ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ: ትዊተር ሓያሎ ናይ ኢትዮጵያውያን 'ኣካውንት' ከምዝዓጸወ ሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትካል ትዊተር፡ ምስቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ብዝተሓሓዝ ንሓያሎ ናይ ኢትዮጵያ ማሕበራዊ ኣካውንት (ሕሳባት) ከም ዝዓጸወ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
እቲ ዝተዓጽወ ኣካውንታት ብኣማኢት ዝቑጸር ምዃኑ ገለ 'ደገፍቲ-ትግራይ' ዝኾኑ ተጠቀምቲ እቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ሓቢሮም።
ትካል ማሕበራዊ መራኸቢታት ትዊተር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነቲ ስጉምቲ ክወስድ ዝተገደደ "ናይ ሃሽታግን ስፓምን ዝርከቦም ጥሕሰታት ቅጥዕታት ትዊተር" ስለ ዝተፈጸመ ምዃኑ ገሊጹ።
እዚ ማለት ፍሉያት 'ሃሽታጋትን' 'ሃንድላትን' ብተደጋጋሚ ኣብቲ ብትዊተር ዝዝርጋሕ መልእኽትታት ክካተቱ ዝገብር'ዩ።
ዋላ'ኳ ዝበዝሑ ካብቶም ዝተዓጽዉ ሕሳባት ናይ 'ደገፍቲ-ትግራይ' እንተኾኑ፡ ትዊተር ግን ንቅጥዕታቱ ዘፈጽም "ብወድዓውነት ትሕዝቶን ኣካውንትን እዩ- ጸግዒ ናይ መንነት ፖለቲካን ስነ-ሓሳብን የብልናን" ክብል ይምጉት።
በቲ ስጉምቲ ዝተጸልዉ ወገናት፡ ነቲ ውሳነ ይግባይ ክብልሉ ይኽእሉ እዮም።
ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ትካላት ማሕበራዊ መራኸቢታት በቲ ዝፈጥርዎ መድረኻትን ዝህብዎ ኣገልግሎታትን ጽልእን ምልዕዓልን የሳውሩ ኣለዉ ክብሉ ብዙሓት ይኸሱ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ ትዊተር ንእዋናዊ ምዕባለታት ኢትዮጵያ ዝምልከት ናይ 'ትረንድ' ኣገልግሎታት ከም ዝዓጸዎ ይዝከር።
እቲ ኣገልግሎት ህቡባት ኣርእስትታት ወይ ጉዳያት ኣየኖት ምዃኖም ንቕድሚት ዘውጽእ'ዩ።
ትዊተር፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን ናይ ገለ ደገፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኾኑ ሕሳባት ዓጽዩ ምንባሩ ይፍለጥ።
እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ብረታዊ ጎንጺ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት'ውን ከም ዝተንጸባረቐ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።
ማሕበራዊ መራኸቢታት ብደገፍቲ ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት፡ ኣብ ዝገብርዎ ምጥባቕን ምውዳብን ሓደ ካብ ቀንዲ መሳርሒታት ኮይኑ ይርከብ።
ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት'ውን፡ ምስቲ ግጭት ብዝተሓሓዝ ስኑዕ ሓበሬታታት ተዘርጊሑ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ግጭት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ሞትን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።
ነቲ ክሳብ ሕጂ'ውን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ንምፍታሕ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ጭቡጥ ፈረ ኣይሃበን ዘሎ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ሰላማዊ ፍታሕ ዝርከበሉ ዕድል ተፈጢሩ ምህላዉ ከምዘሐጎሶ ተዛሪቡ ነይሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







