ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ ኣባል ኣልሸባብ "ነብሰ ቕትለት ፈጺሙ"

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ታንዛንያዊ ምስቲ ኣብ 2015 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብ ኬንያ ዩኒቨርሲቲ ጋሬሳ ዝተፈጸመን፡ ምኽንያት ሞት 148 ሰባት ዝኾነን ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ተኸሲሱ'ዩ፡ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ።
ንፖሊስን ምንጭታት እቲ ቤት ማእሰርትን ዝጠቐሱ ማዕኸናት ዜና፡ እቲ ራሺድ ቻርለስ ቤረሴሮ ዝተብሃለ እሱር ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ነብሰ ቕትለት ከምዝፈጸመ ገሊጾም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጋሬሳ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣርባዕተ ዕጡቓት ሽዑ ብሓይልታት ጸጥታ ተቐቲሎም'ዮም። ራሺድ ቻርለስን ካልኦት ክልተ ሰባትን ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብውዲት እቲ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ገበነኛታት ምዃኖም ተገሊጹ'ዩ።
ብተወሳኺ'ውን ምስቲ ኣብ ሶማሊያ ዝርከብ ጉጅለ ሽበራ ኣል ሸባብ ርክብ ከምዝነበሮም ተሓቢሩ ነይሩ።
ቻርለስ በቲ ዝተኸሰሰሉ ክሲ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ'ዩ ተፈሪድዎ።
ኣብ ኬንያ እትሕተም ጋዜጣ ስታንዳርድ፡ እቲ እሱር፡ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ከምዝነበሮን በዓል ሞያ ሕክምና ስነኣእምሮ ክትትል ይግበረሉ ከምዝነበረን ሓቢራ።
ጋዜጣ ደይሊ ኔሽን ብወገና፡ ራሺድ ቻርለስ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ብቕዳድ ኮበርታ ነብሰ ቕትለት ከምዝፈጸመ ጸብጺባ።
እቲ ኣብ 2015 ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ምሉእ ኬንያ ከቢድ ሓዘን ኣኸቲሉ ሓሊፉ'ዩ።
ሓይልታት ኬንያ ነቲ ጉጅለ ሽበራ ንምድምሳስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ተሳትፎ ንምግባር ኣብ 2011 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ናብ ሶማሊያ ምእታዎም ይዝከር።
በዚ ዝተቖጠዐ ኣልሸባብ ድማ፡ ምስ ኬንያ ናብ ኲናት ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







