እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወራር ዩክረይን፡ ምሕዳስ ዝሑል ኲናት'ዶ ይኸውን?
እዚ እዋን፡ ልክዕ ከም መወዳእታ ምዕራፍ ሓደ ዘመን እዩ ዝመስል ዘሎ። መንደቕ በርሊን፡ ሕዳር 1989 ኣብ ዝወደቐሉ እዋን ዝነበረ፡ 'ምዕራብን ምብራቕን' ዝብል ዝኣረገ ፍልልይ፡ ታሪኽ ኰይኑ ክተርፍ እዩ ዝብል እምነት እዩ ነይሩና። ምኽንያቱ፡ ማሕበርነትን ርእሰማልነትን ዝብል ብሉይ ስነሓሳባዊ በኒኑ ክርፍስ፡ ዳርጋ ኵሉ ኣብ ሓደ ገጽ ኰይኑ'ሎ ዝብል እምነት ነይሩ።
እቲ ሽግር ግን፡ ነቲ ሓደ እዋን ኣብ ምብራቕ ጀርመን ኣባል ትካል ስለያ ሕብረት ሶቭየት ነበር 'ኬጂቢ' ዝነበረ፡ ቭላድሚር ፑቲን፡ እቲ ኵነታት ብሓፈሻ፡ ውድቀት ሶቭየት ከኣ ብፍሉይ ናብ ሓደ ቂመኛ ሰብ ክሰርሖ ምኽኣሉ እዩ። እዚ ዓይነት ስብእና ፑቲን ምስ ግዜ እናዓሞቐ ክመጽእ ተራእዩ። እታ ሓደ እዋን ኣካል ሕብረት ሶቭየት ዝነበረት ዩክረይን፡ ካብ ቍጽጽር ሩስያ እንተሞሊቓ፡ 'ንሩስያ ዓቢይ ውርደት እዩ' ኢሉ ይኣምን - ፑቲን።
ክረምያ
ዶብ ዩክረይን ንምኽባር ሩስያ ዝፈረመቶ ኣህጕራዊ ውዕል ብዙሕ ኣገዳሲ ኣይኰነን። ኣብ 2014፡ ፑቲን ናብታ ትእምርታዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ሓውሲ ደሴት ክረምያ፡ ወተሃደራቱ ክሰድድ ክጅምር እንከሎ፡ ክጐብጣ ምዃኑ ብሩህ ነበረ።
ረጊጦም ሒዞምዋ፣ እቲ መብዛሕትኡ ሩስያ ዝዓሌቱ ህዝቢ ክረምያ ብረፈረንደም ድምጹ ምስ ሃበ ኸኣ፡ ብቐሊሉ ኣካል ግዝኣት ሩስያ ገይሩዋ። እንተዀነ እዚ ኣንጻር ኣህጕራዊ ሕጊ'ኳ እንተነበረ፡ ምዕራባውያን ግን ገና ኣብቲ 'ምስ ሩስያ ክስራሕ ይከኣል እዩ!' ዝብል 'ፖሊሲአን' ጸኒዐን ቀጸላ።
'ኬጂቢ'ን 'ኤፍኤቢ'ን
እቶም ጸላእቲ ፑቲን ዝሕሰቡ ወይ፡ ኣብ ትካላት ጸጥታ ኬጂቢን ይዅን ኤፍኤስቢ ዝነበሩ ናብ እንግሊዝን ኤውሮጳን ዘበሉ'ሞ ከም ከድዓት ተሓሲቦም ክስመሙ ወይ ክቕንጸሉ እንከለው፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቀብ ክስዕብ ጸኒሑ እዩ። እቲ ሜላ ወትሩ ተመሳሳሊ እዩ፣ ሃገራት ምዕራብ መጠንቀቕታን ማዕቀብ የሕልፋ፣ ፑቲን ከኣ ከመይ ኣቢልካ ምስኦም [ምስቶም ማዕቀባትን መጠንቀቕታታትን] ከም እትነብር ይፈልጥ እዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት፡ ሩስያን ቻይናን ሓድሽ ደንበ ክፈጥራ ክኢለን እየን። እዚ ደንበ ግድን ንምዕራብ ዝጻባእ'ኳ እንተዘይኰነ፡ ብምዕራብ ተደጋጋሚ ክንቀፍን ብሕማቕ ዓይኒ ክርአን ጸኒሑ እዩ፣ ሓድሕድ ምትሕግጋዘንን ምድግጋፈን ግን ኣይበተኻን።
ቻይናን ታይዋንን
ፕረዚደንት ዢ ጂንፒንን ፕረዚደንት ፑቲንን ሓደ ሓባራዊ ጕጅለ ምትሕግጋዝ ፈጢሮም። ስለዝዀነ፡ ነቲ ኣብዚ እዋን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ወራር ቻይና ኣይነጸገቶን።
ቅድሚ ሕጂ ፕረዚደንት ጂንፒን፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ታይዋን ዘለዎ ጕዳይ ክዛረብ እንከሎ፡ ንታይዋን ክወርር ፈጺሙ መደብ ከም ዘይብሉ ይገልጽ ነይሩ። እንተዀነ፡ ንሱ'ውን ኣሰር ፑቲን ስዒቡ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ኣብ ልዕሊ ታይዋን እንተወሲዱ ንዓለም ከሰንብድ እዩ።
ብዅሉ ዅሉ፡ ዓለም ካብቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት ዝነበረቶ ኵነታት ብዝኸፍአ መልክዕ ዘይምችእቲ እናዀነት ትመጽእ ኣላ። ብንጽጽር እንክርአ፡ እቲ ብሉይ 'ዝሑል ኲናት' ብዙሕ ሕልኽልኽ ዝበለ ኣይነበረን።
እቲ ዝግዝኣሉ ዝነበረ ሕግታት ዳርጋ ኵሉ ንጹር እዩ ነይሩ። ሓደ ወገን ኣብ ክሊ 'ቲ ካልእ ወገን እንተኣትዩ፡ ንዅላቶም ስግኣት ከም ዝኸውንን ዕንወት ከም ዘስዕብን ኵሎም ይፈልጡ እዮም። ከምኡ ስለዝዀነ ድማ፡ ኣብ ገለ እዋናት ዝተኻየዱ ገለ ውግኣት ሓዲግካ ዳርጋ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣይነበረን። ድሕሪ ውድቀት ማሕበርነታዊ ደንበ ግን፡ እቲ ኣረጊት 'ሕገ-መጽሓፍ ዝሑል ኲናት' ተቐዲዱ ተጓሕፈ። 'ዶባት' ተደምሲሱ፣ 'ቀይሕ መስመር' ኣበይ ምዃኑ ድማ ዘይንጹር ኰነ።
ኔቶ፡
ፖለቲከኛታት ምሁራት ኣቐዲሞም የተንብህዎ ከም ዝነበሩ፡ ድሕሪ ምፍራስ መንደቕ በርሊን፡ ኔቶ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝነበሮ ኣጠማምታኡ ክቕይሮ ከም ዝነበሮ እዩ። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ምጕብዕባዕን ምህዳድን፣ ነተን 'ሳተላይት' ዝበሃላ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ኣሰሊፍካ፡ ነቲ ሩስያ ናብዚ በጺሓቶ ዘላ ተጻባእነት ዝመርሐ ነገራት፡ ኣቐዲሙ ክውገድ ነበሮ።
እቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ፡ 'ዩክረይን ሓደ መዓልቲ ኣባል ኔቶ ክትከውን እያ፡' ዝብል ሓሳብ ጥራይ ንሩስያ ኣመና ኣቘጢዑ እዩ። እዚ ድማ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ሓንሳእን ንሓዋሩን ምስ ዩክረይን ክዘራረብ ግድን ይገብሮ።
እዚ ፖሊሲ ፑቲን ጥራይ ምዃኑ ዝዀነ ሰብ ይፈልጥ እዩ። ሓያለ ፖለቲከኛታትን ጸለውቲ ወተሃደራዊ ሓለፍቲን ሩስያ ከይተረፈ፡ ነዚ ወራር ከም ዘይድግፉ እዩ ዝፍለጥ። እንተዀነ ፑቲን ስፍ ዝብል ሰብ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ሩስያ ክትቅጽልን ተዓዊታ ምውጻእን ጥራይ እዩ ዘለዋ። እንተዀነ ከምዚ ዝኣመሰለ ወተሃደራዊ ዕንደራ ክፈሽል ዘለዎ ተኽእሎ ዓቢይ ምዃኑ'ውን ዘይምዝንጋዕ።
ፑቲን፡ ቅድሚ 8 ዓመታት ኣብ ክረምያ ተዓዊቱ፣ ኣብ ሃገሩ ኸኣ ስልጣኑ ኣደልዲሉ እዩ። ኣብ ዩክረይን'ውን እንደገና ክዕወት ይኽእል ይኸውን፣ ሓይሊ ምክልኻል ዩክረይን ጥሒስካ፡ ገለ ኣገደስቲ ዓወታት ብምጕንጻፍ፡ ቀልጢፍካ ብምንስሓብ ዓወትካ ከተድምቕ ይከኣል እዩ።
እዚ ዝከኣል ይዅን እምበር፡ ምናልባት ከምኡ እንተዘይኰነ'ኸ ኢልካ ምግማት ግን ኣገዳሲ እዩ። ወተሃደራት ሩስያ ብብዝሒ ክሞቱ እንተጀሚሮም፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝጸዓን ዘሎ እገዳታት ሳዕቤኑ ብቕልጡፍ ክርአ እንተጀሚሩ፡ ሓይሊ ፑቲን ብኣሉታ ክጽሎ ግድን እዩ።
ኣብ ከምዚ ኵነታት ከ፡ ፑቲን፡ እንታይ ክገብር ይኽእል ይኸውን? ኣብዚ ጕዳይ ሓደ መልሲ ጥራይ እዩ ዘሎ። ብስም ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ኣብ ውሽጢ ሃገር ክልዓል ንዝኽእል ምዕዝምዛምን ነቐፌታን ካብዚ ዘሎ ኣገባብ ብዝሓየለ ምጭፍላቝ ጥራይ እዩ። ልክዕ'ዩ፡ ምስ ቀደም ብምንጽጻር፡ ሩስያ ዝሓሸ ክፍት ዝበለ ሕብረተሰብ ክትፈጥር ከም ዝኸኣለት ኣይከሓድን።
እዚ ሓደ መዓልቲ ነበረ ክኸውን እዩ። ቍጠባ ሩስያ ክህሰ እዩ፣ ቻይና ክትህቦ እትኽእል ደገፍ ከኣ ነቲ ዕንወት ዝኽሕስ ኣይክኸውንን እዩ።
ሕብረት ሶቭየት
ብሰንኪ ውድቀት ሕብረት ሶቭየት፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዝሰዓበ ጥፍሽና ዝተፈጥረ ቂምታ ፕረዚደንት ፑቲንን ካብ ጠንቂ እዚ ወራር ምዃኑ ይግለጽ እዩ። እዚ ምናልባት ንሩስያ ናብቲ ዝነበረ ልዕልና ሕብረት ሶቭየት ይመልሳ ይኸውን።
ሃገራት ምዕራብ'ውን እቲ 'ምስ ሩስያ ክስራሕ ይከኣል እዩ' ኢለን ዝሽፍጣሉ ዝነበራ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብመሪር ብሕነ ምፍዳይ ይምለሰን ከም ዘሎ ክግንዘባ እየን።