ትዊተር፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ኣንቢርዎ ዝነበረ እገዳ ከልዕል ተገዲዱ

ትዊተር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኤሎን ማስክ፡ ኣብ ልዕሊ፡ እቲ ቢልዮነር ዝምልከት ዝተፈላለዩ ሓበሬታ ኣቃሊሖም ዝበሎም ሓያሎ ጋዜጠኛታት ኣንቢርዎ ዝነበረ እገዳ ክለዓል ወሲኑ።

ነዚ ውሳነ እቲ ቢልዮነር ስዒቡ፡ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ነቲ ተግባር ብትሪ ምስ ኮነኑ እዩ፡ እቲ ውሳነ ክግልበጥ ምዃኑ ዘፍለጠ።

ኣብ'ቲ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ጸብጻብ ዘቕረቡ ጋዜጠኛታት ዘ ኒውዮርክ ታይምስ፡ ሲኤንኤንን ዘ ዋሽንግተን ፖስትን ካብቲ መርበብ ሓበሬታ ተኣጊዶም።

 ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ውግዘትን ተቓውሞን ስዒቡ ግን፡ ኤሎን ማስክ ንተጠቀምቲ ትዊተር ነቲ ውሳነ ኣመልኪቶም ድምጾም ክህቡ ሓቲቱ።

ካብዚ ብምብጋስ ካብቶም ድምጾም ዝሃቡ 3.6 ሚልዮን ሰባት 59 ሚእታዊት ነቲ ኣብ ትዊተር ዝነበረ እገዳ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከወግዶ ሓቲቶምዎ። ነዚ ስዒቡ እዩ ኤሎን፡ እቶም ተዓጽዮም ዝነበሩ ኣካውንታት ክኽፈቱ ምዃኖም ዘፍለጠ።

ሕቡራት ሃገራት ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ብምጽንባር፡ ትዊተር ነቶም ጋዜጠኛታት ንምእጋድ ዝወሰዶ ውሳነ ምኹናኑ ዝዝከር እዩ።

ሪፖርተራት ኒውዮርክ ታይምስ፡ ሲኤንኤንን ዋሽንግተን ፖስትን ካብቶም ኣካውንቶም ተዓጽዩም ዝነበሩ እዮም።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትዊተር ነጻነት መራኸቢ ብዙሃን "መጻወቲ ኣይኮነን" ክብል እንከሎ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ድማ ንትዊተር ከምዝእግድ ኣፈራሪሑ'ሎ።

ወሃቢ ቃል ትዊተር ንሓደ መርበብ ሓበሬታ ኣሜሪካ፡ እቲ እገዳ ምስቲ ብቐጥታ ብሕታዊ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ሓቢሩ።

ምክትል ዋና ጸሓፊት ዓለማዊ ርክባት ሕቡራት ሃገራት ሜሊሳ ፍለሚንግ፡ ጋዜጠኛታት ካብ ትዊተር "ብዘየድሊ መንገዲ" ይእገዱ ከምዘለዉ ብዝገልጹ ጸብጻባት "ኣዝያ ከምዝተረበሸት" ገሊጻ።

"ነጻነት ሚድያ መጻወቲ ኣይኮነን። ናጻ ፕረስ እምነ ኩርናዕ ዲሞክራስያውያን ሕብረተሰባትን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ጐዳኢ ግጉይ ሓበሬታ ቀንዲ መሳርሒን'ዩ" ኢላ።

ኣቐዲማ ብዓርቢ፡ ኮሚሽነር ሕብረት ኣውሮጳ ቬራ ጆውሮቫ፡ ንትዊተር ብመሰረት ሓድሽ ሕጊ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ኣውሮጳ እገዳ ክግበር ምዃኑ ኣፈራሪሓ፡ እዚ ሕጊ እዚ "ምኽባር ነጻነት ሚድያን መሰረታዊ መሰላትን" ከምዘድልዮ ገሊጻ።

"ኤሎን መስክ ነዚ ክፈልጥ ኣለዎ። ቀይሕ መስመራት ኣሎ። እገዳ ድማ፡ ኣብ ቀረባ እዋን" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

ኤሎን መስክ ብዛዕባ እቲ ምእጋድ ብቐጥታ ርእይቶ ኣይሃበን፤ እንተዀነ ኣብ ትዊተር "ምሉእ መዓልቲ ምንቃፈይ ጽቡቕ'ዩ፡ ብሓቂ ብዛዕባ ዘለኹሉ እዋናውን ብሕታዊ ሓበሬታ ምዝርጋሕን ንስድራይ ኣብ ሓደጋ ምእታውን ግን ጽቡቕ ኣይኮነን" ኢሉ።

እቲ ናይ ቴክኖሎጂ ትካል ድሒሩ፡ ነቲ ሕሳባት "ሕጂ" ወይ "ድሕሪ 7 መዓልታት" ከቋርጾ ኣለዎ ዝብል ዳህሳስ ኣዳልዩ፡ እቲ ውሳነ ድሒሩ ዘይኮነስ ቀልጢፉ ክቕየር ከምዝኽእል ሓቢሩ።

"ን'ጋዜጠኛታት' ከም ኵሉ ሰብ ብሕታዊ ወይ መለለዪ ሓበሬታ ምድላይን ምዝርጋሕን ዝምልከቱ ሕግታት ይምልከቶም’ዩ" ክብል ወሲኹ።

ወሃቢ ቃል ኒውዮርክ ታይምስ ነቲ ምእጋድ "ዘሕዝን" ክብል ገሊጽዎ።

እዚ ምእጋድ፡ ኤሎን መስክ ንዋና ናይቲ ውልቃዊት ጀቱ ዝከታተል ኣካውንት ክኸስስ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ ዝመጸ እዩ።

ሓደ "ዕቡድ ተኸታታሊ" ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ደቁ ዝጸዓነት መኪና ንምርካብን ንምቕራብን ብቐጥታ ቦታ ዝሕብር መሳርሒ ከምዝተጠቕመ ገሊጹ።

ድሕሪ እቲ ምእጋድ ግን፡ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን፡ "ነጻነት ፕረስ ብፍቓድካ ክውላዕን ክጠፍእን ኣይክእልን" ክብል ንትዊተር ኣጠንቂቑ።

ጋዜጠኛ ማሻብልን ሓደ ካብቶም ዝተኣገዱን ማት ባይንደር፡ ንምንታይ ከምዝተኣገደ ከምዘይፈልጥ ገሊጹ።

"ኣብ ጸብጻበይ ንመስክ ኣዝየ እየ ዝነቅፎ ነይረ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኤሎን መስክ "ኵሎም ዝተኣገዱ ሰባት ብሕታዊ ሓበሬታ ይዝርግሑ ነይሮም" ዝበሎ ግን ሓቂ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

ንሱ፡ ናብቲ ኣሳሪ ናይታ ጀት ዝመርሕ መላገቢ ኣብ ትዊተር ኣስፊሩ ከምዘይፈልጥን፡ ድሕሪ ምቍራጹ ግን ነቲ ኣካውንት ከምዝጠቐሰን ገሊጹ።

"እቶም ዝተኣገዱ ሰባት ዝተመርጹ ምዃኖም ንጹር'ዩ፡ ምኽንያቱ ቃል ብቓሉ ኣብ ደቒቕ ኣማኢት ኣካውንትታት ነቲ መላገቢ ኣብ ትዊተር ዘስፍሩ ኣለዉ።"

ካብ 2008 ጀሚሩ ትዊተር ክጥቀም ዝጸንሐን ኣብቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዛዕባ እቲ ምዕባለታት ዝጽብጽብ ዝነበረን ማት ባይነደር፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝተገብረ እገዳ ከምዝገረሞ ገሊጹ።

ብዓርቢ፡ ኣካየድቲ ስራሕ ኤንቢሲ ኒውስ፡ ነቲ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ሪፖርተሮም ቤን ኮሊንስ ካብ ፈነወታት ክስሕብዎ ዝወሰኑሉ ምኽንያት፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ንኤሎን መስክ ዝነቅፍ ጽሑፍ ኣብ ትዊተር ብምዝርግሑ ምዃኑ ተገሊጹ።