ፕረዚደት ኢሳይያስ ኣብ ራብዓይ ክፋል ቃለ መሕትት እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, Eri-TV
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ ቀዳም 11 መጋቢት 2023፡ ኣብ መበል 4ይ ክፋል ቃለ መሕትት ኣብ ጉዳያት ጸዓትን ቀጠባዊ ወፍሪን ተዛሪቡ።
ንፖለቲካዊ ለውጥታት፡ ምፍታሕ እሱራትን ጉዳይ ቅዋምን ዝምልከት ገለ ክብል ትጽቢት'ኳ እንተነበረ ምሉእ ብምሉእ ጎስይዎ'ዩ ሓሊፉ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ንመሰረታውያን ጉዳያት ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርትን'ውን ብተመሳሳሊ እኹል ኣድህቦ ኣይሃቦምን።
ንጉዳይ መሬትን ነቲ ደስኪሉ ዝርከብ ጽላት ህንጻን ዝምልከት ዝኾነ ሓድሽ ነገር ዘምባሉ'ውን ንገለ ካብ ደገፍቱ ከይተረፈ ባህ ኣየበለን።
ከምቲ ልሙድ እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ እቶም ዘልዓሎም ጉዳያት ሰፊሕ ትንተናን ዘለዎ ባህግታትን'ኳ እንተገለጸ፡ ንትግባሪኦም ዝምልከት ንጹራት ውጥናት ኣይጠቐሰን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየዶ ተመሳሳሊ ዘቤታዊ ቃለመሕትት'ውን ኣብ ዝተጨበጠ መደባት ዘተኮረ ዘይምንባሩ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘተሓሳሰበ'ዩ ነይሩ።
ጉዳይ ጸዓት
ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ቅልውላው ጸዓት ሓደ ካብቶም ህዝቢ እታ ሃገር ከማርረሎም ዝጸንሐ ዓበይቲ ብድሆታት እዮም።
ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠን ጸዓት ኣብዘን ዝሓለፈ 30 ዓመታት ፍሕት ክብል ከምዘይክኣለ ባዕሉ እቲ ፕረዚደንት ዓመት መጸ ክእመነሉ ዝጸንሐ'ዩ።
ኣብዚ ናይ ትማሊ ቃለ-መሕትቱ'ውን፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ዘሎ ሓይሊ ካብ 120 ሜጋዋት ዘይዓቢ ምዃኑ ደጊሙ ጠቒሱ'ሎ።
ቁጠባ ኤርትራ ከም ብዙሓት ናይ ዘይማዕበላ ሃገራት ናይ ዕንጋሎ ቁጠባ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እዚ ዓይነት ቁጠባ’ዚ ናብ ምምስራሕን ኢንዱስትርን ክምዕብል እንተኾይኑ ጸዓት መሰረታዊ ረቛሒ ምዃኑን ንመላእ ሃገር ዝምግብ፡ ኣብ 12 ናይ ቁጠባ ኣሃዱታት ወይ መርበባት ጸዓት ዝተኸፍለ ናይ ገዛእ ርእሱ መመንጨውን መዘርግሕን መሳለጥያ ዘለዎ ኣስታት 360 ሜጋ ዋት ዘፍሪ ፕሮጀክት ንምፍራይ መደብ ወጺኡ ከምዘሎ ሓቢሩ።
እዚ ተኣሚሙ ዘሎ "ዝተዳቐለ" ናይ ጸዓት ወፍሪ ከኣ ንኤርትራ ካብቲ ብነዳዲ ጥራሕ ዝካየድ ናይ ረስንኣዊ ጸዓት ከድሕና ከምዝኾነን ምወላን ቴክኖሎጂን እውን ክርከቦ ከምዝኽእል ተዛሪቡ። እቲ ፕሮጀክት ክውን ንኪኸውን ከኣ ክኢላውን ሞያውን ዓቕሚ ክዓቢ ከምዘለዎ ሓቢሩ።
እቲ መደብ በኸመይን በየናይ ባጀትን ከምዝዕመም ግን ኣየነጸረን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ፕረዚደንት ቅድሚ ሕጂ'ውን ተመሳሳሊ መብጽዓታት ክኣቱ ብምጽንሑን ዝተራእየ ለውጢ ብዘይምህላዉን እዚ'ውን ከምኡ ባህጊ ጥራይ ከይከውን ዝብል ስግኣት ኣሎ።
ክኢላታት ጸዓት፡ ኣብ 1991 ኣብ ኤርትራ፡ ኣስታት 30 ሜጋ ዋት ጸዓት ጥራሕ ከምዝነበራ ዳሕራይ ግን ክሳብ መፋርቕ 2000 ዓመት ምሕረት ናብ 120 ሜጋ ዋት ከምዝደየበ፡ እንተኾነ ብሰንኪ እርጋን ሞተረታትን ስእነት መቀያየሪ ኣቝሑን መላእ ሃገር ኣብ ቅልውላው ጸዓት ከምዝወደቐት ይሕብሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ንጸዓት ዝምልከት ኣርእስቱ፡ ኬንያ ቅድሚ 17 ዓመት ካብ ጆ፟ተርማል 20 ሜጋ ዋት ጥራሕ ዘፍርዩ ዝነበሩ ኣብዚ እዋን ኣስታት ሽሕን ሚእትን ሜጋ ዋት ከምዝደየቡ ኣረዲኡ።
እንተኾነ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ናጻነት ናይ ኤርትራ ጆተርማል ዕቑር ጸጋታት ብኪኢላታት ከምእተጸንዐን ግን ብሰንኪ ዕጹው ፖሊሲ መንግስቲ እቲ ጸጋታት ክምዝመዝ ከምዘይከኣለ ብዛዕባ እቲ ዓውዲ ፍልጠት ዘለዎም ክኢላታት ይዛረቡ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ እቲ ገስጋስ በብቑሩብ ክዓቢ ከምዝኽእል ንኸረድእ፡ ንኣብነት፡ ኣብ ሕርሻ ጡጥ ኣፍሪኻ ናብ ቅጥኒ፡ ካብ ቅጥኒ ናብ ዓለባ ካብኡ ናብ ኣልባሳት ክትከይድ ዓቕምን መሺነሪርን መሳርሒ ከምዘድሎ ግን ከኣ በብመድረኹ ክብጻሕ ከምዝኽእል ሓፈሻዊ ስእሊ ኣቕሪቡ።
እቲ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ 360 ሜጋ ዋት ጸዓት ምስ ፈረየ፡ ንሰለስተ ናይ ልምዓት ጂኦግራፊያዊ፡ ገማግም ባሕሪ፡ ከበሳን ምዕራባዊ መታሕትን ዘዕግብ ጸዓት ክቐርብ ከምዝኽእል ብሓፈሻ ክረአ እንከሎ ግን ናይ ጸዓት መደባት ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝርከብ ሓቢሩ።
ጉዳይ ወፍሪ ዜጋታት ኤርትራን ወጻእተኛታትን
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ተሃጊረን ዝነበራ ዝርካበን ትካላትን ናብ ብሕታዊ ጽላት ንምስግጋር ዝሓሸ ምህርትን ዝሰፍሐ ናይ ስራሕ ዕድላትን ንምፍጣር ከምዝተሸጣ እንተኾነ እቶም ንክገዝኡወን ዕድል ዝተዋህቦም "ናብ ኣዝዩ ብልሹው ኣሰራራሓታት ስለዝኸዱ" ከምቲ ዝተሓስበ ከምዘይሰለጠ ተዛሪቡ።
ይኹን እምበር እቶም ዝኣረገ መሳርሒታት ዘለወን ፋብሪካታት ዝገዝኡ ብሕታውያን ኣውፈርቲ ዘበናዊ ማሺንን መሳርሕን ከእትው ናይ ወጻኢ ሸርፊ ክፍቀደሎም ሓቲቶም ከምዘይሰለጦም፡ ኣብ ርእሲኡ ንዝርካቦም እቶም ዘሰልጠኑዎም ሰራሕተኛታቶም ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለዝኸተቱ እቲ ትጽቢት ዝገበሩሉ ምህርቲ ከፍርዩ ከምዘይከኣሉ ኣብ መወዳእታ እውን ገንዘቦም ከሲሮም ኣብ ቅልውላው ከምዝወደቑ እዮም ዝዛረቡ።
እንተኾነ ግን “እቲ ሕጂ መንግስቲ ብዓቕሙ ዘበጋግሶ ዘሎ ፕሮጀክትታት ልምዓት ኣብ መወዳእትኡ ህዝቢ ክሳተፎን ክሕወሶን ኣለዎ” ኢሉ'ሎ።
ዋላ’ኳ ሰብመዚ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ኣመሪካን ምዕራብን ሽርሕታት ከምዝዓንቀፎ መመኽነይታ ከቕርቡ እንተጸንሑ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈተነ ዝተፈላለየ ናይ ወፍሪ ተበግሶታት ዝበዝሐ ከምዝፈሸለን ከምዝኸሰረን እዩ ዝንገር።

እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ ኣታዊታቱ ንከዕቢ ኣብ ክልተ ሺፍት እውን እናሰርሐ ኣብ ዕቤት ልምዓት ዓቢ ድርኺት ክገብር ስለዝኽእል ዜጋታት ኣብ ዓዱ መንግስቲ ኣብ ዘቕርቦ ጽላታት ልምዓት ብውልቅን ብጉጅለን ከውፍሩ ከምዝኽእሉ ተዛሪቡ።
“ቅድሚ ሕጂ ሓደ ሓደ ባህ ዘየብል ነገራት እኳ እንተነበረ ነዚ ሕጂ ዘሎ ዓበይቲ መደባት ዝዕንቅፍ ስለዘይኮነ ዘተባብዕ ናይ ወፍሪ ሕግታት ረቒቑን ጸፊፉን ዜጋታት ተሻሪኾም ከፍርይሉ ዝኽእሉ መደባት ክትግበሩ ይግባእ” ክብል ተዛሪቡ።
“ኣብ ግዳም ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታት ናይ ወፍሪ ድሌት ቀዲሙና ስለዘሎ ማዕሪኡ ክንስጉም ይግባእ”።
ኣበርክቶ ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን “ኣገዳሲ ወሳኒ ክፋል ናይቲ ቁጠባ” ምዃኑ'ዩ እቲ ፕረዚደንት ዝገልጽ።
ካብ ደገ ናብ ቤተሰብ ዝስደድ ገንዘብ (ረሚታንስ) ሓደ ካብ ቀንዲ ዓንጋሊ ኣካል ቁጠባ ኤርትራ ምዃኑ ይንገር።
ናይ ወጻኢ ወፍሪ ምትብባዕን ብዝምልከት ግን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቶም ዓቕሚ ሰብ ከማዕብሉ ዝኽእሉ ቅኑዓት ኣውፈርቲ እቲ ማዕጾ ርሑው ምዃኑ፡ ነቶም ብስም ፎረይን ዳይረክት ኢንቨስትመንት ጥረ ነገራት ጥራሕ ክግሕዙ ዝደልዩ ግን ተጠንቂቑ ከምዝርእዮም ተዛሪቡ።
“ናይ ግዳም ኩባንያታት ከውፍሩ ይኽእሉ እዮም ግን ኣብ ቁጠባ ናይታ ሃገር ዘዕብን ሓባራዊ መኽሰብ ዝህብን ክኸውን ኣለዎ” ኢሉ።
ኣፍሪቃ ብምሉኡ 60% ጸጋታት ሒዙ እንከሎ ስለምንታይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ [ድኽነት] ወዲቑ ንዝብል እቲ ናይ ግዳም ወፍሪ ጥረ ነገራት ስለዝምዝምዙ እዮም ኢሉ።
“ [እቲ ዘውፍር] ክንደይ ሰራሕተኛ ክቖጽረለይ ይኽእል? 10-20 ሽሕ ሞያዊ ሰራሕተኛ ከፍሪ ዝኽእል እንተኾይኑ ሓላል እዩ። ጥረ ነገራት ዝወስድ ጥራሕ እንተኾይኑ ግን ምልክት ሕቶ ኣለኒ” ኢሉ።
ይኹን እምበር ኤርትራ ካብ ድሕሪ ናጻነት ኣትሒዛ ኣብ ናይ ግዳም ወፍሪ ንኣውፈርቲ ዝዕድም ዘተባብዕ ፖሊሲ ብዘይምህላው እያ ክትንቀፍ ጸኒሓ።
“ዕድል ኣይህቡን እዮም፡ ኣየፍቅዱን እዮም” እናበልካ በብናትካ ስምዒታት ምዝራብ ትርጉም ከምዘይብሉ ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ወርቂ ጓሕጒሕካ ምኻድ ከምዘየዋጽእ፡ “ አእጋረይን አእዳውያን ተቐይደ እንከለኹ ኣብ ውድድር ክኣቱ ኣይክእልን እየ” ብምባል ስርዓቱ ንናይ ወጻኢ ወፍሪ ተጠንቂቑ ከምዝሕዞ ኣረዲኡ።
ኣብ መወዳእታ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ምውሓስ ጸጥታን ልምዓት እጃሙ ይገብር ስለዘሎ ህዝቢ ክሓቑፎን ክሕግዞን፡ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዘሎ ህዝቢ ከኣ ተወዲቡ ኣብ ልምዓት ክኸትት ከምዝግባእ ተዛሪቡ።
ሰራዊት ምክልኻል በቲ ሓደ ጠበንጃ በቲ ከኣ መሳርሒ ልምዓት ዓጢቑ፡ ናይ ማይ ኩዖ ፍወሳታት፡ ዛላታት፡ ሓጽቢ፡ ዲጋታት ኣብ ምህናጽ ክሳተፍ ከምዘለዎ ሓቢሩ።
ቁጠባ- 'ገጂፍ ሃብቲ ናይቲ ሃገር ኣብ ኢድ ጓሶት'ዩ ዘሎ'
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ኣገዳስነት ሕርሻ እንስሳን መጓሰን ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ገጂፍ ኣካል ናይቲ ቁጠባ'ዩ" ኢሉ።
ዘለዎም መነባብሮ ንምምሕያሽን ምህርቶም ንምዕባይን ድማ ኣገዳሲ ናይ ትሕተ-ቅርጺ ደገፍ ክግበረሎም ከምዘለዎ ተዛሪቡ።
"'ገጂፍ ሃብቲ ናይቲ ሃገር ኣብ ኢድ ጓሶት'ዩ ዘሎ። ዓይነት ቁጠባኦም ዓይነት መነባብሮኦም ብዘየገደስ፡ ኣብቲ ቁጠባ ዘለዎም ኣበርክቶ ንእሽቶይ ኣይኮነን"።
"ሰደድ ናይ ጥሪት፡ ከብቲ ጠሌ በጊዕ ኣግማል፡ ድላይካ በል. . .ናብ ሰደድ ደረጃ ክትበጽሕ፡ ቅድም ነቲ ዘቤታዊ ጠለብ ከተማልእ ኣለካ" ብምባል፡ እቶም ጥሪት ዘፍርዩ ጓሶት መነባብሮኦም ንክመሓየሽ ናይ ማይን መጋሃጫን ኣገልግሎት ናይ ሕክምና እንስሳ ኣቕርቦት ክረኽቡ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።
ወፍሪ ማለት ሆቴል ባር ሬስቶራንተ ምኽፋት ጥራሕ ዘይምዃኑ ዝሓበረ ፕረዚደንት ኤርትራ ዑቑር ጸጋታት ቱሪዝም እኳ እንተለዋ ናብ ተግባር ንኸተውዕሎ፡ ኣባይቲ፡ ሆቴላት ናይ መጓዓዝያ መስመራት፡ ናይ ጸዓትን ማይን ኣገልግሎት ንቕድም ክዓብዩ ከምዝግባእ ኣረዲኡ።
ይኹን እምበር፡ ንሓረስቶትን ጓሶትን ብምድጋፍ ኣብ ኤርትራ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ብምትእትታው ናይ ስጋን ጸባን ቆርበትን እንዱስትሪ ንምዕባይ ከምዝከኣል ብምሕባር፡ “ነቲ ኣብ ቃጽዖኡ ምህርቲ ዘፍሪ ውልቀ ሓረስታይ፡ ናይ ማይ፡ ጸዓትን መጓዓዝያ ኣገልግሎት ክቕረበሉ ይግባእ” ኢሉ።
ይኹን እምበር፡ መላእ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፤ ክሳብ ደቂ ስሳ ዝዕድመኦም ሽማግለ ኣቦታት ማሕረሶምን መጓሰኦምን ገዲፎም ኣብ ዑቑር ሰራዊት ስለዝተጸምዱ፡ ስድራታት ኤርትራ ዝሓርስ ኮነ ዝተሓርሰ ምህርቲ ዝእክብ ዓቕሚ ሰብ ከምዝሰኣና እየን ዝገልጻ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ናጽነት ዘመናዊን ሓውሰ-ዘመናውን ሕርሻ እንስሳ ዝርካቦም ድሕሪ ምውፋር ናብ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ተወስዱ ትካላቶም ዝፈረሰ ዜጋታት እታ ሃገር ውሑዳት ኣይኮኑን።
ነቲ ብጉልበትን ክእለትን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተሃንጸን ብዙሕ ማይ ዝኸዘነን ዓቢ ዲጋ ከርከበት'ውን ብግቡእ ከምዘይተጠቕምሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዛሪቡ'ሎ።
“ናይ ከርከበት ሕርሻ ኣሎ፡ ኣይተጠቐምናሉን” ክብል ገሊጽዎ።
ፕረዚደንት ኢሳያይስ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ንፍሽለታቱ ይኹን ንብድሆታቱ ብግልጺ'ኳ እንተ ተኣመነ፡ ሓደስቲ ጽገናታትን ምምሕያሻትን ክገብር ዘይምፍታኑ ግን ንብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ሻቕሎት ዝፈጠረ ጉዳይ እዩ።
ቅድሚ ሕጂ ንቢቢሲ ሓሳቦም ዘካፈሉ ዜጋታት፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሰራዊት ከቲቶም ሃገራዊ ጉቡኦም ዝወድኡ መንእሰያት ተጣይሶም ናብ ሰላማዊ ናብረኦም ክምለሱ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ክምስረት፡ ብሰንኪ ውግእ ተደሪቱ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ዜጋታትን ተሽከርከርትን ክፍቀድ፡ ብሕጽረት ሸርፊ ወጻእን ዓቕሚ ሰብን ከምዝተዳኸመ ዝንገረሉ ኣገልግሎት ጥዕና ክመሓየሽ ልዑል ትጽቢት ከምለዘዎም እዮም ገሊጾም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







