መሻርኽታ ሕሱም ዝተወቕዐ ኢራን፡ ምስ እስራኤል ናብ ምሉእ-ኲናት ትኣቱ ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Iranian state television
ዋና ኣዛዚ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ሜጀር ጀነራል ሑሴን ሳላሚ፡ ኣስታት 200 ባሊስቲክ ሚሳይላት ናብ እስራኤል ክውንጨፉ ብቴሌፎን ትእዛዝ ኣብ ዝህበሉ ክፍሊ፡ ኣብ ድሕሪት ተሰቒሉ ዝነበረ ባነር ትኹረት ማዕከናት ዜና ኢራን ዝሰሓበ ነይሩ።
ኣብቲ ባነር፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እስራኤል ኣብ በይሩት ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ነስረላህን ኣዛዚ ስርሒታት ብርጌድ ቅዱስ ሓለዋ ሰውራ ብርጋዴር ጀነራል ዓባስ ኒልፎሮሻንን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ቴህራን ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝተቐትለ፡ ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒያ ይረአዩ።
ዕላማ እቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ሚሳይል ኢራን፡ ቅትለት እቶም ኣብቲ ባነር ተጠቂዖም ዘለዉ ሰባት ሕነ-ንምፍዳይ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።
ውርደትን ሕነ-ምፍዳይን
ድሕሪ ቅትለት መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒያ፡ ዓቕሊ ዝገበረት ኢራን፡ ነገራት ከተዘሓሕል ዝደለየት ትመስል ነይራ።
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቀንዲ መሻርኽታ ዝዀነ ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህ እተካይዶ ዘሎ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ግን፡ ከም ውርደት ተቘጺሩ፤ ኢራን ሕነ-ዘይምፍዳያ ሕፍረት ተሰሚዕዋ።
ሓለዋ ሰውራ፡ ኣብ 1980ታት ሕዝቦላህ ክምስረት ካብ ዝገብር ንደሓር፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ሊባኖስ ከም ሓያል ወተሃደራውን ፖለቲካውን ተዋሳኣይ ኰይኑ ተቐልቂሉ፡ ካብ ኢራን ኣጽዋራት ውግእ፣ ወተሃደራዊ ስልጠናን ገንዘባዊ ምወላን ተበርኪትሉ እዩ።
መራሕቲ ኢራን፡ ኣብ ቓዛ ምስ ሓማስ ኣብ ውግእ እትርከብ እስራኤል፡ ምስ ሕዝቦላህ ናብ ካልእ ግጭት እንተኣትያ ክትዳኸም እያ ዝብል ግምት ነይርዎም።
ብተወሳኺ፡ ሕዝቦላህ ዝውንኖም ዓበይቲ ሮኬታትን ሚሳይላትን፡ እስራኤል ኣንጻር-ትሕተ ቅርጺ ኒዩክለርን ሚሳይላትን ከይተጠቅዕ ከም ዓቢ መከላኸሊ ከገልግሉ እዮም ዝብል እምነት ነይርዎም።
ሓድሽ ፕረዚደንት መስዑድ ፔዘሽክያን፡ እስራኤል ንኢራን ናብ ዞባዊ ግጭት ደፊኣ ከተእትዋን፡ ምስ ኣመሪካ ከተጋጭዋን፡ ትፍትን ኣላ ክብል ከሲሱ ነይሩ።
ብረቡዕ ኣብ ቐጠር ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ ድማ፡ "ንሕና’ውን’ኮ ጸጥታን ሰላምን ንደሊ ኢና። ሃኒያ ኣብ ቴህራን ዝቐተለት እስራኤል እያ" ክብል ምዝራቡ፡ ማዕከናት ዜና ኢራን ሓቢረን።
"ኣውሮጳውያንን ኣመሪካውያንን፡ ንሕና ስጕምቲ እንተዘይወሲድና ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ቓዛ ሰላም ክፍጠር እዩ ይብሉ ነይሮም። ሰላም እንተተጸበና’ኳ፡ እቲ ቅትለት ግን እናወሰኸን እናገደደን ይኸይድ ኣሎ" ኢሉ።
ስምዒታት ዓቃባዊያን-ኢራናውያን
ኣብ ኢራን፡ ብዙሓት ዓቃባውያን እታ ሃገር፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ስጕምቲ ሕነ-ምፍዳይ ዘይምውሳዱ ከቘጥዖም ጸኒሑ።
ብዙሓት ተንንቲ፡ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ ሓለዋ ሰውራን ዝዀነ መንግስታዊ ተለቪዥን ቀሪቦም፡ ንቕትለት ሃኒያ ሕነ-ዘይምፍዳይ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ድፍረት ሂብዎ ጥራይ ዘይኰነሰ፡ ንረብሓታት ኢራንን ኣብ ሊባኖስ ንዝርከቡ መሓዙት ኢራን ከጥቅዕ ከም ዘተባበዖ ይምጕቱ።
ሓላፊ ሰራዊት ኢራን ሜጀር ጀነራል መሓመድ ባከሪ፡ ድሕሪ'ቲ ብሰሉስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሚሳይል፡ ‘ትዕግስትና ተወዲኡ’ ኢሉ።
“ሕጂ’ውን፡ ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ወተሃደራውን ስለያውን ትካላት ጥራይ ዒላማ ብምግባር፡ ቍጠባውን ኢንዱስትሪያውን ከባቢታት ካብ ምውቃዕ ተቘጢብና። እስራኤል ሕነ-እንተፈድያ ግን፡ ምላሽና ዝሓየለ ክኸውን'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
ድሕሪ መጥቃዕቲ እስራኤል፡ መራሕቲ ኢራን ዘርአዩዎ ዓቕሊ፡ ብመሻርኽቶም ሕዝቦላህን ሓማስን ጥራይ ዘይኮነስ ብኻልእ ዓለም እውን ከም ተስዓራይነትን ተቓላዕነትን ከምዝተወስደ እዮም ዝርድእዎ።
ሃዋሁ ኲናት
ኢራንን እስራኤልን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሃዋሁ ኲናት ክነብራ መሪጸን ኣለዋ።
ብቐጥታ ግን፡ "ኣይ-ሰላም ኣይ ኲናት" ዝብል ፖሊሲ ተኸቲለን። እዚ ዝንባለ እዚ ግን ሎሚ ግዜኡ ዘብቀዐ ይመስል።
እስራኤል ሓያል ምላሽ ከምእትህብ ተሓንያ ኣላ፤ ነታንያሁ "ኢራን ዓቢ ጌጋ ፈጺማ ኣላ፤ ዋጋ ከኽፍላ እዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
ብወገን ኣመሪካ ድማ፡ ለውጢ ስትራተጅን ቃናን ከምዘሎ፡ ምልክታት ይረአዩ ኣለዉ።
እስራኤል፡ ኣብ ሶርያ ኣብ ልዕሊ ቆንስል ኢራን ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ሓያሎ ኣዘዝቲ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ድሕሪ ምቕታላ፡ ቴህራን ስጕምቲ ሕነ-ምፍዳይ ምውሳዳ ዝዝከር እዩ።
እንተዀነ ካብቲ፡ ናብ እስራኤል ዝተሰዱን ዝተተኮሱን፡ 300 ሰብ-ኣልቦ-ነፈርቲን ሚሳይላትን፡ ብጥምረት እስራኤልን ኣመሪካን ፈሺሉ እዩ።
ፕረዚደንት ባይደን፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ግጭታት ካብ ምግዳድ ክቝጠቡ ሓቲቱ ነይሩ።
እስራኤል ነቲ ካብ ኣመሪካ ዝመጸ ጻውዒት'ኳ እንተተቐበለት፡ ኣብ ዝፈጸመቶ ሕነ -ናይ-ምፍዳይ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ማእከላይ ኢራን ንዝርከብ መደበር ምክልኻል ኣየር ብሚሳይላት ወቒዓ።
ሕጂ ግን ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ባይደን ዝዀነ ጄክ ሱሊቫን፡ መጥቃዕቲ ኢራን "ከቢድ ሳዕቤን" ከምጽእ ምዃኑ ኣጠንቂቑ፤ ኣመሪካ "ምስ እስራኤል ክትሰርሕ" ምዃና እውን ኣፍሊጡ ኣሎ።
እስራኤል፡ "ኣብ ውሽጢ መዓልታት" ኣብ ልዕሊ ኢራን ናይ ሕነ-ምፍዳይ መጥቃዕቲ ንምክያድ ትዳሎ ከምዘላ ማዕከናት ዜና እስራኤል ንሰበስልጣን እስራኤል ብምጥቃስ ትማሊ ረቡዕ ሓቢረን።
መደበር ነዳዲ እታ ሃገር ሓዊሱ፡ ኣገደስቲ "ስትራተጂያዊ ከባቢታት" ዒላማ ከምዝገብሩ ይግመት።
እቶም ሰበስልጣን፡ ማእከላት ኒዩኩለር ኢራን’ውን፡ ዒላማ እስራኤል ክዀኑ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቘም።
ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢራን፡ ካልእ ዙርያ መጥቃዕቲ እንተዘይተፈጺሙ፡ ሕነ ምፍዳይ ቅትለት ሃኒያ፡ ነስረላህን ኒልፎሮሻንን ከምዘብቅዐ ተዛሪቦም ኣለዉ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣባስ ኣራግቺ፡ ብመንገዲ ኣብ ቴህራን ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣቢሉ፡ ኣመሪካ ኣብቲ ግጭት "ኢዳ" ከይተእቱ ዘጠንቅቕ መልእኽቲ ከምዝለኣኸ ተፈሊጡ።
"እስራኤል እትድግፍ ወይ ድማ ክሊ ኣየራ ንኢራን እትፈቅድ ሳልሳይቲ ሃገር፡ ከም ሕጋዊ ዒላማ እያ ትቝጸር" ክብል'ውን ኣጠንቂቑ።
ኣስታት 40 ሽሕ ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዓስኪሩ ኣሎ።
ዝበዝሑ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዝተዋፈሩ ዀይኖም፡ ዒላማ ናይቶም ብኢራን ዝድገፉ ምልሻታት ሺዓ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።
ኢራን፡ ስጕምቲ ሕነ-ምፍዳይ ወሲዳ ምላሽ እስራኤል ኣብ እትጽበየሉ ዘላ እዋን፡ ነገራት በቲ ንሳ ዝተለመቶም ክኸዱ ተስፋ ትገብር ኣላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







