ናይጀርያ፡ ደራፊ ኣፍሮቢትስ ኣብ መድረኽ ጾታዊ መጥቃዕቲ ወሪድዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናይጀርያዊ ደራፊ ኣፍሮቢትስ ኣብ መድረኽ እናደረፈ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝጋጠሞ ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ።
ሩገር ብዝብል ናይ መድረኽ ሽሙ ዝፍለጥ ወዲ 22 ዓመት ስነጥበባዊ ሚካኤል ኣደባዮ፡ 'ዲዮር' ዝተሰምየ ሙዚቃዊ ስርሑ ኣብ መድረኽ እናቕረበ እንከሎ፡ ካብቶም ተሳተፍቲ ብሕፍረቱ ጐቲቶምዎ።
በዚ ኣመና ዝሰንበደ ሩገር፡ ንሒደት ካልኢታት ምድራፍ ደው ድሕሪ ምባል፡ ጸኒሑ ካብቲ መድረኽ ወሪዱ ከይዱ።
እቲ ሕጂ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣዛራቢ ኰይኑ ዘሎ ቪድዮ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ብዛዕባ ዝፍጸም ጾታዊ መጥቃዕቲ ሓያሎ ክትዓት ኣልዒሉ ይርከብ።
ንሱ፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እዚ ዝሃቦ ርእይቶ የለን፤ እቲ ተግባር ግን ብሰንበት ብሓንቲ ኣድናቒቱ ጓል ኣንስተይቲ ዝተፈጸመ ከም ዝኾነ ይግለጽ ኣሎ።
እቲ ስነጥበባዊ ኣብ ካልእ መድረኽ ሙዚቃ እናቕረበ እንከሎ'ውን፡ ብተመሳሳሊ እታ ጓል ኣብ መድረኽ ወጺኣ ተንኳዪ ሳዕስዒት ክትስዕስዕ እንከላ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብብዝሒ ይዘውር ኣሎ።
ንሳ ከምኡ ክትገብር እንከላ ግን ሩገር፡ ብትሕትና መንኮባ ትንክፍ ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ ክገብር ኣይርአን።
እቲ ሕጂ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ጉዳይ ግን ቁጥዐን ስንባደን ፈጢሩ ኣሎ።
"ኣብ ልዕሊ ሩገር ጾታዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ዘርኢ ቪድዮ ምስ ተዓዘብኩ ሰንቢደ'የ፣ ኣዝዩ ዘፍርሕ'ዩ። እቲ ወዲ ስርሑ'ዩ ዘቕርብ ነይሩ፤ ዝኾነ ሰብ ግን ሰላሙን ሓጐሱን መንዚዕዎ። መዓልታዊ ካብዚ ዝኸፍአ ነገራት ዘሕልፉ ደቂ ተባዕትዮ'ኳ እንተለው ፡ላግጺ ፈሪሖም ግን ኣይዛረብሉን" ክብል ሓደ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ጽሒፉ።
ካልእ ብወገኑ፡ "ዓለም ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ቄናን ኣረኣእያ'ዩ ዘለዋ፤ ጾታዊ መጥቃዕቲታት ብደቂ ተባዕትዮ'ዮም ዝፍጸሙ ኢልና ስለ እንሓስብ ክብደሉ'ዮም ኣይንብልን። ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ግን ንጽህናኦም ብደቂ ኣንስትዮ ስኢኖም'ዮም፤ ዋላ ሓደ ስለ ዘይሰምዖም ግን ሓቢኦምዎ ይነብሩ፡" ኢሉ።
ሩገር፡ 'ባውንስ'ን 'ዲዮር'ን ዝብላ ሙዚቃታት ብዝርከብዎም ስነጥበባዊ ስርሓቱ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ መጀመርታ'ዚ ዓመት'ዚ፡ ኣብ ኣፕል ሙዚቃ ኣብ ናይጀሪያ፡ ዩጋንዳ፡ ኬንያን ጋምቢያን ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ጸኒሑ'ሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







