ኣብ ኣሜሪካ ብዘጋጠመ ከቢድ ህቦብላ ብውሕዱ 26 ሰባት ሞይቶም

ህጻን ኣብቲ ፍርስራስ ገዛውቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ደቡባዊ ግዝኣታት ኣሜሪካ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ህቦብላ ኣብ ሚሲሲፒን ኣላባማን ብውሕዱ 26 ሰባት ሞይቶም።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ነቶም በቲ ሓደጋ ዝተጎድኡ ንምድላይን ንምድሓንን ጻዕርታት ይካየድ ዘሎ ዀይኑ፡ ግዝኣት ሚሲሲፒ ድማ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ ኣላ።

ከተማ ሮሊንግ ፎርክ ሚሲሲፒ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ዓንያ፤ ጐደናታት ብዝዓነዋ መካይን፡ ፍንጫላትን በቲ ህቦብላ ዝተሰባበረ ቬትሮታትን ተሸፊኑ ይርአ።

እቲ ብርቱዕ ህቦብላ ነበርቲ ደቂሶም ኣብ ዝነበሩሉ ፍርቂ ለይቲ ነተን ግዝኣታት ስለዝሃረመ ዝዀነ ደወል መጠንቀቕታ ከምዘይተሰምዐ ይንገር።

ነባሪ ፍራንሲስኮ ማክናይት ካብቲ ሓደጋ ምድሓኖም ተኣምር ምዃኑ ይዛረብ።

ኣብ ፍርቂ ለይቲ በቲ ብርቱዕ ህቦብላ ከምዝተበራበሩን ኣብ ህይወቶም ከምዚ ዝበለ ድምጺ ንፋስ ሰሚዖም ከምዘይፈልጡን ገሊጹ።

እቲ ንፋስ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ደቓይቕ ጥራይ ከም ዝጸንሐ ዝገለጸ እቲ ነባሪ፡ ኣብ መሕጸቢ ክፍሊ ዝርከብ ጋብላ ተሓቢኡ ብህይወት ከምዝተረፈ ይዛረብ።

ኣብዚ እዋን ገዛኦም ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ'ሎ።

ቅድሚ 24 ሰዓታት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ስድራቤትን ፈተውትን ዝተኣከቡሉ፡ ንቐዳመ ሰንበት ድሉዋት ዝነበሩ ገዛውቲ ከም ዘይነበሩ ኰይኖም ናብ ዑና ተቐይሮም።

ፍሬም ዕንጨይቲ ተቘራሪጹ ይረአ። ንላዕሊ ዝተገልበጣ መሕጸቢ ማሽናት ኣለዋ፤ ክሽነ ኣየናይ ምንባሩ ምልላይ ኣይከኣልን።

ኣብ መንጐ እቲ ፍርስራስ ከም መጻወቲ ዝወዛወዛ መኻይን ኣለዋ።

እቲ ሓሓሊፉ ዝረአ መጻወቲ ህጻናት ካልእ ምልክታት ናይቲ ቅድሚ ሰዓታት ጥራይ ኣብዚ ዝነብር ዝነበረ ህይወትን ኣሎ።

ሰባት ኣብ'ቲ ፍርስራስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣመሓዳሪ ሚሲሲፒ ቴት ሪቭስ ትማሊ ቐዳም ኣብተን ብህቦብላ ዝተሃስያ ከተማታት እታ ግዝኣት ዑደት ብምግባር ንነበርቲ ኣዘራሪቡ። እቲ ኣመሓዳሪ ነቲ ኵነታት ኣብ ትዊተሩ "ዘስካሕክሕ" ክብል ገሊጽዎ።

ሎሚ ሰንበት ድማ ኣብ ኣላባማን ጆርጅያን ተወሳኺ ህቦብላታት ከይሃርም ስግኣት ኣሎ።

ኣብቶም እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሎም ከባቢታት ድማ ጻዕርታት ምድላይ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ሰባትን ስራሕቲ ምድሓንን ይቕጽል ምህላዉ ተፈሊጡ።

ነቲ ሓደጋ ስዒቡ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ካብ ሚሲሲፒ ዝበጽሖ መልእኽቲ "ልቢ ዝሰብር" ምዃኑ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ፈደራል ነቶም ግዳያት ንምድጋፍ "ዝከኣሎ ኵሉ ክገብር" ምዃኑ ቃል ኣትዩ።