ነፈርትን መራኽብን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዕላማታት ሑቲ ደብዳብ ኣካይደን

ምንጪ ስእሊ, DVIDS
ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ 15 ዕለማታት እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ብመራኽብ ውግእን ብነፈርትን ድበዳብ ከምዘካየደ ኣፍሊጡ።
ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ ፔንታጎን እቲ ብመራኽብን ውግእን ብነፈርትን ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዝተኻየደ ደብዳብ “መራኽብ ብነጻ ንክንቀሳቐሳ” ባይታ ንምጥጣሕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።
እቲ ደብዳብ ኣብ ርእሰ ከተማ የመን ዝኾነት ሰንዓ ትርከበን ሓያለ ከተማታት የመን ከምዝተፈጸመ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ሑቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ልዕሊ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓለፋ መራኽብ መጥቓዕቲ ክፍጽም ካብ ዝጅመር፡ ኣብ ኣስታትተ 100 መራኽብ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ዛጊት ክልተ መራኽብ ኣጥሒሉ ኣሎ።
ዕጡቓት ሑቲ፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ፍሊስጤማውያን ትፍጽሞ ዘላ ወራር ሕነ ንምፍዳይ ኢሉ ኣብ ልዕሊ መራኽብ መጥቃዕቲ ከምዝፍጽም’ዩ ዝገልጽ።
ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝፍጽም ስርሒታት ዝመርሕ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ እቲ ብመራኽብ ውግእን ብነፈርትን ኣብ ልዕሊ ዕለማታት ሑቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንመኽዘን ኣጽዋር፡ መዓስከራትን ብሑቲ ንዝውነን ንብረትን ዝዓለመ ከምዝነበረ ገሊጹ።
ርእሰ ከተማ ሰንዓ ሓንቲ ካብ ዕላማታት እቲ ደብዳብ ከምዝነበረት’ውን ምስ ሑቲ ምቅርራብ ዘለወን ማዕከናት ዜና ኣቓሊሐን።
ብሰኑይ ዕጡቓት ሑቲ ሓንቲ ብኣመሪካ ትውነን ኤምኪው 9 ራፐር ዝዓይነታ ድሮን ኣብ ሰማያት የመን እናዘንበየት እንከላ ከምዘውደቕዋ ሓቢሮም ነይሮም። ሰራዊት ኣመሪካ’ውን ስማን ዓይነታት ከይገለጸ ሓንቲ በራሪት ከምዝኸሰረ ተኣሚኑ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፔንታጎን ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ፡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ደብዳብ ከምዝፈጸሙ ብምግላጽ እንተኾነ እቲ ናብታ መርከብ ዝተተኮሰ ኣጽዋር ናብታ መርከብ ከይበጽሐ ብጸረ ኣጽዋር ኣመሪካ ከምዝበርዓነ ሓቢሩ።
ኣብ የመን ዝካየድ ዝነበረ ኵናት ሓድሕድ ብመጠኑ ካብ ዝሃድእ ሰንዓ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ካብ ድምጺ ከበድቲ ብረታት ኣዕሪፋ’ያ ጸኒሓ።
ዕጡቓት ሑቲ ብዛይካ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ናብ እስራኤል’ውን ብቐጥታ ሓያለ ግዜ ናይ ድሮንን ሚሳኤል መጥቃዕትታት ክፍጽሙ ጸኒሖም’ዮም።
ኣብ ሓምለ ካብ ሑቲ ናብ ከተማ ተልኣቪቭ ዝሰደድዋ ድሮን ሓደ ሰብ ክትቀትል እንከላ 10 ሰባት ምቁሳላ ዝዝከር ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ሑቲ ናብ እስራኤል ሓያለ ሚሳኤላት ቶኲሶም ነይሮም። ሓንቲ ካብቲ ሚሳኤላት ናብ ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ እስራኤል ዝዓለመት’ያ ነይራ።
ኣብ ክልቲኡ እስራኤል’ውን ሕነ ንምፍዳይ ናብ የመን ንዕለማታት ሑቲ ዝዓለመ ደብዳባት ኣካይዳ’ያ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣመሪካ፡ ዓዲ እንግሊዝን ካልኦት 12 ሃገራትን ድሕንት ቀይሕ ባሕሪ ንምውሓስ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ሓባራዊ ስርሒታት የካይዳ ምህላወን ይፍለጥ።
ሑቲ ኣካል ናይቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብኢራን እናተደገፉ መጥቃዕትታት ዝፍጽሙ ሕዝቦላህን ሓማስን ዝርከብዎም ዕጡቓት ጉጅለታት’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







