ካናዳ፡ ትሩዶ ናይ ባንኪ ሕሳብ ሰልፈኛታት ከደስክሎ ምዃኑ ተሓንዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ ናይ ሓደጋ እዋን ሕጊ እታ ሃገር ብምልዓል ኣንጻር ግዱድ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝካየዱ ዘለው ተቓውሞታት ንምቁጽጻር ትጽቢት ዘይተገብረሉ ስጉምቲ ወሲዱ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር እቶም ዝውሰዱ ስጉምታት "ብግዜ ዝተገደቡ" ከምኡ'ውን "ምኽንያታውን ተመጣጣንን" ከም ዝኾኑ ብምግላጽ ነቶም ተቓውሞታት ደው ንምባል ዝዋፈር ሰራዊት ከም ዘይህሉ ሓቢሩ።
ስለ ዝኾነ ድማ ብዘይትእዛዝ ቤት ፍርዲ ምስቶም ተቓውሞታት ርክብ ናይ ዘለዎም ተቓወምቲ ናይ ሕሳብ ባንኪ ክድስክል ምዃኑ ተዛሪቡ።
እንተኾነ ሕጂ'ውን ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር: ኦታዋ: ንተቓውሞ ዝወጽኡ ሰልፈኛታት ኣለው'ዮም።
ብሰንበት፡ ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ንቀንዲ መተሓላለፊ ንግዲ ካናዳን ኣመሪካን ንዝኾነ ኣምባሳደር ብሪጅ ንሰሙን ንመመላእታ ዓጽዮም ዝቐነዩ ተቓወምቲ በቲኖም።
እቲ ሰልፍታት፡ ኩሎም ዶብ ኣመሪካ-ካናዳ ዝሰግሩ መራሕቲ መኪና: ክታበት ኮሮናቫይረስ ክወስዱ ግድን ከም ዝኾነን ክምለሱ እንከለው ድማ ክውሸቡ ኣለዎም ንዝብሉ ሕግታት ብምቅዋም ዝጀመረ ኮይኑ ኣብዚ እዋን ንኹሎም እገዳታት ኮቪድ ናብ ዝቃወሙ ዓበይቲ ሰልፍታት እዩ ተቐዪሩ ዘሎ።
ትሩዶ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ "እዚ ድሕነት ካናዳውያን ናይ ምርግጋጽን ናይ ሰባት ስራሕ ውሑስ ናይ ምግባርን ጉዳይ እዩ" ክብል ተዛሪቡ።
ስለ ዝኾነ ድማ ፖሊስ ተቓወምቲ ንክኣስር ወይ ንክቀጽዕን ኣገደስቲ ትሕቲ ቕርጺ ንምሕላውን "ተወሳኺ መሳርሒ" ክወሃቦም'ዩ ኢሉ።
ነቐፍቲ ግን እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ 2021 ኣብ ህንዲ ሓረስቶት ኣውራ መገዲ ኒው ዴልሂ ዓጽዮም ኣብ ዝነበርሉ ግዜ "ካናዳ ወትሩ መሰል ሰላማዊ ተቓውሞ ክትሕሉ'ያ" ምባሉ ብምዝኽኻር ደገፍ ኣርእዩ ምንባሩ ይገልጹ።
ትማሊ ምኽትል እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ክሪስቲያ ፍሪላንድ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ'ውን ጎና ጎኒ ምድስካል ሕሳብ ባንኪ: ናይ ዝኾነ ኣብቲ ተቓውሞ ዝተሳተፈ ሰብ መድሕን መኪና (ኢንሹራንስ) እውን ክውንዘፍ ምዃኑ ተዛሪባ እያ።
እዞም ስጉምታት ብቐጥታ ተግባራዊ ክኾኑ ዝኽእሉ'ኳ እንተኾኑ መንግስቲ ግን ኣብ ውሽጢ ሰሙን ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ሰኔትን ከቕርቦ ከም ዝግባእ ተንተንቲ ይገልጹ።
እቶም ክካየዱ ዝቐነዩ ሰልፍታት ተቓውሞ ኣብ ቑጠባን ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ርክብን ጽልዋ ከም ዘሕደሩ ብምግላጽ ስጉምቲ ምውሳድ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ኩሎም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ፌደራል ካናዳ ገሊጾም።
ይኹን'ምበር ኩሎም ምስቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ክወስዶ ዝተሓነዮ ስጉምቲ ዝሰማምዑ ኣይኮኑን። መራሒ ኮንሰርቫቲቭ ካንዲክ በርጌን እቲ ስጉምቲ ነቲ ኩነታት ከየጋድዶ ስግኣቱ ገሊጹ።
ኣብ ኦታዋ ካብ 400 ክሳብ 500 ዝኾና ዓበይቲ መካይን ን18 መዓልታት ኣብ ማእከል ከተማ ጠጠው ኢለን ኣለዋ።
ሰልፈኛታት ናብ ኮተስ፣ ማኒቶባ፣ ኣልበርታን ኢመርሰንን ዝግበር ጉዕዞ ከልኪሎም ኣለው። ብሰንበት'ውን ኣብ ቶሮንቶን ዊንፔግን ሰልፍታት ተኻይዶም።
ብሰኑይ ፖሊስ ኣልበርታ 11 ሰብ ክኣስር እንከሎ ሽጉጥን ካልእ ዕጥቅታትን'ውን ሒዙ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







