ኬንያ፡ ብግብረሽበራ ተፈሪዶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሞም ዝነበሩ እሱራት ተታሒዞም

ብግብረሽበራ ተኸሲሶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሞም ዝነበሩ እሱራት ተታሒዞም

ምንጪ ስእሊ, Daily Nation newspaper/twi

ጽኑዕ ሓለዋ ካብ ዝግበረሉ ቤት ማእሰርቲ ኬንያ ሃዲሞም ዝነበሩ ሰለስተ ሓደገኛታት ክሱሳት ግብረ ራዕዲ፡ ናብ ጎረቤት ሃገር ሶማልያ ክሃድሙ ክብሉ ኣብ ምብራቕ ኬንያ ዳግም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

እዞም እሱራት፡ ብሰንበት ካብቲ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ጽኑዕ ሓላዋ ዝግበረሉ ቤት ማእሰርቲ ኪማቲ ሃዲሞም ዝወጽኡ'ዮም።

በዚ ምኽንያት ትማሊ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ (ቤት ህንጸት) ኬንያ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ነይሩ።

ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ሓለፍትን ዋርድያታትን ቤት ማእሰርቲ ኬንያ ኣብ ቀይዲ ክውዕሉ እንከለው ገሊኦም ብሰሉስ ኣብ ዝነበረ መጋብኣያ ቤት ፍርዲ ተፈሪዶም።

ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታ፡ ሓላፊ ዊክሊፍ ኦጋሎ "ኣብ ልዕሊ ኩሎም ኣመራርሓ ኣካላት ጸጥታ ተሓታትነት ንምዕሳል" ብቕልጡፍ ክትክኡ'ዮም ምባሉ ይዝከር።

ወሲኹ ድማ ትካላት ጸጥታ እቶም ዝሃደሙ እሱራት ሃዲንካ ንምሓዝ "ዘሎ ሃብቲ ኩሉ" ንክጥቀሙ መመርሒ ሂቡ ነይሩ።

ፖሊስ ኣንጻር ግብረ ራዕዲ ብወገኖም: ነዞም ውልቀሰባት ንምህዳን ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ብዝተዋህቦ መምርሒ መሰረት ጽዑቕ ስርሒት ከካይድ ጸኒሑ።

ሙሽራፍ ዓብደላ፣ ጆሴፍ ጁማን መሓመድ ዓሊ ኣቢካርን ሎሚ ካብ ናይሮቢ 300 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ክትሓዙ ክኢሎም ኣለዉ።

መሓመድ ዓሊ ኣቢካር፡ ኣብ 2015 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጋሪሳ ኣብ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ተኸሲሱ ማእሰርቲ 41 ዓመታት ተፈሪዱዎ ነይሩ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ 148 ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር።

እቲ ኻልኣይ ውልቀሰብ በቲ ኣብ 2012፡ ኣብ ፓርላማ ኬንያ ክካየድ ዝተሓስበ ፍሹል መጥቃዕቲ ብምውዳድ ክኽሰስ እንከሎ፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ኣብ ሶማልያ ናብ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ክጽንበር ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ኣብ ቀይዲ ዝውዓለ'ዩ።

እቶም እሱራት ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ድማ ጋዜጣ ዴይሊ ኔሽን ስእሎም ኣብ ትዊተር ዘርጊሑዎ ኣሎ።

እዞም እሱራት ንምሓዝ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሓበሬታ ዝሃበ ዝኾነ ውልቀሰብ 20 ሚሊየን ሽሊንግ (178 ሽሕ ዶላር) ከም ዝውሃብ ሰብ መዚ ኬንያ ገሊጾም ነይሮም።