ቲ ዝጎድል ዘሎ ተጠላብነትን ምስ ኮቪድ-19 ዝተተሓሓዙ ኣፍራይነትን ፈተናታትን፡ መስክ ምሉእ ትኹረቱ ኣብ ተስላ ክገብር እዮም ዝሓቱ።
ብመሰረት ጸብጻብ ፎርብስ፡ ኣብዚ እዋን ሃብቲ ኢሎን መስክ 178 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኰይኑ፡ በርናርድ ኣናውልት ድማ 188 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሃብቲ ኣለዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







