ትዊተር ብዛዕባ ኤሎን መስክ ንዝሓበሩ ጋዜጠኛታት ኣጊዱ

ወናኒ ትዊትር ኤሎን መስክ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብዛዕባ ወናኒ ትዊትር ኤሎን መስክ ዝጸሓፉ ውሩያት ጋዜጠኛታት ትዊተር ‘ኣካውንታት’፡ ብሃንደበት ተኣጊዶም።

ሪፖርተራት ኒውዮርክ ታይምስ፡ ሲኤንኤንን ዋሽንግተን ፖስትን፡ ካብ መንጐ እቶም ትማሊ ምሸት ናይ ትዊተር ኣካውንቶም ዝተዓጽወ እዮም።

ወሃቢት ቃል ትዊተር ንመርበብ ሓበሬታ ቨርጅ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ እገዳ ንቦታ ዝምልከት ቀጥታዊ ሓበሬታ ምስ ምዝርጋሕ ዝዛመድ ከምዝኾነ ገሊጻ።

እቲ ንትዊተር ብ 44 ቢልየን ዶላር ዝዓደገ ኤሎን መስክ፡ ንናይ ውልቍ ጀት ብምክትታል ብትዊተር ሓበሬታ ዝዝርግሕ ሰብ ምሕናዩ ስዒቡ’ዩ፡ ናይዞም ውሩያት ጋዜጠኛታት ‘ኣካውንታት’ ትዊተር ተኣጊዱ ዘሎ።

ኣብ ዝርዝር እቶም ጋዜጠኛታት፡ ሚ ቻ ሊ ካብ ዘ ኢንተርሰፕት፡ ማት ቢንደር ካብ ማሻብል፡ ዘይሻራዊ ጋዜጠኛ ኣሮን ሩፓርን ቶኒ ዌብስተርን’ውን ይርከብዎም።

ሓላፊት ድሕነትን እምነትን ትዊተር ዜላ ኤርድዊን፡ እዞም እገዳታት፡ ምስቲ ብረቡዕ ዝተኣታተወ ሓድሽ ሕጊ ትዊተር ዝዛመዱ ኰይኖም፡ “ቀጥታዊ ሓበሬታ ቦታ፡ እንኰላይ ኣብ ትዊተር ብቐጥታ ዝካፈል ፈለግ (መላግቦ) ወይ ድማ ምስ ዩአርኤል ሳልሳይ ወገን (URL) መስመራት ጕዕዞ ዝራኸብን ዝርከቦም” ዝኽልክሉ እዮም ኢላ።

ትዊተር ኣብዚ ፖሊሲ ንጋዜጠኛታት ፍሉይነት ከምዘይገብር ዝሓበረት እታ ወሃቢት ቃል፡ “ብዛዕባ ዝዀነ ፍሉይ ኣካውንት ርእይቶ እንከይሃብኩ፡ ዝዀነ ይዅን ንፖሊሲታት ውልቃውነት (privacy) ዝጥሕሱን ንኻልኦት ተጠቀምቲ ኣብ ሓደጋ ዘውድቝን ኣካውንታት ከም ነቋርጾም አረጋግጽ” ክትብል ተዛሪባ።

ትዊተር፡ ትማሊ ረቡዕ፡ ነቲ ንበረራታት ውልቀ ነፋሪት ኤሎን መስክ እናተኸታተለ ኣብ ትዊተር ሓበሬታ ዝዝርግሕ ኣካውንት @ElonJet ዝርከቦም፡ ወግዓዊ ሓበሬታት ተጠቒሞም ንበረራታት እቲ ቢልየነር ዝከታተሉ ካልኦት ኣካውንታት’ውን ኣጊዱ ኣሎ።

ውልቀ ኣካውንት ወዲ 20 ዓመት ጃክ ስዊኒ @ ElonJet፡ እውን ተኣጊዱ ኣሎ።

ኤሎን መስክ ኣብ ልዕሊ ጃክ ስዊኒን ኣብ ልዕሊ ስድራይ ንዝወረደ ጉድኣት ዝድግፉ ካልኦት ትካላትን ሕጋዊ ስጕምቲ ክወስድ እየ ብምባል ተሓንዩ።

ኤሎን መስክ ሓደ “ዕቡድ ሃዳናይ”፡ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ደቁ ንዝሓዘት መኪና ንምርካብን ንምጥቃዕን፡ ቀጥታዊ መከታተሊ ቦታታት ከም ዝተጠቐመ ገሊጹ።