ስነጥበባዊ ስዒድ ኣንዋር መን እዩ?

ምንጪ ስእሊ, EMN
ሃንደበታዊ ሞት ፍሉጥ ኤርትራዊ ተዋስኣይ ፊልም ስዒድ ኣንዋር ምስ ተሰምዐ: ንኤርትራውያንን ብፍላይ ከኣ ተኸታተልቲ ፊልምታት ኤርትራ ዝዀኑን ከይተረፈ ዓቢይ ስንባደ ዝፈጠረ ተረኽቦ እዩ ነይሩ።
ትማሊ ሓሙስ 12 ግንቦት 2022፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ፡ ቤተሰቡ፡ መተዓብይቱ፡ ኣድነቕቱ፡ ኣሽሓት ኣባላት ማሕበረሰብ ስነጥበብ ኤርትራ ዝተሳተፍዎ ስነስርዓት ቀብሩ፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ። ስዒድ ኣንዋር፡ ኣብቲ ዝዋስኦ ዝነበረ ስነጥበብ ፊልም፡ ኣብ ብዙሓት ሰባት ኣድናቘት ኣትሪፉ'ዩ። ንምዃኑ ብዛዕባ ስዒድ ኣንዋር እንታይ ንፈልጥ።
ስነጥበባዊ ስዒድ ኣንዋር መን እዩ?
ስዒድ ኣንዋር፡ ካብ ሓሙሽተ ውሉዳት ኣቶ ኣንዋር ሳልሕን ወ/ሮ ሸምሱ ሳልሕን፡ ብ1984፡ ኣብ ኣኽርያ ኣስመራ ዝተወልደ፡ መበል ራብዓይ ውሉድ እዩ።
ኣብታ ዝተወልደላ ኣኽርያ ዝዓበየን፡ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ኣብኡ ዝነበረን ስዒድ፡ መባእታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣስሙድ፡ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ሰሜናዊ ኣስመራን ኣምባ ጠቐራን፡ ካልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ደብረጽዮን ቅድስቲ ማርያም [እንዳማርያም] ተማሂሩ።
ኣብ ግዜ ንእስነቱ፡ ማለት ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ኣስሙድ እንከሎ ኣትሒዙ፡ ብድርኺት መምህሩ ዝነበራ፡ መምህር ሚርያም ንፈለማ ግዜ ናብ ስነጥበብ ከም ዝዘንበለ መሳርሕቱ ይሕብሩ።
ዓመት መጸ፡ ኣብ ንጥፈታት ስነጥበብ ኣብያተ ትምህርቱ እናተሳተፈ፡ ኣብ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ - ሃማመተኤ ኣብ ክበባት ስነጥበብ ተጠርኒፉ፣ ማዕረኡ ስልጠናታት እናቐሰመ ተውህቦኡ ዝያዳ ከዕሙቕ ዕድል ረኸበ።
ምስ ኣዕሩኽቱን መተዓብይቱን፡ ማሕበር ትያትር 'ናይስ' መስሪቶም ድማ ስነጥበባዊ ስርሓቶም ቀጸሉ። ብድሕሪ'ዚ፡ ኣብ መድረኽ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ቀይሕ ባሕሪ፡ 'ላንጋ ላንጋ' ኣብ እትብል ብኣሚን ኣሕመዲን ዝተደርሰት መድረኽ ድራማ ንፈለማ ግዜ ናብ ህዝቢ ቀረበ።
ስነጥበባዊ ስዒድ ኣንዋር፡ ኣብ ሃማመተኤን ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝተዋህበ ስልጠናታት ብምስታፍ ሞያኡን ክእለቱን ከም ዘዕበየ ይፍለጥ።
ብኸምዚ ዝቐጸለ ስዒድ፡ ኣብ ስነጥበባዊ ጕዕዞኡ፡ ወዲ ገዛውቱ ስነጥበባዊ ነፍስሄር ዑመር መሓመድብርሃን [ኣታኒ] ጽልዋን ድርኺትን ከም ዘሕደረሉ፣ ከምኡ'ውን ንተዋስኦ ፊልም ኣፍደገ ከም ዝኸፈተሉን መተዓብይቱ ይዝክሩ።
ብኡ መሰረት ድማ፡ ኣብታ ባዕሉ ዑመር ኣታኒ ዝደረሳ 'ረመጽ' ዘርእስታ ፊቸር ፊልም፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ 2003 ኣብ ስክሪን ተራእየ። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ፊልምታት ኣፍሮ፡ ጨረታ፡ ጕራማይለ፡ ጂንየስ፡ ህያብ ፈጣሪ፡ ንብዓት ውሽጢ፡ 111፡ ሃይስኩል፡ ይቕረ ንመንን ካልኦትን፤ ከምኡ'ውን ኣብ ተኸታተልቲ ፊልምታት ተለቪዥን፡ ማእረ፡ ህይወት፡ ንጣብ ዝኽሪ ዘመን፡ ማጨሎን ዝኣመሰላ ብጠቕላላ ልዕሊ 50 ዝዀና ፊልምታት ኤርትራ ተዋሲኡ እዩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ስነጥበባዊ ስዒድ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቪድዮ-ሙዚቃ [ክሊፕ]፡ ድራማታት መድረኽ'ውን ኣብ ርእሲ ምውስኡ፡ ሓሙሽተ ዝዀና ፊልምታት ዳይረክት ከም ዝገበረ'ውን ይፍለጥ።
ስነጥበባዊ ስዒድ፡ ኣብታ ብ ኣወል ስዒድ ተደሪሳ ዝተኣልየት "ኣፍሮ" እትብል ፊልም፡ "ፍሻለ" ዝብል ገጸባህሪ ለቢሱ ብቕዓቱን ተፈላጥነቱን ከዕቢ ከኣለ።
ስዒድ ኣብ ማጨሎ
ኣብታ ካብ ታሕሳስ 2019 ኣትሒዛ ኣብ ቲቪኤረ ትርአ ዘላ፡ ብደበሳይ ወልዱ ዝተደርሰት ማጨሎ እትብል ተኸታታሊት ፊልም'ውን፡ ነቲ ዮሴፍ [ጆሲ] ዝስሙ መሪሕ ጠባይ ለቢሱ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ብቐረባ ኣብ ዓይኒ ተዓዘብቲ ጸኒሑ እዩ።
ስዒድ፡ ኣብ ፊልም ማጨሎ፡ ነቲ ኣብ ሓዳሩን ደቍን ዘይግደስ፣ ንመሓዛ ሰበይቱ ኣፍቂሩ ክሳብ ጥንሲ ዝኸደ ዝምድና መስሪቱ፣ ናብራኡ፡ ኣብ ስርሑን ዕርክነቱን ሰለሎ ዘእተወ 'ጆሲ' ብግቡእ ብምንጽብራቝ፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ብዙሓት ሓደስቲ ደገፍትን ኣድነቕትን ከጥሪ ክኢሉ እዩ።
ኣብ ፊልም ማጨሎ፡ 'ጆሲ' እቲ ቐንዲ ምስ በዓልቲ ቤቱ ዘለዎ ፍልልይ ከመይ ክፈትሖ እዩ? እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥንሲ 'ኸ ከመይ ክኸውን እዩ? እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር ብገርሂ ዝተራኸቡ ፍቝራት'ውን - እቲ ወዲ ንዕኡ ሓው፡ እታ ጓል ከኣ ነታ ሓዳስ ኣፍቃሪቱ [ዮርዳኖስ] ሓፍታ ምዃኖም ከመይ ከመሓድሮ እዩ? እታ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ምስ ወለዳ ቍሊሕ ኢሉዋ ዘይፈልጥ ጐርዞ ጓሉ'ውን፡ ዘይተሓስበ ጥንሲ ኣጋጢምዋ ኣቦኣዊ ሓገዙን ደገፉን ኣብ እትደልየሉ በጺሓ ኣላ፣ ግብረመልሱ 'ኸ እንታይ ክኸውን እዩ? ዝብሉ ጉዳያት ተዋጢሮም ልቢ ተዓዘብቲ ሰቒሎም እዮም ጸኒሖም።
እቲ ስዒድ ዝለበሶ ቀንዲ ገጸባህሪ፡ ካብዚ ዅሉ ዝኸበቦ ወጥርታት ኣየናይ መዋጽኦ እዩ ክሓሪ? ብኸመይ ከ? ኢሉ ተዓዛቢ ብሃንቀውታ እናተጸበየ እዩ 'ምበኣር መርድእ ሞት እዚ ብብዙሓት ፍቱው ስነጥበባዊ ዝመጸ።

ምንጪ ስእሊ, Er-TV
እዚ ኣጋጣሚታት'ዚ እዩ እምበኣር ብዙሓት ተዓዘብቲ: እቲ ፊልምን እቲ ሓቀኛ ፍጻመን ብምምስሳሉ ስንባደ ዝፈጠረሎም።
ስዒድ ኣንዋር፡ ንሓጺር መዓልታት ሓሚሙ፡ ኣብ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ብረቡዕ 11 ግንቦት 2022 ረፋድ ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ ዓሪፉ።
ኣድነቕቱ፡ ናይ ስነጥበብ ብጾቱን ብዝተፈላለየ መገዲ ሓዘኖም ይገልጹ ኣለው። ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጲያ ዝነብሩ ዘለው ኤርትራውያን ስነጥበበኛታትን መሓዙቶምን ፍሉይ መደብ ዝኽሪ ስነጥበባዊ ስዒድ ከም ዘካየዱ፡ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ይገልጽ።
ብዘይካ'ዚ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ከምኡ'ውን ኤማ ሻነድ፡ ኣዋሃሃድቲ ቤት-ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ኣብ ኤርትራ፡ ኣሳእል'ዚ ስነጥበባዊ ብምልጣፍ፡ ብመገዲ ማሕበራዊ ገጻቶም ሓዘኖም ገሊጾም ኣለው።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







