ንኤርትራ ንኻልኣይ ግዝኡ ኣብ ኦሎምፒክ ሓጋይ ዝውክላ ዘሎ ኣትሌት ሻነን መን'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, MARTIN BERNETTI
ኤርትራ ናጻ ሃገር ካብ እትኸዉን ኣብ 2000 እያ ንፈለማ እዋን ብመገዲ ዩናስ ክፍለ፣ ነብያት ሃብተማርያምን ቦሎታ ኣስመሮምን ኣብ ኦሎምፒክ ተሳቲፋ።
ኣብ 2004 ኣብ ኣቴንስ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ኸኣ ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ናይ 10 ሽሕ ሜትሮ ንኤርትራ ቦኽሪ ነሓስ ሜዳልያ ኣግዚምዋ።
ኣብ 2018 ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ሓጋይ ኸኣ ፍልይ ብዝበለ ስፖርታዊ ዉድድር ኣብ መፈለምታ 1980ታት ካብ ኤርትራ ተሰዲዶም ኣብ ካናዳ መነባብርኦም ካብ ዝመስረቱ ስድራ ተወሊዱ ዝዓበየ ካናዳዊ ሻነን ኣበድ ተወኪላ ኣብ ምንሽርታት በረድ ተሳቲፋ።
ሻነን ሎሚ ዓመት ኣብ ቻይና ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክ'ውን ንኻልኣይ ይሳተፍ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, MANAN VATSYAYANA
ኣብዚ ንመበል 24 ግዜኡ ዝካየድ ዘሎ ኦሎምፒክ ሓጋይ ካብ ኣፍሪቃ ኤርትራ፣ ናይጀርያ፣ ሞሮኮ፣ ማዳጋስካርን ጋናን'የን ዝሳተፋ ዘለዋ።
ሻነን ኦሎምፒክ ሓጋይ ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ምስ ማዕኸን ዜና ሲጂቲኤን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ንካልኣይ ግዜ ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክ ምስታፉ ሓበን ከም ዝስምዖ ገሊጹ።
ሓላፊ ልኡክ ኣቶ ሚኪኤል ስዩም ብወገኑ እታ በረድ ዘይብላ ኤርትራ ብመንገዲ እቶም ኣብ በረድ ዘለወን ሃገራት ዜጋታታ ኣብ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክ ክትውከል ምርኣይ ክብሪ ምዃኑ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Shannon
ወዲ 25 ዓመት ተቐዳዳማይ ምንሽርታት በረድ ሻነን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ በረድ ሻኲ (ሆኪ ስኬት) እናተለማመደ'ዩ ዓብዩ
ሻነን ኣብ 2018 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክ ክሳተፍ እንከሎ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ኣነ ብዙሓት ካናዳዉያን መሓዙት ኣብ ዘለዉሉ ከባቢ'ኳ እንተዓበኹ ምስ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ'ዉን ርክብ ኣለኒ። ሓደ ግዜ ንኤርትራ ኸይደ ነይረ። ናይቲ ሕብተረሰብና ባህሊ ሓቢርካ ምንባርን ድማ ይዝከረንን ይናፍቖን" ብምባል ብመንነቱ ሕቡን ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።
ሻነን፡ ገና ወዲ 16 ዓመት እንከሎ ኣብ 2012 ኣብ ኦስትሪያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መንእሰያት ኦሎምፒክ ንኤርትራ ወኪሉ ተሳቲፉ ነይሩ እዩ።
"ኣብ ፈለማ እቲ በረድ ብጣዕሚ ይኸብደኒ ብምንባሩ ነብሰይ ምቁጽጻር'የ ይስእን ነይረ። ድሕሪ ብዙሕ ጻዕርን ልምምድን ግን እንሆ ሕጂ ኣብዚ ክበጽሕ ክኢለ። ኣብ 2014 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክስ ዝነበረኒ ዉድድር ከምቲ ዝሓሰብክዎ ስለ ዘይከደለይ ብጣዕሚ'የ ሓዚነ ነይረ። ይኹን እምበር እዚ ተሞኩሮይ ጽቡቕ ትምህርቲ ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኣበርቲዐ ክጽዕርን ክለማመድን ሓጊዙኒ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።
ከም ሕልሙን ባህጉን ድማ ኣብ ናይ መንእሰያት ኦሎምፒክ ድሕሪ ምስታፉ ኣብ 2018 ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ መበል 23 ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክ ንኤርትራ ወኪሉ ቦኽሪ ተሳታፊ ኦሎምፒክ ሓጋይ ክኸውን ክኢሉ።
ሻነን ኣብ 2018 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ናይ በረድ ሻኵ (ሆኪ ሰኬተር) ብምንባረይ ምንሽርታት በረድ ናተይ ድልየት ኣይነበረን። ሓደ መዓልቲ ግን ኣደይ ምስ ሓብተይ ናብ ኣብ ጥቓና ዘሎ መንሸራተቲ በረድ ወሰዳኒ'ሞ፡ ሓብተይ ስለ ዝፈተወቶ ንስድራና ኣነ'ዉን ኣብዚ ስፖርት ክሳተፍ ከምዘለኒ ኣእሚናቶም። ድሒሩ ፍቕርን ድልየትን ክሓደርኒ ክኢሉ"።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣዲኡ ወይዘሮ ኣርያም ስዩም፡ ሻነን ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ኩነታት ክበጽሕ ዝኸፈለቶ ተወፋይነትን ሓገዝን ኣደ ንዉላዳ ትሕተቶ ግደ ከም ዝፈጸመት ደኣ'ምበር ሓለፋ ከም ዘይኮነ'ያ ሓቢራ።
"ወደይ ቅድሚ ዓመታት ዝብህጎ ኣብ ዝነበረ መድረኽ ክርከብ ምኽኣሉ ኹርዓት ይስመዐኒ።ልዕሊ ዝኾነ ነገር ናይ ዉሉደይ ኣብዚ መድረኽ ምርኣይ ንዓይ ፍናን'ዩ"።
ወላዱኡ ንሻነን ኣቶ ወልዳይ ልሳነ ዕቑባስላሰ'ውን፡ ሃገር ወኪሉ ኣብ ልቢ ብዙሓት ክተርፍ ዝኽእል ታሪኽ ምስራሕ ዝኽእል ዉሉድ ምፍራይ ካሕሳ ኤርትራዉያን ንዝኸፈሉዎ መስዋእቲ'ዩ ዝብል እምነት'ዩ ዘለዎ።
"ኤርትራ ብኸቢድ ቓልሲ ናጽነት ዝሓለፈት ሃገር'ያ" ዝብል ኣብ ኢንዳስትሪ ጋዝን ነዳድን ኣልበርታ ዝሰርሕ ኢንጅነር ወልዳይ፡ "ሕጂ ደቅና'ዮም ዝኽሕሱ። ሻነን ዘለዎ ተሳትፎ ንኻልኦት ኤርትራዉያን መንእሰያት መርኣያ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ፡ ሃገራዊ መዝሙር እናተዘመረ ባንዴራ ሃገርካ ክስቀል ምርኣይ ንኽሕስ ዘለና መሲሉ ክስመዐና ዝገበረ'ዩ" ይብሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







