ኢሎን መስክ፡ ዝበዝሑ ተጠቀምቲ ትዊተር ካብ መዝነቱ ክወርድ ኣድሚጾም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ትዊተር፡ ዋና ኣካያዲ ናይቲ ትካል ኤሎን ማስክ ካብ ሓላነቱ ክወርድ ኣድሚጾም።
እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብ44 ቢልዮን ነቲ ትካል ዝዓደጎ ማስክ፡ ዋና ፈጻሚ እቲ ትካል ኰይኑ "ይቐጽልዶ ኣይቐጽል?" ንዝብል፡ ተጠቀምቲ ድምጺ ክህቡ ድሕሪ ምሕታቱ’ዩ እቲ ድምጺ ተዋሂቡ።
ካብቶም ድምጾም ዝሃቡ 17.5 ሚልዮን ተጠቀምቲ፡ 57.5 ክወርድ ክደግፉ እንከለዉ፡ 42.5 ድማ ኣብ መዝነቱ ክቕጽል ኣድሚጾም።
ንኣስታት 122 ሚልዮን ሰዓብቱ ኣብ ዘዳለዎ መውሃቢ ድምጺ፡ "ካብ ሓላፍነተይ ክወርድ ዶ. . .በቲ ውጽኢት ክግዛእ እየ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።
እቲ ብስርሓት ቴክኖሎጂ ዝሃብተመ ቢልየነር፡ ንትካላት ቴስላን ስፔስ ኤክስን እውን ዝመርሕ ኰይኑ፡ ንትዊተር ካብ ዝገዝኦ ንደሓር ብዙሕ ወቐሳታት ይበጽሖ ኣሎ።
ማስክ ድሕሪ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝበጽሐ ወጠጥ፡ ንትዊተር ኣብ ጥቅምቲ ብ 44 ቢልዮን ዶላር ገዚእዎ።
ሰኑይ ንግሆ ድምጺ ካብ ዝሃቡ 13 ሚልዮን ሰባት፡ እቶም 57 ሚእታዊት፡ ካብ ሓላፍነትካ ውረድ ዝብል ድምጺ ሂቦም ነይሮም። ዛጊት ቁጽሪ ናይቶም ድምጺ ዝሃቡ ልዕሊ 17 ሚልዮን በጺሑ'ሎ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ዳን ኣይቪስ ዝተባህለ ተንታኒ፡ እቲ ድምጺ መስክ ኣብ ትዊተር ዘለዎ ናይ ዋና ፈጻምነት ሓላፍነት ከብቅዕ ዝገብር ከምዝዀነ እምነቱ ገሊጹ።
እቲ ሃብታም ነቲ ማሕበራዊ ሚድያ ካብ ዝገዝኦ፡ ኣብቲ ትካል ዘከራኽሩ ለውጢታት ተፈጢሮም እዮም።
ኣስታት ፍርቂ ሰራሕተኛታት ትዊተር ዝሰጎገ ኰይኑ፡ ምርግጋጽ ሕሳብ ትዊተር እውን ብኽፍሊት ክኸውን ገይሩ።
ኣብ ቍጽጽር ልጣፋት ዝወሰዶ ስጕምቲ እውን፡ ናይ ጽልኣት ዘረባን ስኑዕ ሓሬታን ዝውስኽ እዩ ዝብል ወቐሳ ካብ ሲቪክ ማሕበራት ክበጽሖ ገይሩ።
ትዊተር ናይ ዝተወሰኑ ጋዜጠኛታት ሕሳብ ክዕጾ ብምግባሩ፡ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንኢሎን መስክ ኮኒኖም እዮም።
ብፍላይ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ትዊተር ማዕቀብ ከምዘንብር ክገልጽ እንከሎ፡ እቶም ዝተዓጽዉ ሕሳባት ትዊተር ፍሉጣት ጋዜጠኛታት ጸኒሖም ክኽፈቱ ተገይሩ እዩ።
ኣይቪስ ከምዝብሎ፡ እቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ንኢሎን መስክን ነቲ ቢልዮናት ዝሓፈሰሉ ትካል ተስላን ጽቡቓት ኣይነበሩን።
ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ዘይነበረ ትዊተር እውን መስክ ካብ ዝገዝኦ ንደሓር ከምዝገደዶ ብምሕባር፡ መስክ "ኣብ ዝቕጽሉ 24 ሰዓታት ሓድሽ ግዝያዊ ፈጻሚ ስራሕ ክመዝዝ ተኽእሎ ኣሎ" ኢሉ።
ማስክ፡ ዓበይቲ ናይ ፖሊሲ ለውጢታት እውን ኣብ መጻኢ ድምጺ ከምዝካየደሎም ብትዊተር ሓቢሩ እዩ።
ትዊተር ንኻልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምፍላጥ ዝተኸፈቱ ሕሳባት ከምዝዕጸዉ ገሊጹ ነይሩ።
ደረጃ ፍሉጣት ሰብ ሃብቲ ዘፍልጥ ፎርብስ፡ ኢሎን መስክ ድሕሪ ሕጂ እቲ ዝሃብተመ ሰብ ዓለምና ዘይምዃኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጹ ዝዝከር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







