ኬንያ፡ ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ መደበር ፖሊስ መጥቃዕቲ ኣካይዶም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ሶማል ዝዓስከረ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያ፡ ዋጂር ዝርከብ መደበር ፖሊስ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ከም ዘካየደ፡ ጋዜጣ ደይሊ ኔሽን ጸብጺባ።
እቶም ዕጡቓት፡ ረቡዕ ንጉሆ ንመደበር ፖሊስ ዳዳጃቡላ ኣብ ሮኬት ብዝተጻወደ ተፈንጃሪ ዝርከቦም ከበድቲ ኣጽዋር ተጠቂሞም ከም ዝደብደቡ እታ ጋዜጣ ሓቢራ።
ክልተ ኣባላት እቲ ጉጅለ ኣብቲ መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኮይኖም፡ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ማእሰርቶም ዝተትሓሓዘ ከም ዝኾነ ሓደ በዓል ስልጣን እቲ ከባቢ ተዛሪቡ።
እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝነበሩ ክልተ ዕጡቓት ኣብቲ መጥቃዕቲ ክቕተሉ እንከለው፡ ክልተ ኣባላት ፖሊስን ሓደ ሓለዋን ምቑሳሎም እቲ ጋዜጣ ጸብጺቡ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







