ፊሊፒንስ፡ ብዕልቕልቕን ምህማም መሬትን 167 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ፊሊፒንስ ብሰንኪ መጂ ዝተሰመየ ዕልቕልቕን ምንሽርታት መሬትን ብውሕዱ 167 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።
ብዘይካ'ዚ ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ዕልቕልቕን ምንሽርታት መሬትን 110 ሰባት ሃለዋቶም ክጠፍእ እንከሎ፡ 1.9 ሚልዮን ሰባት ንሓደጋ ተቓሊዖም ከምዘለዉ ኤጄንሲ ምክልኻል ሓደጋታት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣብታ ኣብ ማእከል ፊሊፒንስ ትርከብ ዞባ ለይተ እትርከብ በይ በይ ትብሃል ከተማን ኣብ ከባቢኣ ዘርከባ ቁሸትን ኣብቲ ከባቢአን ዝርከብ ፈለግ ልዕሊ ዓቕን ስለዝመልአ ካብቲ ብኸቢድ ዝተሃሰየ ቦታታት እየን።
ኣብቲ ዞባ ትርከብ ፒላር ትብሃል ቁሸት 80 ሚኢታዊት ካብ ገዛውታ ምሉእ ንምሉእ ብማይ ከምዝተዓበጠ'ውን ተገሊጹ።
ብዘይካ ኣብ ማእከላዊ ዞባ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር'ውን ሓያለ ሞት ከምዝተመዝገበ ኤጄንሲ ምክልኻል ሓደጋታት እታ ሃገር ሓቢሩ።
እቲ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣጋቶን ኢሎም ዝጽውዕዎ ህቦቡላ ኣብ ሰዓት 65 ኪሎ ሜትር ዝሕንበብ'ዩ፡ እዚ ህቦቡላ'ዚ ክመጽእ እንከሎ ኸኣ ነበርቲ ናብ ዝበረኸ ቦታ ወይ'ውን ኣብቲ መንግስቲ ዘዳልወሎም ግዝያዊ መጽለሊ ብምኻድ'ዮም ዝዕቆቡ።
እቲ ንመዓልታት ዝቐጸለ ህቦቡላ ኣብ ሰሉስ'ኳ ዝግ ኢሉ እንተነበረ፡ እቲ ንጥፈታት ህይወት ኣድሕን ግን ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ከምቲ ዝድለ ክኸይድ ኣይክኣለን።

ምንጪ ስእሊ, As You Wish Photography
እዚ ብርቱዕ ህቦቡላ፡ ኣብዚ ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ዘጋጥም ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ህቦቡላታት ኣብ ዓመት ብገምጋም 20 ግዜ'ዩ ዘጋጥም።
ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ'ውን ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ ክስተት፡ 375 ሰባት ምቕታሉን ንልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ንሓደጋ ምቅልዑን ዝዝከር እዩ።
ፊሊፒንስ ዘለዋ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ዝያዳ ንሓደጋ ህቦቡላ ንኽትቃላዕ ቀንዲ ምኽንያት ከምዝኾነ'ዩ ዝግለጽ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







