ሓደ ሰብኣይ ኣብ ዋና ቤትጽሕፈት ቢቢሲ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ሓወልቲ ጉድኣት ኣብጺሑ

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ለንደን ኣብ ዋና ቤትጽሕፈት ቢቢሲ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ሓወልቲ ብመዶሻ ጉድኣት ኣብጺሑ።
'ዘ ቴምፐስት' ኣብ ዘርእስቱ ናይ ድራማዊ ጽሑፍ ዊልያም ሼክስፒር ንዝርከቡ 'ፕሮስፔሮን ኤርየልን' ዝበሃሉ ገጸ ባህርያት ዘርእይ እቲ ሓወልቲ ኤሪክ ግሪል ብዝበሃል ስነጥበባዊ ዝተወቐረ ኮይኑ ካብ 1933 ጀሚሩ እዩ ኣብ ዋና ቤትጽሕፈት ቢቢሲ ተተኺሉ ጸኒሑ።
እቲ ነቲ ሓወልቲ ዝወቐረ ስነጥበባዊ ብህይወት እንከሎ ኣብ ዝጸሓፎ መዘክር፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ጥቕዓት ይፍጽም ምንባሩ ብምስፋሩ፡ እቲ ሓወልቲ ክለዓል ዝጠልብ ጎስጓስ ንዓመታት ክካየድ ጸኒሑ እዩ።
ትማሊ እቲ ፍጻመ ምስ ኣጋጠመ ፖሊስ ናብቲ ስፍራ ክጽዋዕ እንከሎ፡ እቲ ሰብኣይ ድሕሪ ኣርባዕተ ሰዓታት ክወርድ ከምእተገበረ ተገሊጹ።
እቲ ውልቀሰብ ተቓውሞኡ ንምግላጽ ነቲ ሓወልቲ ኣብ ዝሃርመሉ ዝነበረ እዋን፡ "ንህጻናት ዝዕምጽ" እናበለ ይጭርሕ ምንባሩ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም።

ምንጪ ስእሊ, PA Media
እቲ ሰብኣይ ካብቲ ሓወልቲ ብሓገዝ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ክወርድ ከም ዝኸኣለ፡ ኣፈኛ 'ሜትሮፖሊታን ሙዚየም ኦፍ ኣርት' ሓቢሩ።
ኣብ ቀይዲ ቅድሚ ምእታው ከኣ ኩነታት ጥዕንኡ ብሰራሕተኛታት ኣምቡላንስ ከምዝተፈተሸ'ውን ተዛሪቡ።
ወነንቲ እቲ ሓወልቲ ንዝበፅሐ ጉድኣት ይምርምሩ ከም ዘለው'ውን ገሊጹ።
ኣፈኛ ቢቢሲ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ክዛረብ ፍቓደኛ ኣይኮነን።
ኣብ ቀረባ ዓመታት ከም 'ኪውኣኖን' ዝኣመሰሉ ጉጅለታት፡ ኣንጻር እቲ ብ 1940 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝሞተ ጊል ዝተወቐረ ሓወልቲ ጎስጓስ ከካይዱ ጸኒሖም።
ኣብዚ እዋን ኣዘራረብቲ ዝኾኑ ሓወልትታት ክውገዱ ዝጠልብ ተቓውሞታት ብብዝሒ ክስማዕ እንከሎ፡ ኣብ ብሪስቶል ኣብ መበል 17 ክፍለዘበን ኣብ ንግዲ ባራዩ ተሓጋጋዚ ናይ ዝነበረ ኤድዋርድ ኮልስተን ሓወልቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ንምእላይ ዝፈተኑ ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም እዮም።
ንሳቶም ኣብ እዋን ምንቅስቓስ 'ብላክ ላይቭስ ማተር' ኣብ 2020 ነቲ ተግባር ከም ዝፈጸምዎ እዮም ዝኽሰሱ።
ብዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት ከም ጥሩፋውያን ዝርኣዩ ታሪኻዊ ሓወልትታት ኣብዚ እዋን እንታይ ዓይነት ስፍራ ክወሃቦም ይግባእ ዝብል ዛዕባ ኣካታዒ ኮይኑ ይርከብ።
ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ብጻዕዳ ፖሊስ ድሕሪ ምቕታሉ ዝተልዓዓለ ተቓውሞ ኣብ ምዕራባውያን ዓቢይ ስፍራ ንዝወሃቦም ናይ ዳህሰስቲ፣ መራሕቲ ኲናትን ነገስታትን ሓወልታት ክውገዱ ኣለዓዒሉ እዩ።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







