ኮሮናቫይረስ፡ ንርእሰ ከተማ ካናዳ ንሰሙናት ዘደስከለ ጉዳይ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ካናዳ ብመራሕቲ ዓበይቲ መካይን ኣንጻር ክታበትን ምስ ኮሮናቫይረስ ዝተሓሓዙ ሕጋጋትን ንልዕሊ ክልተ ሳምንታት ዝካየድ ዘሎ ተቃውሞታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ክዓርግ ከም ዝኽእል ፖሊስ ኦታዋ ዘለዎ ስክፍታ ገሊጹ።
ርእሰ ከተማ ካናዳ ዝኾነት ኦታዋ ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ተቃውሞ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ደንጊጋ ትርከብ።
ኣብ ብዙሓት እተን ንተቓውሞ ደው ኢለን ዘለዋ መካይን ህጻናት ስለ ዝርከቡ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ዝግበር ስርሒታት ሓደጋ ከስዕብ ከም ዝኽእል ሰብ መዚ እታ ከተማ ትማሊ ገሊጾም።
ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ብዝተሓሓዝ ኣስታት 80 ገበናዊ ክስታት ተመስሪቱ ኣሎ።
ካብቶም ኣሽሓት ተቃውሞታት ዘካይዱ ዘለዉ ሰልፈኛታትን መራሕቲ ዓበይቲ መካይንን ልዕሊ 20 ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ'ውን ተሓቢሩ።
እቲ ተቃውሞታት ዝበዘሐ ሸነኹ ብሰላማዊ መገዲ'ኳ ይካየድ እንተሃለወ፡ ፖሊስ ጉጅለታት የማናይ ክንፊ ነቲ ነገር ከጎሃህርዎ ከም ዝኽእሉ ዘለዎም ስክፋታ ይገልጹ ኣለዉ።
ሓደ ፖሊስ ንሓደ ነዳዲ ሒዙ ዝነበረ ሰልፈኛ ነቲ ነዳዱ ከሕድጎ ኣብ ዝፈተነሉ በቶም ሰልፈኛታት ከም ዝተሃረመ ፖሊስ ሓቢሩ።
ምክትል ሓላፊ ፖሊስ ኦታዋ ትማሊ ኣብ ዝነበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቶም ናብ ውሽጢ ከተማ ኦታዋ ክኣትዉ ዝፍትኑ ዘለዉ ሰልፈኛታት "ነቶም ሰልፈኛታት ነመሓላልፎ መልእኽቲ ከም ቀደሙ'ዩ ዘሎ፤ ኣይትምጽኡ [ናብ ውሽጢ ከተማ] እንተመጺኹም ግን ብዙሕ መዘዝ ክህልዎ'ዩ" ኢሉ።
ካብ ኦታዋ 1190 ኪሎ ሜትሮ ርሒቁ ዝርከብ ጽዑቅ ምንቅስቓስ መካይን ዘለዎ ዶብ ካናዳን ኣመሪካን ካብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ ብኸፊል ተኸፊቱ ኣሎ።
ኣብቲ ዶብ እቶም መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ኣብ ጎኒ እቶም ኣብ ኦታዋ ኮይኖም ተቓውሞታት ዘካይዱ ዘለዉ መራሕቲ መካይን ከም ዘለዉ ንኸርእዩ ነቲ ጽዑቕ ምንቅስቃስ ዝካየደሉ መንገዲ ብመካይኖም ገይሮም ከም ዝዓጸውዎ ይፍለጥ።
እዚ ብልዕሊ ፈለግ ዲትሮይት ዝሓልፍ ኣምባሳደር ብሪጅ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መንገዲ ንካናዳን ንኣመሪካን ዘራኽብ ዘዳውብ መንገዲ ኮይኑ፡ መዓልታዊ ልዕሊ 40 ሽሕ ሰብን ልዕሊ 323 ሚልዮን ዶላር ዋግኡ ንብረትን ካብን ናብን ይመሓላለፈሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲን ትሩዶ እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ ቁጠባ 'ዕጽዋ' ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ብምሕባር ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕልላፉ'ዩ እቲ መስመር ብኸፊል ተኸፊቱ።
መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ኣብ ኦታዋ ዘካይድዎ ዘለዉ ተቃውምታት ግን ንነበርቲ እታ ኸተማ ከይተረፈ እዩ ኣቖጢዑ።
እቲ ተቃውሞታት ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣሽሓት ሰባት ናብ ቀንዲ ጎደናታት እታ ከተማ ምስ ውሓዙ ናብ ዝኸፈአ ጥርዚ ዓሪጉ ምንባሩ'ዩ ዝግለጽ።
ነባሪት እታ ከተማ ማሪካ ሞሪስ "ኣዝዩ መሰልቸው ዝኾነ ነገር'ዩ። ንነበርቲ ጅሆ ክሕዙና ዝኾነ ዓይነት መሰል የብሎምን" ብምባል ኣብ ልዕሊ እቶም ተቓውሞ ዘካይዱ ዘለዉ ሰባት ዘለዋ ተዋውሞ ገሊጻ።
ከተማ ኦታዋ ካብ ሰንበት ጀሚራ ብኣዋጅ ህጹጽ ግዜ እያ ኣትመሓዳር ዘላ።
ኣማኢት መራሕቲ ዓበይቲ መካይን መካይኖም ኣብ ማእከል ከተማ ደው ኣቢሎም ኣገደስቲ ጎደናታት ብምዕጻው ብዙሓት ትካላት ንግዲ ንኽዕጾ ብምግዳድ ንቁጠባ እታ ከተማ ኣልሚሰሞ ይርከቡ።
እቶም መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ንጥሩንባ መካይኖም ብዘይምቁራጽ የጋውሕዎ ስለ ዘለዉ፡ ላዕላዋይ ዳኛ እታ ከተማ ብሰኑ፡ እቶም መራሕቲ መካይን ን10 መዓልታት ንጥሩንባ መካይን ብምድማጽ ዘካይድዎ ዘለዉ ረበሻ ደው ከብልዎ ተማሕጺንዎም ነይሩ።
መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ካብን ናብን ካናዳን ኣመሪካን ክንቀሳቓሱ ጸረ ኮሮናቫይረስ ክኽተቡ ዘገድድ ሕጊ ድሕሪ ምውጽኡ እዮም 9 ጥሪ 2022 ነቲ ተቃውሞታት ጀሚሮሞ።
እቲ ተቓውሞታት ናብ ከም ቶሮንቶን ቫንኮቨርን ዝኣመሰላ ከተማታት ካናዳ ክልሕም እንከሎ ኣብ ርእሰ ከተማ ኒውዝላን ወሊንግቶንን ካንበርያ ናይ ኣውስትራልያን ዝርከቡ መራሕቲ መካይን'ውን ነቲ ኣብ ካናዳ ዝካየድ ዘሎ ተቃውሞታት ዘለዎም ደገፍ ብምግላጽ ተቓውሞታት ኣካይዶም ነይሮም'ዮም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







