ንፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ካብ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ዘናገፈ ስርሒት ጌታቸው ኣሰፋ

ሱዛን ራይስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣማኻሪት ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ጉዳያት ሃገራዊ ጸጥታ ዝነበረት ሱዛን ራይስ

ኣማኻሪት ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ጉዳያት ሃገራዊ ጸጥታ ዝነበረት ሱዛን ራይስ፡ ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ 2015 ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊኡ መጥቃዕቲ ክገብሩ መደብ ከም ዝነበሮም ዝገልጽ ስለያዊ ሓበሬታ ምርካቦም "ከቢድ ጭንቀት" ፈጢሩሎም ምንባሩ ተዛሪባ።

ኣምባሳደር ሱዛን ራይስ ምስ ሲ-ስፓን ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣመሪካ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ ፕረዚደንት ኦባማ ክሳብ እቲ ኩነታት ዝጻረ ብናይ ባዕሉ ሓለውቲ (ሲክረት ሰርቪስ) ኣብ ሓደ ጸቢብ መጽንሒ ክፍሊ "ክዳጎን" ምግዳዱ ከም ዘንጸርጸሮ ጠቒሳ።

"ኣብታ ናይ መጀመርታ ለይቲ፡ እቲ ወግዓዊ ናይ ድራር እንግዶት ምስ ተወደአ፡ ከም ልማደይ፡ ናብ መደቀሲ ክፍለይ ተመሊሰ፡ ናብ ዓራተይ ክስቀል'የ ዝዳሎ ነይረ።"

"ማዕጾይ ተኳሕኲሑ፡ እታ ከም ሓላፊት ቤት ጽሕፈት (ቺፍ ኦፍ ስታፍ) ኮይና ትሰርሕ ዝነበረት ምክትል ሓለቓ ቤት ጽሕፈት [ፕረዚደት] ኣኒታ ደከር ብረከንሪጅ'ያ ነይራ።"

"ናይ ለይቲ ክዳነይ'የ ተኸዲነ ነይረ፡ ምሳይ ክትመጺ ኣለኪ ትብለኒ። ጫማ ኣይነበረኒን፡ ናይ መደቀሲ ክዳነይ ጥራይ'የ ተኸዲነ። ናብቲ ሓለዋ ፕረዚደንት፡ ሲክረት ሰርቪስ፡ ዝደኮንዎ ናይ ቴንዳ ክፍሊ ወሪድና....."

ባራክ ኦባማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ኣቀባብላ ኣብ ዝተገብረሉ እዋን
መግለጺ ስእሊ, ባራክ ኦባማ እቲ ንፈለማ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ዝበጽሐ ፕረዚደንት ኣመሪካ'ዩ

እቲ ክፍሊ ንመራኸቢታት ጸጥታ ዝጥቀሙሉ ኮይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝገሸሉ እዋን ዝጥቀምሉ'ዩ።

ኣብቲ ክፍሊ፡ ሓላፊ ሓለዋ ፕረዚደንትን፡ ካልኦት ኣባላት ሓለዋ 'ሰክረት ሰርቪስ' ምስ ኣባላት ጸጥታ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዝጸንሑዋ ድማ፡ ዙዛን ራይስ ትጠቅስ።

እቶም ሓለፍቲ፡ ሶማላዊ ጉጅለ ኣልሸባብ "ኣብ ዝቕጽል መዓልቲ ፕረዚደንታዊ ቃፍላይና ካብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ተበጊሱ ናብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዘምራሓሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት መጥቃዕቲ ክፍጽሙ መደብ ከም ዘለዎም፡ ርጡብ ሓበሬታ ከም ዘለዎም ሓቢሮሙኒ"

"እቲ ሓበሬታ ምስ በጽሓና፡ ዓቲብና ክንርእዮ ከም ዘለና ርዱእ'ዩ ነይሩ።

"ድሕሪኡ ናብ ዋሺንግተን ደዊለ፡ ኩሉ ዓቕምታትና ነቲ ስግኣት ኣብ ምህዳን ክዋፈር ንምርግጋጽ፡ ምስቶም ኣዝዮም ኪኢላታትን ኣድማዕትን፡ ምናልባት'ውን ጨካናት ክበሃሉ ዝኽእሉ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ'ውን ክንራኸብ ጀሚርና።"

ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ዑደት ዛዚሙ ብቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም እናተፋነወ 28 ሓምለ 2015

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ዑደት ዛዚሙ ብቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም እናተፋነወ 28 ሓምለ 2015

"ነቲ ጥርጡር ይከታተልዎ ከም ዘለዉን፡ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ኣእትዮሞ ከም ዘለዉን፡ ዘጨንቕ ከም ዘይብልናን ይነግሩና። ክንጭነቕ'ሞ ናይ ግድን'ዩ...።"

ሓምለ 28፡ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ኣደራሽ ሕብረት ኣፍሪቃ መደረ ዘስምዓሉ መዓልቲ'ዩ ዝነበረ። ኣብቲ ዘስምዖ መደረ፡ ነቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑን፡ ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ቅዋም ዘመሓይሹን መራሕቲ ኣፍሪቃ ብትሪ ዝነቐፈሉ ኣጋጣሚ'ዩ ነይሩ።

እቲ ንፈለማ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ዝበጽሐ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ነታ ኣንጻር ጉጅለ ኣልሸባብ ምስ ምምሕዳሩ ትደጋገፍ ዝነበረት ኢትዮጵያን'ውን "ምርእይቲ መሻርኽቲ" ክብል ገሊጹዋ ምባሩ ይዝከር።

ሱዛን ራይስ ብዛዕባ'ቲ ደሕሪ'ቲ መደረ ዘጋጠመ ወጣሪ ኩነታት ክትገልጽ እንከላ፡ "ናብ ማዕርፎ ነፈርቲ ክንብገስ ኣብ መካይና ክንኣቱ እናተቐረብና፡ እቲ ኢትዮጵያውያን ዝሃቡና ውሕስነት ባዶሽ ኮይኑ ረኺብናዮ። ምኽንያቱ ሃንደበት፡ ኣመሪካውያን [ኣባላት ጸጥታ] እቲ ጥርጡር ከም ዘይተታሕዘን፡ ኣብ ከባቢ ናይቲ ናብ ማዕርፎ ነፈርቲ ዝወስድ ጽርግያ ከምዘሎን ሓበሬታ ይረኽቡ።"

"ስለዚ ፕረዚደንት ብቕልጡፍ ናብ ሓደ መጽንሒ ክፍሊ ተወሲዱ። ብናይ ባዕሉ ሰባት [ጸጥታ] ኣብዚ መጽንሒ ክፍሊ ምድጓኑን ንሃገሩ ከይምለስ ምኽልካሉን ስለ ዘይፈለጠ ከንጸርጽር ጀሚሩ።

"ኣነ ድማ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብ ኣኼባ ኣለኹ። ሓያሎ ካብ መሳርሕተይ፡ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ኣዚና ምሽቓልናን፡ ነቲ ኩነታት ክሳብ ነጻሪ ነቲ ፕረዚደንት ከም ዘይነቀሳቕሶ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ይገልጽሉ ነይሮም።"

'ዘ ቢስት' ('እታ ኣራዊት') ተባሂላ ትጽዋዕ ወግዓዊት መኪና ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, 'ዘ ቢስት' ('እታ ኣራዊት') ተባሂላ ትጽዋዕ ወግዓዊት መኪና ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ኣብቲ እዋን'ቲ ኣቶ ሃይለማርኣም ደሳለኝ'ዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነይሩ።

ሓንቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተቐመጠት መሳርሕታ፡ ንሓላፊ ጸጥታ ኢትዮጵያ ብተሌፎን ረኺባ፡ እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ክፍጽም መደብ ኣለዎ ዝተባህለ ሰብ ኣበይ ከምዘሎ ከም ዘይፍለጥን፡ እቲ ኩነታት ከም ዘስግኦምን ገሊጻትሉ ትብል ሱዛን ራይስ።

"ንሱ [እቲ ሓላፊ ጸጥታ ኢትዮጵያ] ድማ፡ ጸገም የለን ይብላ ...ንሳ ድማ፡ ኣሎ እምበር ትብሎ...እንታይ ኮይኑ ጸገም ዘይከውን፡ ኣበይ ኣሎ እቲ ሰብ...?"

"ኣብ መወዳእታ ምሳይ ኣሎ፡ ይብል እቲ ሓላፊ ጸጥታ። ኣብቲ ማዕርፎ ነፈርቲ።"

"ኣብቲ ማዕርፎ ነፈርቲ! ምሳኻ ኣሎ? ንብሎ ንሕና ከኣ።"

"እወ፡ ኣብ መኪናይ ኣሎ።"

"...ኣነ ድማ ኣብ ናይ ድሕሪት መኪናኡ ተቐቢሩ ዘሎ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ክወጽእ ኣብ ዘይክእለሉ...ኣበይ ኣብታ መኪና ከም ዝነበረ'ውን ኣይፈልጥን፡ ፈጺመ ሓቲተሉ ኣይፈልጥን።

"ሲክረት ሰርቪስ [ሓለዋ ፕረዚደንት] እቲ ዝበሎ ሓቂ ምዃኑ ኣብቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣረጋጊጾም።

ኦባማ

ምንጪ ስእሊ, SIMON MAINA

ኣብቲ እዋን'ቲ ሓላፊ ሃገራዊ ጸጥታን ድሕነትን ኢትዮጵያ ዝነበረ፡ ጌታቸው ኣሰፋ እዩ ነይሩ። ንሱ፡ ብምግሃስ ሰባዊ መሰላት ክኸሰስ'ውን ጸኒሑ'ሎ። ብወገኑ ግን ዛጊት ነቲ ክሲ ርእይቶ ይኹን ምላሽ ኣይበሉን ዘሎ።

"ድሕሪ'ዚ ነቲ ፕረዚደንት ከነንቀሳቕሶ ኪኢልና።

"ኣብ ኤርፎርስ ዋን [ነፋሪት ፕረዚደንት ኣመሪካ] ተሰቒልና ... እንትርፎ ኣብ ናይ ኲናት ዞባ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣጋጢሙኒ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ንትኹል ተላዒልና...

"ኣእጋር ነፋሪት ምስ ተላዕለ ኢና እንታይ ከምዘጋጠመ ነቲ ፕረዚደንት ነጊርናዮ"። ግብረመልሱን፡ እንታይ ከም ዝበለን ግን ኣይሓበረትን።

"ንሃገርና እናተመለስና ገለ ውሑድ መስተ ሰቲና...." ብምባል ካብቲ ወጥሪ ምግልጋሎም ሩፍታ ከም ዝተሰምዖም ሱዛን ራይስ ኣዘንትያ።