ወራር ዩክረይን፡ ስለምንታይ ቃፍላይ ኣጽዋር ሩስያ ንኪየቭ ክስጉም ዘይከኣለ?

ናብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ኪየቭ ዘምርሕ ዝነበረ 64 ኪሎ ሜተር ዝርገሐ ዘለዎ ግዙፍ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ሩስያ፡ ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ንቕድሚት ከምዘይሰጎመ ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ሓቢሩ።

ሰበ-ስልጣን ምክልኻል ኣመሪካ፡ ሩስያ ነታ ኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ኪየቭ፡ ብምኽባብን ኣገዳሲ እንተኾይኑ ከኣ ብሜላታት ከበባን ክትሕዛ ከም እትሓስብ ይገልጹ።

እቲ ብሳተላይት ዝርአ ብዝሕን ዝርገሐን እቲ ናብ ኪየቭ ዝተምም ዘሎ ቃፍላይ ኣጽዋር ሩስያ ከቢድ መጥቃዕቲ ከየኸትል ስግኣት አሕዲሩ ኣሎ።

ይኹን እምበር፡ ሰበ-ስልጣን ብሪጣንያን ኣመሪካን፡ ናይ ቀረብ ( ሎጂስቲክ) ጸገማት ነቲ ገስጋስ ከምዘደናጎዮ ይገልጹ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ፡ ብሓሙስ ንግሆ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ቃፍላይ፡ ኣብዚ ሳልስቲ ብዙሕ ከምዘይሰጎመን ንኪየቭ ክኣቱ ኣስታት 30 ኪ.ሜ. ከም ዝተረፎ ይገልጽ።

ስለምንታይ እዩ እቲ ቃፍላይ ተገቲኡ?

እቲ ድሩዓት መካይን፡ ታንክታትን ረሻሽን ዝሓዘ ገዚፍ ኣጽዋር፡ ገሊኦም ብሰንኪ ሎጂስቲካዊ ቀረባት፡ ገሊኦም ብሰንኪ ዘይተጸበዩዎ መኸተ ዩክራውያን ገሊኦም ከኣ ብሰንኪ ምድኻምን ተቓውሞን ወተሃደራት ሩስያ ክኸውን ከምዝኽእል ይዝረብ።

እቲ ቃፍላይ፡ ብመካኒካዊ ምብልሻው ድሩዓት መካይን፡ ብሕጽረት መግብን ነዳድን ጎማታትን፡ ብሕመቕ መገድን ከምዝተሰናኸለ መንግስቲ ዓዲ-እንግሊዝ ይሕብር ።

ኣዛዚ ሓባራዊ ሓይልታት ዓባይ ብሪጣንያ ዝነበረ ጀነራል ሰር ሪቻርድ ባሮንስ ምፕሮግራም ንሬድዮ 4 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ከም ነዳዲ፡ ጎማታት፡ መግቢን መቀያየሪ ኣቑሑን ዝኣመሰለ ሕጽረታትን እተን መካይን ኣብ መገዲ ብኸቢድ ጭቃ ተዋሒጠን ምንቅስቓስ ተጸጊመን ኣለዋ" ክብል ሓቢሩ።

ኣብ ርእሲኡ፡ ናይ ትእዛዝን ቊጽጽርን ጕዳያት: ግጉይ ናይ ሬድዮ መርበባትን ክፉት ሓበሬታን: ዝዓበየ ጸገም ከም ዘምጽአ ገሊጹ ።

ብዘይካ'ዚ፡ ፔንታጎን፡ ሩስያ፡ ስለምንታይ ንቕድሚት ከምዘይሰጎሙ ነቲ ውሁብ ኵነታት ብምግምጋም ሓድሽ መደብ ክትሕንጽጽን ክትወዳደብን ከምእትኽእል ኽትህድሶ ገሊጹ።

ናይ ዩክረናውያን ተቓውሞ እውን፡ ነቲ ገስጋስ ከምዝገትኦ እኳ እንተተዘርበ ብነጻን ዘይሻራውን ወገን ግን ኣይተረጋገጸን። ይኹን እምበር ካብቲ ትጽቢት ዝተገብሮ ንላዕሊ ስለዝኾነ ኣብ ወተሃደራት ሩስያ ተጽዕኖ ከምዘሕደረ ይዝረብ።

ጸሓፊ ሃገራዊ ድሕነትን ምክልኻል ዩክረይን ነበር ኦሌክሳንደር ዳኒዩክ ሰራዊት ዩክረይን ንርእሰ ከተማኡ ንምክልኻል ብዘለዎ ሓያል ጽንዓት፡ "እቶም ኣብቲ ቃፍላይ ዘለዉ ሰባት በብመዓልቱ ሞራሎም እናተተንከፈ ይኸይድ ኣሎ" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ትማሊ ሰሉስ ሓደ ናይ ኣመሪካ ናይ ምክልኻል በዓል ስልጣን፡ እዚ ኩነታት ኣብቶም ዝበዝሑ ሓደስቲ ተዓለምቲ ዝበዝሕዎ ሰራዊት ሩስያ ሞራላዊ ጸገማት የኸትል ከምዘሎ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ብዓል ስልጣን "ኵላቶም ናብ ውግእ ይኣትው ከምዘለው ይፈልጡ ኣይነበሩን" ኢሉ ።

እቲ ቃፍላይ ክፈርስ ይኽእል ድዩ?

ዩክረይን እተወሰነ ናይ ሓይሊ ኣየር ዓቕሚ ኣለዋ። ነተን ናይ ሩስያ ቃፍላይ ነፈርቲ ንምዕናው ድማ፡ ብቱርኪ እተሰርሓ ድሮን ትጥቀም ኣላ። ይኹን እምበር፡ ዠን ባሮንስ፡ ኪየቭ ነዚ ናይ ሩስያ ቃፍላይ ንከተዕኑ ዘኽእል ወተሃደራዊ ሓይሊ የብላን ።

"ነቲ ቃፍላይ ብቕድሚትን ብጎድንን ኣብ ምጥቃዕ ንፉዓት እዮም" ኢሉ። ይኹን እምበር ብነፈርቲ ንዝካየድ መጥቃዕቲ ውሱን እዩ ክኸውን።

ሩስያ ምስቲ ቃፍላይ ናይ ነፈርቲ መከላኸሊ ኣጽዋር ክህልዋ ከምዝኽእልን ኣብ ልዕሊ እቲ ቃፍላይ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ኣብ እንተተገይሩ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ኣየር ዩክረይን ከቢድ ሓደጋ ከስዕብ ከም ዝኽእል ዠን ባሮልስ ሓቢሩ ።

ገሊኦም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ኔቶ ነቲ ቃፍላይ ንምጥፋእ ክሓስበሉ ኣለዎ ክብሉ እንከለው ካልኦት ከኣ ኔቶ ከምኡ እንተገይሩ ነቲ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐ ሓይሊ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ከእቱ ይኽእል እዩ ይብሉ።

ምዕራባውያን መንግስታት ከኣ ኣብዚ ግጭት'ዚ ብቐጥታ ክሳተፉ ድሌት ከም ዘይብሎም ብተደጋጋሚ ገሊጾም እዮም።

እቲ ቃፍላይ ቀጺሉ እንታይ ክገብር ይኽእል?

ኵሉ እቲ እተነግረ ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠመ፡ እቲ ካብ ኪየቭ ብሰሜን ዝርከብ ዓቢ ወተሃደራዊ ቃፍላይ ውዒሉ ሓዲሩ ንቕድሚት ምስጓሙ ዘይተርፍ እዩ።

ሓላፊ ሰራዊት ብሪጣንያ ነበር ጀነራል ሎርድ ዳንት "እዚ ዓብዪ ቃፍላይ፡ ንኪየቭ ብኣጋርን መዳፍዕን ብምኽባብ ናይ ጎደናታት ኵናት ከምዘካይድ ግን ከኣ ዓቢ ጉድኣት ከኸትል እዩ" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብቲ ግዜ'ቲ፡ ሩስያውያን ክልተ ምርጫ ክህልዎም እዩ። እቲ ቐዳማይ ምርጫ ዩክረይን ኢዶም ንኽህቡ ክሓቱ፡ ወይ ከኣ ከምቲ ኣብ ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ሃርኪቭ ዝገበሩዎ ነታ ከተማ ምጥቃዕ እዩ።

ንሕጂ ግን ህዝቢ ኪየቭ፡ እቲ ቃፍላይ እንታይ ክገብር ከምዝኽእል ይጽበዩ እዮም ዘለው።