ኵዌት፡ ኣብ መንበሪ ወጻእተኛ ሰራሕተኛታት ብዘጋጠመ ባርዕ ኣስታት 50 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ከተማ ማንጋፍ - ኩዌት ኣብ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብውሕዱ 49 ሰባት ከምዝሞቱ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ሃልሃልታ ንታሕተዋይ ክፋል ናይቲ ህንጻ ከምዝሸፈነን ካብ ላዕለዎት ደርብታት ድማ ከቢድ ጸሊም ትኪ ክወጽእን የርእይ።
ብዘይካ’ቶም ዝሞቱ ብውሕዱ ካልኦት 15 ሰባት ቆሲሎም ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ሰበስልጣን ገሊጾም።
ብዙሓት ካብቶም ዝሞቱ ሰባት ኣብኡ ዝነብሩ ዝነበሩ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ምዃኖም ይንገር።
ንወነንቲ እቲ ህንጻ ብስስዐ ዝኸሰሰ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሸኽ ፋሃድ ዩሱፍ ኣል-ሳባህ ጥሕሰት ደረጃታት ህንጻ መንቀሊ እቲ ዘሕዝን ክስተት ከምዝኾነ ሓቢሩ።
"እቲ ዘሕዝን ስስዐ ናይቶም ወነንቲ ህንጻ እዩ ናብዚ ኣምሪሑ። ደንቢ ይጥሕሱ እዮም፤ እዚ ድማ ውጽኢት ናይቲ ጥሕሰት'ዩ" ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሜጀር ጀነራል ዒድ ኣል-ኦዌይሃን ንመንግስታዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ባርዕ ሎሚ ረቡዕ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 06፡00 ከምዘጋጠመ ኣፍሊጡ።
ሕጂ እቲ ባርዕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኾነን ጻዕርታት ምድሓን ህይወት ይቕጽል ከምዘሎን ወሲኹ ሓቢሩ።
ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ፡ እቲ ህንጻ ልዕሊ ዓቐን ብነበርቲ ዝተጨናነቐ ክኸውን ከምዝኽእል የመልክቱ።
ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ፖሊስ ንቴሌቪዥን መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ባርዕ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን "ብዙሕ ቁጽሪ" ዘለዎም ሰባት ኣብቲ ህንጻ ከምዝነበሩ ተዛሪቡ።
ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ መበቆል ሃገራት እቶም ሰራሕተኛታት ይኹን እንታይነት ስራሖም ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።
ገለ ማዕኸናት ዜና ህንዲ ኣብ ዘቃልሕኦ ጸብጻብ ካብ ሞንጎ ዝሞቱ ዜጋታት እታ ሃገር ከምዝርከብዎም ክሕብራ ከለዋ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ኤስ ጃይሻንካር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ሰበስልጣን ኤምባሲ ነቶም ኣብ ሆስፒታል ዘለዉ ዝተጎድኡ ሰባት ከምዝበጽሑ ሓቢሩ። ንቤተሰብ እቶም ዝሞቱ ድማ ጽንዓት ተመንዩ።
ክልተ ሲሶ ካብ ህዝቢ ኩዌት ብወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ዝሽፈን ኮይኑ፤ እታ ሃገር ኣብ ጉልበት ስደተኛታት ኣዝያ ጽግዕተኛ እያ።
ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ ኩነታት መነባብሮ እቶም ወጻእተኛታት ብቐጻሊ ስክፍታታት ከምዘልዕሉ ይፍለጥ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







