ፈሲ ክፍጠር ዝገብሩ ሸሞንተ መግብታት

ምንጪ ስእሊ, iStock
ምፍሳው ወይ ምጥራጥ ንቡር እዩ። ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ካብ 5 ክሳብ 15 ግዜ ከዘውትሮ ይኽእል። እንተ ዘይጸሊእካዮ ወይ እንተ ዘይኣሕኒኹካ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብዙሕ ጋዝ ምህላው ምልክት ጽቡቕ ጥሕና ክኸውን ይኽእል እዩ።
እቶም ክንፈሱ ዝድርኹና መግብታት ንጥዕና ልቢ ኣገደስቲ እዮም። ንኣብነት፡ ጽሕጊ ዘለዎም ካርቦሃይድሬታት ኣካላትና ከሕቅቖም እኳ እንተ ዘይከኣለ፡ ኣብ መዓናጡና ዝርከቡ ባክተርያታት ግን የሕቕቑዎም።
ክትፈሱ ዝገብሩኻ መግብታት ኣየኖት እዮም? ንፈሲ ብርቱዕ ጨና ክህሉዎ ዝገብሩኸ? መዓስ ኢኻ ናብ ሓኪም ክትከይድ ዘለካ?
1. ስብሒ ዘለዎም መግብታት
ስብሒ ዘለዎም መግብታት ንስርዓተ-ምሕቃቕ መግቢ የዝሕሉዎ'ሞ፡ ኣብ ከስዐኻ ነድሪ ክፈጥሩ፡ ክብስንዉን ጨና ክገብሩን ይገብሮም።
ስቡሕ ስጋ ሳልፈር ዘለዎ ልዑል ኣሚኖ ኣሲድ ሜቲኖኒን ይርከቦ። ሳልፈር በቲ ኣብ ከስዐና ዘሎ ባክተርያ ይሰባበር (ይሓቅቕ) እዩ። እዚ መስርሕ'ዚ ከም ዝተበላሸወ እንቋቝሖ ዝጨኑ ሃይድሮጅን ሳልፋይድ የፍሪ። ካብ ካልኦት መግብታትን ስጋን ንላዕሊ ድማ ዝለዓለ ጨና ይፈጥር።
2. ባልደንጓ፡ ኣዳጕራ፡ ብርስን
ባልደንጓ፡ ኣዳጕራ፡ ብርስን፡ ፋጆሊ ወዘተ ኣብ ርእሲ ዘለዎም ብዙሕ ጽሕጊ፡ ራፊኖስ'ውን ኣለዎም። ራፊኖስ ሓደ ዓይነት ሽኮር ኰይኑ ብግሉኮስ፡ ጋላክቶስን ፍሩክቶስን ዝቘመ እዩ። ኣብዞም ዝተጠቕሱ ጥረታት ድማ ይርከብ።
ኣካላትና ንራፊኖስ ምሉእ ብምሉእ ከሕቅቖ ስለ ዘይክእል ናብ ገፊሕ መዓንጣ ይሓልፍ። ኣብኡ ድማ ባክተርያ ክሕቅቑዎ እንከለዉ ሚተይንን ጨናዊ ሳልፈርን ይፈጥር።
3. እንቋቝሖ
ብዙሕ ሰብ እንቋቝሖ ንፈሲ ከም ዘይድርኸና እዩ ዝኣምን። እንተዀነ፡ ብዙሕ ሳልፈር ዝሓዘ ሜቲዮኒን ኣለዎ። ስለዚ፡ ፈስኹም ክጨኑ እንተ ዘይደሊኹም ንእንቋቝሖ ምስ ከም ባልዶንጓ፡ ብርስን፡ ስቡሕ ስጋ ዝኣመሰሉ ኣይትብልዑዎ።
እንቋቝሖ መንፋሕቲ ዝገብረልካ እንተዀይኑ፡ ኣለርጂ ክህልወካ ወይ ዘይሰማምዓካ ክኸውን ይኽእል።

4. ሽጉርቲ
ሽጉርቲ፡ ካርቾፊ፡ ጻዕዳ ሽጉርቲ፡ ፓሮ፡ ኵሎም ፍሩክታን ዝሓዙ እዮም። ፍሩክታን ኣብ ቀጢን መዓንጣ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይሓቁ፡ ናብ ገፊሕ መዓንጣ ይሰግሩ'ሞ፡ ኣብኡ ብባክተርያ ይሓቁ። ኣብዚ መስርሕ ድማ ፈሲ ይፍጠር።
5. ውጽኢት ጸባ
ጸባ ላሕምን ጤልን ላክቶስ ዝበሃል ጋዝ ክእክብ ዝኽእል ሽኮር ዝሓዘ እዩ።
ኣስታት 65% ካብ ህዝቢ ዓለም ድማ ላክቶስ ክጻወሩ ኣይክእሉን። ውጽኢት ጸባ ምስ ዝወስዱ ድማ መንፋሕቲ ክፈጥረሎም ይኽእል።
6. ስርናይን ባህርያዊ እኽልን
ከም ባኒ፡ ፓስታ ዝኣመሰሉ መግቢታት ብስርናይ፡ ስገም ወይ ኣጃ ይስርሑ። እዚኦ ድማ መንፋሕትን ፈስን ዝፈጥሩ ፍሩክታንን ጽሕጊን ኣለዎም።
ስርናይን ስገምን ግሉቶን ኣለዎም። ገሊኡ ሰብ ግሉቶን ስለ ዘይጻወር መንፋሕትን ፈስን ክፈጥረሉ ይኽእል።
7. ብሮኮሊ፡ ካውሎፍዮርን ካውሎን
ካውሎ፡ ብሮኮሊ፡ ካውሎፍዮርን ካልኦት ቀጠልያ ዝቘጽሎም ኣሕምልትን ልዕሊ ዓቐን ጽሕጊ ስለ ዘለዎም፡ ኣካልና ንምሕቓቖም ክጽገም ይኽእል እዩ።
እንተዀነ፡ ኣብ ከስዐና ዝርከቡ ባክተርያታት ንጸዓት ክጥቀምሉ ይደልዩ እዮም። እዚ ድማ ጋዝ የስዕብ።
ብዙሓት ካብዞም ኣሕልምቲ ሳልፈር'ውን ስለ ዘለዎም ንፈስና ጨና ክህሉዎ ይገብሩ።

8. ፍራፍረ
ከም ቱፋሕ፡ ማንጎን ፐርን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ፍራፍረ ልዑል ተፈጥሮኣዊ ሽኮር ፍሩክቶስ ኣለዎም። ብተወሳኺ፡ ገሊኦም ዓይነታት ቱፋን ፐርን ብጽሕጊ ዝመልኡ እዮም።
ሓያሎ ሰባት ፍሩክቶስ ንምሕቃቕ ይጽገሙ። ነዞም ምኡዛት መግብታት ምስ ተመገቡ ድማ ነቲ ሽኮር ምሉእ ብምሉእ ከሕቅቖ ክጽገም ስለ ዝኽእል ጋዝ ይፈጥር።

ምፍሳው ከተቋርጽ ትኽእል ዲኻ?
ፍረታት፡ ኣሕምልትን ፍሩታታትን ጋዝ ከስዕቡ ይኽእሉ። ብዛዕባ ምፍሳው ካብ ምጭናቕ ግን ነዞም ንጥዕናና ኣገደስቲ ዝዀኑ መግብታት ምብላዕ ኣገዳሲ እዩ።
ብዙሕ ጽሕጊ ዘለዎም መግብታት እንተ ዘይበሊዕካ፡ ኣካላትካ ምቾት ዘይክስምዖ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ጸገማት ንምእላይ ኣብ ኣመጋግባኻ ኣዘውትሮ።
እኹል ማይ ምስታይ ንሕማም ምሕቃቕ መግቢ ንምክልኻል ይሕግዝ። ምሕቃቕ መግቢ ካብ መጠን ንላዕሊ ጋዝ ከስዕብ ይኽእል። ኣብ ከስዐኻ ዝጸንሕ ቀልቀል ከኣ ክበኵዕን ሕማቕ ጨና ዘለዎ ጋዝ ከውጽእን ይኽእል።
ምስ ነፍሲወከፍ መግቢ ሓደ ዓይነት መስተ ክትሰቲ ፈትን። ብተወሳኺ፡ ነቕጺ ንምውጋድ ምሉእ መዓልቲ ማይ ስተ።
ብዛዕባ ፈሲ ወይ ጥራጥ ክትጭነቕ ይግባእ ድዩ?
መብዛሕትኡ ግዜ ፈሲ ኰነ ጥራጥ ከቢድ ጸገም ኣይኰነን። ብዙሓት ዘይጐድኡ ጠንቅታት ፈሲ ሕክምናዊ ሓገዝ ኣየድልዮምን እዩ።
ሓደሓደ ግዜ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ጋዝ (ፈሲ) ምልክት ናይ ዝዓበየ ጸገም ጥዕና ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ እንተ ተጨኒቕካ ናብ ሓኪም ምኻድ ይምረጽ።
ጨናዊ ፈሲ ግን ካብ እትወስዶም መድሓኒታት ከመጽእ'ውን ይኽእል እዩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







