እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩክረይን፡ ኣፍሪቃውያንን ህንዳውያንን ተማሃሮ ስለምንታይ ብብዝሒ ይመርጽዋ?
ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፡ ኣሽሓት ወጻእተኛታት ተማሃሮ ካብ ኣፍሪቃ፡ ኤስያን ማእከላይ ምብራቕን ዝርከብዎ ፍልሰት ሰባት የስዕብ ኣሎ።
ብመሰረት መንግስታዊ ሓበሬታ፡ ኣብ ዩክረይን፡ ልዕሊ 76,000 ወጻእተኛታት ተማሃሮ ኣለው።
ዳርጋ ሓደ ርብዒ ካብዞም ተማሃሮ ካብ ኣፍሪቃ እዮም፣ መብዛሕትኦም ከኣ ካብ ናይጀርያ፡ ሞሮኮን ግብጽን እዮም።
ልዕሊ 20 ሽሕ ተማሃሮ ዝሰደደት ህንዲ፡ ካብ ኤስያውያን ነቲ ዝበዝሐ ቍጽሪ ትሽፍን ።
እዞም ወጻእተኛታት ተማሃሮ መብዛሕትኦም ኣብ ዓውድታት ሕክምና፡ ምህንድስናን ቢዝነስን ዘጽንዑ ኰይኖም፡ ኣብ ቍጠባ ዩክረይን ኣገዳሲ እጃም ኣለዎም።
እንተዀነ፡ ሩስያ፡ ካብ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ነቲ ዝዓበየ ወራር ክትቅስቅስ ከላ፡ ኣሽሓት ካብኣቶም ክሃድሙ ጀሚሮም፡ ብዙሓት ድማ ኣብኡ ተዓጊቶም ኣለው። መጻኢ ኵነታት ትምህርቶም ድማ ርግጸኛታት ኣይኰኑን።
ምስጢር ሰሓብነት ዩክረይን ኣብ ትምህርቲ እንታይ እዩ?
ዩክረይን፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚራ ንወጻእተኛታት ተማሃሮ ሰሓቢት ኰይና ጸኒሓ እያ። እዚ ስሕበት ተማሃሮ፡ ድሕሪት ምልስ ኢልካ፡ ኣብቲ ሕብረት ሶቭየት ኣብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ገዚፍ ወፍሪ ትገብረሉ ዝነበረትን፡ ንተመሃሮ እተን ሓደስቲ ናጻ ዝወጻ ዝነበራ ሃገራት [ሳልሳይ ዓለም] ክትምስጥ ትጽዕረሉ ዝነበረትን እዋን ክርአ ይከኣል እዩ።
ኣብ ዘመነ ሕብረተ ሶቭየት ነበር፡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዝርከብዎም ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ፡ ዕድል ማህደረ ትምህርቲ ይረኽቡ ምንባሮም ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝኽእል እዩ።
ኣብዚ እዋን ከኣ፡ ዩኒቨርሲታት ዩክረይን ከም መእተዊ ኣፍደገ ናብቲ ሰፊሕ ዕዳጋ ስራሕ ዝርከበሉ ምዕራብ ኤውሮጳ ይርእያ ኣለዋ። ዝሓታኦ ክፍሊት ርትዓዊ ኰይኑ፡ መእተዊ ቪዛን መንበሪ ፍቓድን ንምርካብ'ውን ምቹኣት ስለዝዀና ተመረጽቲ እየን።
"ኣብዘን ዩኒቨርሲቲታት ዩክረይን ዝወሃብ ዲግሪ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ እዩ፣ እቲ ትምህርቲ'ውን ብቐንዱ ደረጃኡ ዝሓለወ እዩ" ንዩክረይን ክምሃሩ ናይ ዝደልዩ ምዕራብ ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ ኣሳላጢ ትካል ዝሰርሕ፡ ፓትሪክ ኢሱጉኑም፡ ይገልጽ።
"ጽቡቕ ደረጃ ዘለዎ መምሃሪ መሳርሒታት ሕክምና ስለዘሎ፡ ብፍላይ ተመሃሮ ሕክምና ይመርጽዎ እዮም፡" ይውስኽ ፓትሪክ።
ኣብ ከተማ ዲኒፕሮ ዝመሃር ዝነበረ ደዝሞንድ ቺናዛ ሞኩዶ ዝተባህለ ወዲ 30 ዓመት ናይጀርያዊ ተመሃራይ፡ ዩክረይን ክመሃር ዝመረጸሉ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ፡ "ምስ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ብምንጽጻር፡ በቲ ዘለወን ምቹእ ቅጥዕትታት መመዝገቢን፡ ሕሱር መነባብሮን እዩ" ይብል።
ንሱ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ 'ቀረጽን ፋይናንስን' ቅድሚ ገለ ሰለስተ ኣዋርሕ'ዩ ትምህርቱ ጀሚሩ። መብዛሕትኡ ትምህርቲ ብእንግሊዘኛ እዩ ዝወሃብ፣ እንተዀነ ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሩ፡ መባእታዊ ቋንቋ ዩክረይን ኣጽኒዑ እዩ።
"ኣብ ናይጀርያ ለሓማይ እየ ነይረ። ነገራት ብግቡእ ክዓምም ምእንቲ ግን ትምህርቲ የድልየኒ፣ ዩክረይን ከኣ እታ ዝበለጸት ምርጫ እያ ነይራ ንኣይ" ክብል ካብቲ ሃዲሙ ተዓቝብሉ ዘሎ ፖላንድ ንቢቢሲ ቃል ሂቡ።
እዞም ተመሃሮ ሕጂ ናበይ ኣበሉ?
ብመሰረት ጸብጻብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ፡ ኣብ ዩክረይን ዝጸንሑ ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክሃድሙ ክኢሎም ኣለው። እንተዀነ እዞም ተመሃሮ ኣብ ዶባት ዝተፈላለያ ሃገራት ዓሌታዊ ኣድልዎ ይገጥሞም ከም ዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት ይወጽኡ ኣለው።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርግሑ ዘለው ኣሳእል ከም ዘርእይዎ'ውን፡ ሰበስልጣን ዩክረይን ዶብ ንኸይሰግሩ ይኽልክልዎም ከም ዘለው እዩ።
ናይጀርያዊት ተመሃሪት ኣብ ዩክረይን፡ "ጸሊም እንተዄንካ ብእግርኻ ክትከይድ እዩ ዘለካ ኢሎምና" ትብል።
ልክዕ ቍጽሪ ንምርግጋጹ ገና'ኳ እንተዘይተኻእለ፡ ኣማኢት ተመሃሮ ገና ኣብ ዩክረይን ከም ዘለው እዩ ዝግመት።
ሓደ ህንዳዊ ተመሃራይ፡ ኣስቤዛ ክገብር ኢሉ ምስ ወጽአ ከም እተቐትለ ተፈሊጡ ኣሎ።
ሓደ ተመሃራይ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ቅድሚ እዚ ኵነታት ምኽሳቱ፡ ትምህርቲ ናብ 'ኦንላይን' ክቕየረሎም ይሓቱ ከም ዝነበሩን፡ እተን ዩኒቨርሲታት ግን ከም ዝነጸጋኦም እዩ።
"እታ ዩኒቨርሲቲ ነቲ ሕቶን ነቲ ኵነታትን ሸለል ኢላቶ" ሜሪ ዝተባህለት፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩክረይን ብዓውዲ ሕክምና ናይ መወዳእታ ዓመት ትምህርታ ተጽነዕ ዝነበረት ናይጀርያዊት ትገልጽ።
ንሳ ከም ዝበለቶ፡ ንምምሕዳር ዩኒቨርሲቲ ኣቐዲሞም ንኽወጽኡ ከም ዝሓተቱን ከም ዝተነጽጉን እዩ።
ብኢደ ዋኒኖም ካብ ትምህርቲ እንተበዂሮም፡ ብመሰረት ገለ ዩኒቨርሲታት ዩክረይን ዝኽተልኦ መምርሒ፡ ብገንዘብ ከምዝቕጽዑን እዩ መጠንቀቕታ በጺሕዎም። "ስለዚ ምርጫ ኣይነበረናን" ትብል።
ሜሪ፡ ኣብታ ኣብ ዶብ ዩክረይን እትርከብ ንመጥቃዕቲ ዝተቓልዐት ከተማ ገና ተዓጊታ ኣላ።
ናብ ዩክረይን ዝመጻእና ትምህርቲ ደሊና እምበር ንኸምዚ ዓይነት መከራን ሽግርን ኣይኰነን ከኣ ትብል።
ንሳን መሓዙታን ብስእነት መግቢ ተሸጊረን ኣለዋ፣ ከይወጽኣ ድማ ውሕስነት የለን።
እቲ ትመሃረሉ ዩኒቨርሲቲ፡ ሩስያ ከተጥቅዕ እያ ዝብል እምነት ፈጺሙ 'ኳ እንተዘይነበሮ፡ 'ተመሃሮ፡ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምጅማሩ ካብታ ሃገር ንኽወጽኡ ንዘቕረብዎ ሕቶ ኣይተቐበሎን' ዝብል ዘረባ ግን ነጺግዎ'ሎ። ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ምጅማር 'ቲ ኲናት ድማ ትምህርቲ፡ ናብ ኦንላይን ከም ዘሰጋገሮ ሓቢሩ።
ክሪስቶፈር ዝተባህለ ወዲ 22 ዓመት ካሜሩናዊ ተመሃራይ፡ ካብታ ድሮ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ሩስያ ኣትያ ዘላ ደቡባዊት ከተማ ኬርሶን፡ ካብ ተሓቢኡሉ ዘሎ ስፍራ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ "ንህይወትና ስለንሰግእ ክንወጽእ ኣይከኣልናን" ይብል።
ንሱ ከም ዝበሎ፡ ምስ ካልኦት 20 ዝዀኑ ብጾቱ፡ ሰሙን ምሉእ መብራህቲ ኣብ ዘይብሉ መዕቈቢ ትሕቲ ምድሪ፡ ድምጺ ተዅስን መዳፍዕን ጥራይ እናሰምዑ ኣሕሊፎምዎ።
ዳርጋ ከምዚ ዝባደመት ከተማ እያ፡ ኣብ ደገ ተወዝ ዝብል ሰብ ፈጺሙ ኣይርአን። ክሪስቶፈር ዝዀነ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ዝወርድ ግህሰት ብዓይኑ ከምዘይረኣ፣ እቲ ዝሓሸ ግን ተሓቢእካ ምጽናሕ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
"ኣብዚ እዋን እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ፡ ባዕልኻ ነብስኻ ኣብ ሓደጋ ዘይምእታው እዩ"
"ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ጉዳይ ትምህርቲ ከመይ ከም ዝኸውን ክግመት ኣጸጋሚ እዩ" ይብል።
ማማዲ ዶምብያ፡ ዝተባህለ ተመሃራይ ኮምፒዩተር ሳይንስ ዘጽንዕ ዘሎ ወዲ ጊኒ፡ "ዓደይ ክምለስ እየ ዝደሊ፡ ኣብ ኲናት ኴንካ ክትመሃር ኣይከኣልን እዩ" ይብል ንቢቢሲ፡ ምስቶም ኣብ ጸልማት ምስኡ ዘለው ደቂ ጋቦን፡ ሰኔጋልን ካሜሩንን ኰይኑ።
"መብራህቲ የለ፣ ማይ የለ" ይውስኽ።
ግደ መንግስታት እንታይ እዩ ዘሎ?
ዩክረይን፡ ኲናት ጅምር ኣብ ዘበለሉ ዕለት 24 ለካቲት፡ ብኡንብኡ እያ ሲቪላዊ በረራታት ደው ኣቢላ። መንግስታት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ ዜጋታተን ካብታ ሃገር ንምውጻእ ዝተፈላለየ ኣተሓሕዛ እዩ ዘለወን፣ ገሊአን በረራታት ኣወሃሂደን ነቶም ዶብ ዝሰገሩ ዜጋታተን ንዓዶም ክመልሳ ይርኣያ ኣለዋ።
ጋና እታ ቀዳመይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዜጋታታ ዝተቐበለት ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ። ጃረድ ኦቱምፎ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጋና ምስ በጽሐ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቓል፡ "ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ዓደይ ክምለስ ይኽእል እየ ዝብል ተስፋ ኣይነበረንን፣ ሕጂ ግን ብደሓን መጺአ፡ ሕጕስ ድማ እየ" ኢሉ።
ናይጀርያ እውን ነቶም ብመገዲ ሩማንያ፡ ሃንጋርን ፖላንድን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ዜጋታታ ነፈርቲ ክትልኽ ምዃና ኣፍሊጣ'ላ።
ኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዩክረይን፡ ንድሕነቱ ካብታ ሃገር ክወጽእ ከም ዝግባኦ፣ እንተዀነ ምእንቲ ድሕነት ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ወጻእተኛታትን፡ ካብ ዩክረይን ዝወጽኡሉ ውሑስ መገዲ ንምጥጣሕ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ምህላው ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣምባሳደራት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ፖላንድን ሃንጋርን ክልቲኦም፡ ናብቲ ምስ ዩክረይን ዘዳውብ ከባቢታት ብምኻድ ዜጋታቶም ንምሕጋዝ ዝከኣሎም ጻዕርታት ይገብሩ ከም ዘለው ተፈሊጡ'ሎ።
ገለ ስድራቤታት ሞሮኮ'ውን፡ ካብ ዩክረይን ሃዲሞም ንዝተመልሱ ተመሃሮአን ዝሓለፈ፡ ረቡዕ ተቐቢለን ኣለዋ።
ብመሰረት ሓበሬታ ምኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ዩክረይን፡ መንግስቲ 'ታ ሃገር፡ ንኣፍሪቃውያንን ኤስያውያንን ዝገልግል ህጹጽ መስመራት ተሌፎን ዘርጊሑ'ሎ። "ሰበስልጣን ዩክረይን፡ ኣፍሪቃውያንን ኤስያውያንን ዝወጽኡሉ ውሑስ መገዲ ንምጥጣሕ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ኣለው፡" ይብል መልእክቲ ትዊተር ድሚትሮ ኩሌባ።
ትምህርቲ ክቕጽል ይኽእል ዶ ይኸውን?
ሓያለ ካብቶም ንኽመሃሩ ኢሎም ብዙሕ ገንዘብ ዘፍሰሱ ተመሃሮ፡ ኣብ መንጐ ንዓድኻ ምምላስን ኣብ ኤውሮጳ ጸኒሕካ ዕላማ ትምህርትኻ ምፍጻምን ዝብል ሓሳብ ተቐርቂሮም ከም ዘለው፡ ንቢቢሲ ይገልጹ።
ጀሲካ ኦራክፖ፡ ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ሕክምና ተርኖፒል ተመሃሪት ሻድሻይ ዓመት ዓውዲ ሕክምና፡ ንኽትምረቕ ገለ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ተሪፍዋ ነይሩ።
"ተዓኒደ እየ ዘለኹ፡ ዝዀነ ክገብር ኣይከኣልኩን፡ ኵሉ ሰነዳት ትምህርተይ ኣብኡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ እዩ ዘሎ፡" ክትብል ናብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት ገጻ ኣብ ትሃድመሉ ዝነበረት ኣጋጣሚ ንቢቢሲ ሓቢራ።
"ንድሕሪት ተመሊሰ ከም ብሓድሽ ዝጅምረሉ ምኽንያት የብለይን፡ ናይ ዝተመሃርኩሉ ዲግሪ ጥራይ እየ ዝደሊ ሕጂ፣ ምናልባት ኣብ ካልእ ማስተርስ ክገብር ይኸውን።"
ወጻእተኛታት ተመሃሮ ዩክረይን፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝጸንሑሉ ግዜ ዘገልግል መንበሪ ፍቓድ ይወሃቦም እዩ። እዚ ግን ኣብ ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት ዘገልግል ኣይኰነን።
ሙኩዶ ፡ ኵሉ ነገራት እንተፈሺሉ፡ ትምህርቱ ኣብ ዝዀነ ካልእ ሃገር ኤውሮጳ ክቕጽሎ ከም ዝደሊ እዩ ዝገልጽ።
"ምናልባት ኵነታት እንተ ተመሓየሸ ኣብዚ ክጸንሕ እየ፣ ንናይጀርያ ምምላስ ኣማራጺ ኣይኰነን፡" ይብል።