ድሕሪ መግቢ ጥራጥ ኣብ ምምሕያሽ ጥዕናና ሓጋዚ ድዩ?

 ክንበልዕ እንከለና፡ ምስ መግቢ ዝኣቱ ኣየር ኣብ ከስዕና ይእከብ'ሞ መንፋሕቲ የስዕበላና'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ክንበልዕ እንከለና፡ ምስ መግቢ ዝኣቱ ኣየር ኣብ ከስዐና ይእከብ'ሞ መንፋሕቲ የስዕበላና'ዩ

ጥራጥ ወይ ፈሲ ብዙሓት ሰባት እወ ጠሪጥና ወይ ፈሲና ኢልና ኣብ ቅድሚ ሰብ ዘይንኣምነሉ ክስተት'ዩ።

እንተዀነ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ድሕሪ ምምጋብና ክንጠርጥ ከምዘለና ዝገልጹ ብዙሓት ይዛረቡ'ዮም።

ንምዃኑ እዚ ናይ ብሓቂ ንጥዕናና ሓጋዚ ድዩ? ኵልናኸ ክንገብሮ ኣለና ድዩ?

ሓንቲ ካብቶም ድሕሪ ምምጋብ ክንጠርጥ ከምዘለና ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ትጕስጉስ ዘላ ማይርሊን ስሚዝ ኰይና ፍልጥቲ ተዋሳኢትን ክኢላ ስነ ቍጠባን'ያ።

ንሳ ምስ ብዓል ቤታ ኰይና እናጠረጠት ዘርኢ ኣብ ኢንስታግራምን ኣብ ቲክቶክን እትዝርግሖ ሓጸርቲ ቪድዮታት ኣቓልቦ ሚልዮናት ስሒቡ'ዩ።

"ካብ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ኣትሒዝና ድሕሪ ምምጋብና፡ ንኸልብና ከነዛውሮ ኢልና ንወጽእ'ሞ ነቲ ኣብ ውሽጢ ከስዐና ዝተኣከበ ኣየር ነተነፍስ፣ ' ፋርት ዎክስ' ኢልና ከኣ ንጽውዖ፣ ክልቲና ከኣ ኣብ መጀመርታ እቲ ከልቢ ጠሪጡ ኢልና ነቲ ከልቢ ኢና ነላግበሉ ነይርና" ትብል።

'ፋርት ዎክስ' ንምንታይ'ዩ ንጥዕና ጽቡቕ'ዩ ዝብሃል?

እቲ ኣምርን ስሙን ዘስሕቕ ክኸውን ይኽእል እዩ ግን "ፋርት ዎክስ" ናይ ብሓቂ ጥዕናዊ ረብሓታት ኣለዎ፡ ብቐንዱ ነቲ ድሕሪ ምብላዕና ኣብ ከስዐና ዝእከብ ኣየር ንምፍዃስ ይሕግዝ'ዩ።

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ መግቢ፡ ማይ ወይ ምራቕ ክትውሕጥ ከለኻ፡ ኣብ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ዝእከብ ውሑድ ኣየር እውን ስለ እትውሕጥ'ዩ።

ኣብ እዋን ምሕቃቕ መግቢ'ውን ካብቲ ንበልዖ ዓይነት መግቢ ጋዛት ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ኣሎ።

ብተወሳኺ ዝተወሰኑ መድሃኒታትን'ውን ኣብ ውሽጢ ከስዐና ጋዝ ዝፈጥሩ ኣለዉ።

ማይርሊን ስሚዝ ነባሪት ቶሮንቶ ኰይና ምስ መግብን ኣመጋግባን ዝተኣሳሰሩ ሸሞንተ ብሉጻት መጻሕፍቲ ኣሕቲማ ኣላ።

ንሳ "ብእግርኻ ክትጓዓዝ እንከለኻ፡ ንኣምዑትካ [ኣብ ከስዐና ዝርከብ ክፍሊ ኣካላትና] ስለእተንቀሳቕሶ ኣብ ውሽጡ ዝርከብ ጋዝ ተደፊኡ ናብ ማሃንቱስ ከምዝቐርብ ይገብሮ " ትብል።

ምንቅስቓስ ኣካላት ኣብ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ዓቢ መዓንጣ ዝርከቡ ማይክሮብስ [ኣብ መዓንጣና ዝነብሩ ደቀቕቲ ፍጥረታት] ብፍላይ ድማ ኣብቶም ኣሲዳዊ ስብሒ ዘፍርዩ፡ እወታዊ ለውጢ ከምጽኡ'ውን ይድርኽ'ዩ።

እዚ ኸኣ ንጥዕና መዓንጣ ጠቐምቲ ንጥረ ነገራት እዮም ትብል።

ጁሊ ቶምፕሰን፡ ሓላፊት ክፍሊ ሓበሬታ ናይቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ንዅነታት ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ዝሕግዝ ትካል ግብረ ሰናይ 'ጉትስ ዩኬ' እያ።

ንሳ "እቶም ማይክሮብስ ንገለ ካልኦት ብተፈጥሮ ኣብ መዓንጣ ዝርከቡ ኣሲድ ሓሞት ዝበሃሉ ንጥረ ነገራት ኣብ ምቅያር'ውን ሓጋዚ'ዩ፤ ክልቲኦም ንምንቅስቓስ መዓንጣ ይውስኹ፡ እዚ ድማ እዩ ንሕማም ምሕቃቕ መግቢ ዘመሓይሽን ሰባት ብመልክዕ ፈሲ ወይ ጥራጥ ንኸውጽእዎ ዝሕግዞምን" ትብል።

ማይርሊን ስሚዝ 'ፋርት ዎክ' ዝበል ጐስጓስ ብምጅማር ነቶም ኣብ ካናዳ ብሕማም ሽኮር ዝሳቐዩ ሰባት ንምሕጋዝ ዝውዕል ገንዘብ ኣብ ምሕጋዝ ተዋፊራ ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Mairlyn Smith

መግለጺ ስእሊ, ማይርሊን ስሚዝ 'ፋርት ዎክ' ዝበል ጐስጓስ ብምጅማር ነቶም ኣብ ካናዳ ብሕማም ሽኮር ዝሳቐዩ ሰባት ንምሕጋዝ ዝውዕል ገንዘብ ኣብ ምሕጋዝ ተዋፊራ ኣላ

ብእግሪ ምጕዓዝ ንጥዕና ልብን ስርዓተ ደምን ከም ዝሕግዝ፡ ስርዓተ ምክልኻልካ ከም ዘዕቢ፡ ከምኡ'ውን ብሕማም ሽኮር ደረጃ 2 ክትጥቃዕ ዘሎ ተኽእሎ ንኽንኪ ሓጋዚ ምዃኑ ክኢላታት ብተደጋጋሚ ዝገልጽዎ ሓቂ'ዩ።

ማይርሊን ስሚዝ "ምግቢ ምስ በላዕካ ኮፍ ምስ እትብል ወይ ምንቅስቓስ ምስ ዘይትገብርን፡ ጭዋዳታትካ ልክዕ ከም ሰፍነግ ኰይኖም ነቲ ኣብ ደምና ዝርከብ ግሉኮስ ይመጺ" ብምባል ምስ በላዕካ ዘይምንቅስቓስ ዘለዎ ሳዕቤን ትገልጽ።

"ኣካላዊ ምንቅስቓስን ምጥራጥን እቲ እንኮ ንኸምዚ ዓይነት ሓደጋታት ከተውግደሉ እትኽእል ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ካልኦት ተኣሳሰርቲ ጠንቅታት ስለዘለዉ፡ እንተዀነ ሓደ ካብቶም ጥዕናና ንምምሕያሽ ክንገብሮ ዘለና ነገራት'ዩ" ትውስኽ።

'ፋርት ዎክስ'ን ጽሕጎን

ብዛዕባ ኣገዳስነት ጽሕጎ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈት ኢማ ባርድወል ዝተብሃለት እንግሊዛዊት ክኢላ ኣመጋግባ፡ 'ፋርት ዎክስ' ሰባት ዝያዳ ጽሕጎ ዘለዎም መግብታት ንኽበልዑ ዘተባብዕ ነገር ምዃኑ ብእወታ'ያ ትጥምቶ።

"ብደረጃ ዓለም 90 ሚእታዊት ነቲ ኣብ መዓልቲ 30 ግራም ንኣካላትና ዘድሊ መጠን ጽሕጎ ኣይንበልዕን ኢና፡ እቲ ሰብ ቀንዲ ዝስከፈሉ ከኣ ጽሕጎ ዘለዎም መግቢ ምስ በላዕካ መንፋሕቲ የጋጥም'ዩ ዝብል እዩ። ስለዚ ድሕሪ መግቢ ብእግርኻ እናተንቀሳቀስካ ምጥራጥ ወይ ምፍሳው ነዚ ሻቕሎት ከወግድ ዝኽእል'ዩ" ትብል።

እዛ ክኢላ፡ ጽሕጎ ዘለዎ መግቢ ንጥዕና ኣገዳሲ ምዃኑ ብምሕባር፡ እቲ ጽሕጎ ዘለዎም ነገራት ብምምጋብ ዝፍጠር ጋዝ ከይተሰከፍካ ብምፍናው [ብምጥራጥ] እቲ ረብሓኡ ክሕሎ ከምዝኽል'ያ ሞያዊ ምኽራ ትልግስ።

ኢማ ባርድወል

ምንጪ ስእሊ, Emma Bardwell

መግለጺ ስእሊ, ኢማ ባርድወል

ኤማ ንጥቕምታት ጽሕጎ ዘለዎም መግብታት ክትገልጽ እንከላ "ኮሌስትሮል ንምንካይ ይሕግዝ። ኣብ ደምካ ዝርከብ መጠን ሽኮር ንምቍጽጻር ይሕግዝ። ንሕማም ምሕቃቕ መግቢ ንምክልኻል ይሕግዝ። ዋላ'ውን ከም ሕማም ልብን ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርን ዝኣመሰሉ ነገራትን ንገለ ዓይነት መንሽሮታት ብፍላይ ድማ ከም መንሽሮ መዓንጣን መሃንቱስን ዝኣመሰሉ ነገራት ንምክልኻል'ውን ይሕግዝ" ትብል።

ጽሕጎ ዘለዎም መግብታት ነቶም ኣብ መዓንጣን ማይክሮባዮም ዝፈጥሩ ማይክሮብ ከም መግቢ የገልግሎም'ዩ።

እቶም ማይክሮባዮም ነቲ ጽሕጎ ምስ በልዕዎ፡ የበስብስዎ ከም ውጽኢቱ መተቦላይት ይፈጥሩ፡ እዚ ከኣ ኣብ ኣካላትና ዓቢ ረብሓ ዘለዎ ከም ቢ12 ዝኣመሰሉ ቪታሚናት ንኽፍጥር ከምዝሕግዝ እዛ ክኢላ ትሕብር።

ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ዘለዎ ረብሓታትከ?

ናብ ደገ ምውጻእን ብእግሪ ምጉዓዝን ኣእምሮኣዊ ጥዕናና ኣብ ምምዕባል'ውን ኣዝዩ ሓጋዚ'ዩ።

ምኽንያቱ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ጽቡቕ ስምዒት ዝፈጥሩ ከም ኢንዶርፊንን ሴሮቶኒንን ዝኣመሰሉ ኬሚካላት የፍሪ። ጭንቀት ከነወግድን ልዋም ዘለዎ ድቃስ ክንድቅስን'ውን ኣዝዩ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ብእግሪ ምጉዓዝ ዝምድናታታትካ ንኸተማሓይሽ'ውን ኣዝዩ ሓጋዚ'ዩ፡ ንሳን ብዓል ቤታን ብስራሕን ብጉዳይ ስድራቤቶምን ኣዝዮም ተጸሚዶም ኣብ ዝነበሩሉ፡ እቲ ብእግሪ ምጕዓዝ ፍቕሮም ንኸደልድሉን ጽቡቕ ግዜ ንኸሕልፉን ኣዝዩ ሓጋዚ ምንባሩ ትገልጽ።

"ሕጂ በዓል ቤተይ ብህይወት የለን፡ ኣብዚ እዋን ከኣ መሓዙተይ፡ የዕሩኽተይ ወይ ምስ ጎረቤት ብእግረይ ይጕዓዝ፣ ንሓድሕድካ ክትራኸብ ከኣ ኣዝዩ ብሉጽ መንገዲ'ዩ" ትብል።

ማይርሊን ስሚዝ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ 19'ያ ምስ መጻምድታ ብዛዕባ ብእግርኻ እናተጕዓዝካ ምጥራጥ 'ፋርት ዎክስ' ኣብ ኢንስታግራም ክትዝርግሕ ጀሚራ። ብገለ መንገዲ ንሰብ ምሕጓስ ኣገዳሲ'ዩ ብዝብል'ያ ጀሚራቶ።

ኣብ 2023 ኣብ በረድ ወዲቓ፤ ኣብ ሓንጎላ ከቢድ መጕዳእቲ ኣጋጢምዋ፡ ብድሕሪ'ዚ ንምንቅስቓሳታ ብሓጸርቲ ቪድዮታት ንሰብ ምክፋል ከኣ ኣካል ሕውየታ ገይራ ወሲዳቶ።

"በቃ ኣብ ተሌፎነይ ኣትየ ብዛዕባኡ ክዛረብ ጀሚረ፣ ሰብ በዚ ነገር ክዝክረኒ እንተዀይኑ፡ ጥራይ ንሰብ ዝጠቅም ይዅን'ምበር ድሓን ዋላ መስሓቕ ይኹን ኢለ ቀጺለዮ" ትብል።

ንኽንጠርጥ ክንክተሎ ዘለና ኣገባብ ኣሎ ድዩ?

ድሕሪ ምምጋብና ብእግርና ንንቀሳቐስ፡ እቲ ዝበለጸ ከኣ ድሕሪ ድራር እንተዀነ ይምረጽ።

ኤማ፡ ዝዀነ ክንክተሎ ዘለና ሕጊ የብሉን፣ ድሕሪ ምምጋብን እቲ ዝበላዕናዮ ክሓቅቕ ንኽጅምር ካብ 30 ክሳብ ሓደ ሰዓት ንጸበ። እቲ እንገብሮ ጕዕዞ እግሪ'ውን ነዊሕ ክኸውን ትጽቢት ኣይግበርን'ዩ ትብል።

"ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጋዝ ተደፊኡ ንኽወጽእ ንዓሰርተ ደቒቕ ብእግርኻ ምጕዓዝ እኹል'ዩ።"

እቲ ቀንዲ ዘድልየና፡ ብእግርና ንኽንጓዓዝ ምችኡነት ዝፈጥረልና ሳእንን ምስቲ ዘለናዮ ኵነታት ኣየር ዝሰማማዕ ክዳንን'ዩ።

ኤማ፡ ኣብ ገለ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝዝርጋሕ ንጥዕና ዝምልከት ትምህርታታት ዝተሓላለኸን ኣዝዩ ክቡር ነገራት ዝጠልብን ምዃኑ ትሕብር።

"እዚ መግቢ ተመጊብካ ድሕሪ ዝተወሰነ ደቃይቕ ንዓሰርተ ደቂቕ ብእግርኻ ተጓዒዝካ ኣብ ውሽጥኻ ዝርከብ ጋዝ ምፍኳስ ግን ዝጠልቦ ነገራት የብሉን፤ ኵሉ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ቀሊል ነገር'ዩ" ትብል።

ማይርሊን ስሚዝ፡ ድሕሪ ምምጋብ ብእግርኻ ተጓዒዝካ ነዚ 'ፋርት ዎክስ' ዝብል ኣምር ኵሉ ሰብ ከም ልምዲ መዓልታዊ ከዘውትሮ ዘለዎ ነገር ምዃኑ'ያ ትመክር።