ኮሊን፡ እቲ ንሓንጐልና ኣዝዩ ኣገዳሲ ግን ብዙሕ ዘይተነግረሉ መኣዛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ኮሊን ኣይሰማዕኩምን ትዀኑ፡ መጽናዕትታት ግን ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ዕድመና ንጥዕናና ኣዝዩ ወሳኒ ባእታ ምዃኑ ይሕብሩ።
ኮሊን ቪታሚን ወይ ማዕድን ኣይኮነን።
እንተዀነ፡ ንጥዑይ ንጥፈታት ስርዓተ መትኒ ወዲ ሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ኦርጋኒክ [ተፈጥሮኣዊ] መኣዛ እዩ።
ዝያዳ ኮሊን ምውሳድ ካብ ምምሕያሽ ብቕዓት ኣእምሮ ጀሚሩ ክሳብ ምክልኻል ጸገማት፡ ኒውሮዲቨሎፕመንት- ማለት ከም ካብ ውነ ምስሓት-ኣቓልቦ ምጕዳል (ADHD)ን ዝኣመሰሉ ሰፊሕ ሓያል ጽልዋታት ክህልዎ ከም ዝኽእል ዝሕብሩ መርትዖታት ይቕልቀሉ ኣለዉ።
እቲ መኣዛ ኣብ ምዕባለ ኣእምሮ ደቂ ሰባት እውን ልዑል ተራ ዘለዎ ይመስል።
ኣብ ሓደ መጽናዕቲ፡ ኣብ እዋን ጥንሲ ኮሊን ከም መመላእታ መግቢ [ሳፕልመንት] ዝወሰዳ ኣደታተን፡ ኣዝዮም ንቑሓት ዕሸላት ወሊደን፣ እዚ ድማ መለክዒ ጥዑይ ኣእምሮኣዊ ህንጸት እዩ።
ተመራመርቲ፡ ኮሊን መስተንክር-መኣዛዊ መግቢ ምዃኑ፡ ግን ከኣ ኣዝዩ ዕሽሽ ከም ዝተባህለ ይዛረቡ። ንምዃኑ፡ ኮሊን ካበይ እዩ ዝርከብ?
ዝተረስዐ ወሳኒ መኣዛ
ኣብ ኒውዮርክ-ኣመሪካ ኣብ ኮሌጅ ብሩክሊን፡ ፕሮፌሰር ሳይንሳዊ ጥዕናን ኣመጋግባን- ዚንዪን ጂያንግ፡ "ነፍሲ ወከፍ ዋህዮታት ኣካላትና ኮሊን ዝሓዘ እዩ፡" ይብል።
እዚ ማለት፡ ንጥዕናና ኣዝዩ የድልየና እዩ፣ ኣካላትና ግን ባዕሉ እኹል መጠን ኣየፍርን እዩ።
የግዳስ፡ ካብ መግቢ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና።
ጸሓፊት ሳይንስን መስራትንን ትካል-ምመኻር፡ 'ኒውትሪሽናል ኢንሳይት'፡ ኤማ ደርቢሻየር፡ ኮሊን ዋላ'ኳ ብሓቂ ምስ ቫይታሚናት-ቢ ዝቐረብ ምትእስሳር እንተለዎ፡ ካብኡ ብዝበለጸ ግን ምስ ባእታ-'ኦሜጋ 3' ዝመሳሰል ባህሪን ምንጭን ከምዘለዎ ትገልጽ።
ኮሊን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እንስሳታት ዝተመርኮሰ መግብታት፡ ስጋ ከብቲ፡ እንቋቑሖ፡ ዓሳ፡ ደርሆን ጸባን ዝኣመሰሉ ክርከብ ይከኣል።
እንተኾነ ኣብ ከም ዓተር፣ ዕፉንን ከም ብሮኮሊ ዝኣመሰሉ ኣሕምልትን እውን ክርከብ ይከኣል እዩ።
ኣብ እንስሳታት ድማ፡ ካብቲ ኣብ ኣትክልቲ ዝተመርኮሰ ምንጪታት፡ ዝያዳ ኮሊን ክርከብ ከምዝኽእል ይግለጽ።
ሳዕቤን ሕጽረት ኮሊን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣካላትና ንብዙሕ ንጥፈታት፡ ብፍላይ ድማ ጸላም ከብዲ ብቐሊሉ ንጥፈታታ ከተካይድ ኮሊን የድሊ።
እኹል መጠን ዘይምህላው ድማ ብርክት ዝበሉ ጸገማት ከስዕብ ይኽእል።
"ኮሊን ስብሒ ካብ ጸላም ከብዲ ንኽወጽእ ይሕግዝ፣ ሓደ ሰብ ሕጽረት ምስ ዝህልዎ ድማ፡ ኣብ ጸላም ከብዲ ብዙሕ ስብሒ ክርከቦ ይኽእል'ዩ፡" ይብል ጂያን።
ኮሊን፡ ኣብ ኣካላትና ዝርከቡ ቀንዲ ኣካል ሽፋን ዋህዮታት ዝዀኑ ፎስፎሊፒድስ ንኽምስርት እውን ይሕግዝ።
ሕጽረት ናይዚ መኣዛ፡ ኣብ መስርሕ ምብዛሕ ዋህዮታትና ዝነጥፉ 'ጂናት' ክጸልዎም ይኽእል።
ኣብ እዋን ዕቤት ዕሸል ድማ፡ ሕጽረት ኮሊን ብፍላይ ኣብ ሓንጐል ንዝርገሐ ዋህዮታት ስለ ዝዓግት ጎዳኢ ክኸውን ይኽእል።
ንሕማም ረሲዕ ይፍውስ ድዩ?
ደርቢሻየር፡ ተራ ኮሊን ኣብ ሓንጐል ወሳኒ ምዃኑን ብቐንዱ ድማ "መኣዛ ሓንጐል" እዩ ይብል ።
ካብ ሓንጐል ናብ ኣካላት፡ ብዋህዮታት መትኒ ኣቢሉ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ከሚካል፡ 'ኒውሮትራንስሚተር ኣሲታይልኮሊን' ንምፍራይ የድሊ።
ተመራመርቲ ኣብ ሓደ መጽናዕቲ ካብ 36 ክሳብ 83 ዓመት ዝዕድመኦም ዳርጋ 1,400 ሰባት ኣብ ዝተሳተፍዎ መጽናዕቲ፡ ዝለዓለ መጠን ኮሊን ዝወስዱ ሰባት ዝሓሸ ናይ ምዝካር ክእለት ከምዘለዎም ኣረጋጊጾም።
ከምኡ ድማ፡ ኣብ መፋርቕ ዕድመ ኮሊን ምውሳድ፡ ሓንጐልና ካብ ከም ሕማም-ረሲዕ ዝኣመሰሉ ጸገማት ንምክልኻል ክሕግዝ ከም ዝኽእል ረኺቦም።
ኮሊን፡ ብልሙድ ኣብቶም ከም "ኖትሮፒክስ" ዝውሰዱ መማልእቲ [supplements] ተቓሚሙ ይዳሎ።
ገለ ጕጅለታት፡ እዚ ንጥረ ነገር ንገለ ሰባት ናይ ምስትውዓልን ምዝካርን ዓቕሞም ከዕብዩ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ኣለዎም።
ብኻልእ ወገን ድማ ሕጽረት ኮሊን ምስ ከም ኣልዛይመርን ፓርኪንሰንን ዝኣመሰሉ ናይ ኒውሮዲጀነሬቲቭ ጸገማት እውን ዝተኣሳሰር ምዃኑ ተገሊጹ።
ካልእ ኮሊን ንሓንጐል ክጸልዎ ዝኽእል መንገዲ ድማ ጥዕና ኣእምሮና እዩ።
ሓደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ልዑል መጠን ኮሊን ምስ ትሑት ደረጃ ጭንቀት ዝተኣሳሰር እዩ።
ኣብ ካልእ መጽናዕቲ፡ ኣብ ኣመጋግባ ዝለዓለ ኣመጋግባ ኮሊን ምህላው፡ ምስ ትሑት ሓደጋ ጭንቀት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ተገሊጹ።
እኹል ኣመጋግባ ኮሊን ምህላው ካልኦት ብርክት ዝበሉ ረብሓታት እውን ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ብፍሉይ ኣብ ኣናጹ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኮሊን ደረጃ ናይቲ ንሓደጋ ሕማም ልቢ ክውስኽ ዝኽእል ኣሚኖ ኣሲድ ሆሞሲስተይን ንምንካይ ክሕግዝ ይኽእል።
ከምኡ'ውን ካብ ኣመጋግባኦም ዝለዓለ ኮሊን ዝወስዱ ሰባት ድልዱል ዓጽሚ ክህልዎም ከም ዝኽእል መጽናዕትታት ኣረጋጊጾም።

ምንጪ ስእሊ, Waitrose
እተን ቀዳሞት 1000 መዓልታት
ሓደ ቆልዓ ቀዳሞት ክልተ ዓመታት ንዕብየቱ ወሳኒ ምዃኑን፡ ኣብ እዋን ጥንስን ምጥባውን፡ ኣመጋግባ እታ ኣደ ጽልዋ ከም ዘለዎን ተረጋጊፁ ዝሓደረ እዩ ።
መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ኮሊን ንዕብየት ህጻን ኣብ ማህጸን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ዕሸላት ካብ ኣዴታቶም ብሰለስተ ዕጽፊ ዝበዝሐ ኮሊን ሒዞም እዮም ዝውለዱ፡ እዚ ድማ ኣብዚ ደረጃ ህይወት ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘርኢ እዩ ይብል፡ ደርቢሻየር።
ሓያሎ መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ኮሊን ኣብ ማህጸን ምስ ዕቤት ኣእምሮኣዊ'ቲ ህጻን ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ እቲ ቆልዓ እናዓበየ ምስ ከደ ድማ ጥቕሙ ንዓመታት ክቕጽል ይኽእል።
ኣብ ሓደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ጥንሲ (ካብ ሰሙን 13 ክሳብ ሰሙን 28) ኣብ ኣመጋግባአን ዝዓለ መጠን ኮሊን ዝወሰዳ ነፍሰጾራት፡ ኣብ 7 ዓመት ዓመቶም ኣብ ፈተና ዝለዓለ ነጥቢ ዝረኸቡ ቆልዑ ወሊደን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እንታይ ዝኣክል ኮሊን እዩ ዘድልየና?
ኣብ ኤውሮጳ፡ በዓል መዚ ድሕነት መግቢ ኤውሮጳ (EFSA) ንኣመጋግባ ኮሊን ዝምልከት መስፈርቲ ኣቐሚጡ ኣሎ፡ 400mg ንዓበይቲ፡ ከምኡ'ውን 480mgን 520mgን ንነፍሰጾራትን መጥበውትን።
ኣብ ኣሜሪካ፡ ኢንስቲትዩት ሕክምና (IOM) ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1998 ፡ንደቂ ተባዕትዮ ኣብ መዓልቲ 550 ሚሊግራም፡ ንደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣብ መዓልቲ 425 ሚሊግራም፡ ወይ ድማ ኣብ እዋን ጥንሲ 450 ሚሊግራም፡ ኣብ እዋን ምጥባው ድማ 550 ሚሊግራም ምውሳድ ከምዘድሊ ኣስፊሩ።
ሓደ እንቋቑሖ ከባቢ 150 ሚሊግራም ኮሊን ክህልዎ እንከሎ፡ ደርሆ ድማ ከባቢ 72 ሚሊግራም፡ ሕፍኒ ዓተር ድማ ከባቢ 24 ሚሊግራም ኣለዎ።
ንሓንጎልና ምምጋብ
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መንጎ ኮሊንን ዝተመሓየሸ ናይ ኣእምሮ ስራሕን ጽኑዕ ምትእስሳር ከምዘሎ ኣብ እንስሳት ዝተኻየዱ መጽናዕትታት የርእዩ።
እቲ ጽሑፍ ነቲ ምቹእ መጠን መመላእታ ኣይገልጽን።
እንተኾነ ግን መብዛሕትኦም መጽናዕትታት ደቂ ሰባት መዓልታዊ ክሳብ 930 ሚሊግራም ኮሊን ዝህቡ መመላእታታት ይጥቀሙ፤ እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ኣስታት ሽዱሽተ እንቋቑሖ ደርሆ ዘሎ ኮሊን ዝመጣጠን መጠን እዩ።
ገለ ሰባት ካብቲ መዓልታዊ ክውሰድ ዝምከር መጠን ዝያዳ ኮሊን ዘድልዮም እውን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም ይብሉ ተመራመርቲ።
ንኣብነት ድሕሪ ጽግያት፣ ትሑት መጠን ኦስትሮጅን ዘለዎም ሰባት ከምኡ'ውን ሕማም ጸላም ከብዲ ዘለዎም ሰባት።
ኮሊን ዝሓዙ መግብታት ክንበልዕ ከለና፡ ቀልጢፉ ብቐሊሉ ኣብ ደምና ይወሃድ ይብል ጂያንግ፡ እዚ ድማ እኹል ኮሊን ንበልዕ ከምዘለና ንምርግጋጽ ብገለ መንገዲ ክረጋገፅ ይግባእ- ይብል።
እንተዀነ፡ ብዙሓት መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ብዙሓት ሰባት እኹል መጠን ኮሊን ኣእረኽቡን።
ሓደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ ዓበይቲ ኣመሪካውያን 11% ጥራይ እዮም ነቲ መዓልታዊ ዝምከር መጠን ይወስዱ።
እንቋቑሖ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ሓያላት ምንጪታት ኮሊን ኮይኑ፡ ተመገብቲ ኣትክልቲ [ቬጋን]፡ እኹል መጠን ናይዚ መኣዛ ከይረኽቡ ይኽእሉ እዮም ዝብል ገለ ስክፍታ ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







