ኣብ ሶማልያ ግዝኣት ኪስማዮ ኣብ ሓደ ሆቴል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 26 ሰባት ሞይቶም

ዕጡቓት ኣልሸባብ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ደቡባዊ ሶማልያ ኣብ ሓደ ሆቴል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ 26 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ።

በቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝተቐትሉ፡ ካናዳዊት-ሶማልያዊት ውርይቲ ናይ ቴሌቪዥን ጋዜጠኛ ሆዳን ናላየህ ሓንቲ ከምዝኾነት ጸብጻባት ሓቢሮም።

ውጻእ መዓት ናይቲ መጥቃዕቲ ነጊሮምና ክብሉ ሰብ-መዚ ሶማልያ ከምዝብልዎ፤ እቲ መጥቃዕቲ፡ ነታጕ ዝጸዓነት መኪና ናብቲ ሆቴል ጥሒሳ ድሕሪ ምእታዋ ዘጋጠመ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ እዩ።

ድሕሪ እቲ ምፍንጃር ድማ፡ ሓደ ዕጡቕ ውልቀሰብ ናብቲ ሆቴል ኣትዩ ብኣልማሚት ናብ ሰባት ክትኩስ ከምዝጀመረ ተገሊጹ።

በቲ መጥቃዕቲ ካብ መንጎ ዝተቐትሉ፡ ሰለስተ ኬንያውያን፣ ሰለስተ ታንዛንያውያን፣ ክልተ ኣመሪካውያንን ሓደ እንግሊዛውን ወጻእተኛታት'ውን ይርከብዎም።

ኣልሸባብ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ብምግላጽ ሓላፍነት ወሲዱ'ሎ።

ፖለቲከኛታትን ዓበይቲ ዓዲን ኣብቲ ሆቴል ኮይኖም ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ከባብያዊ መረጻ ብዝምልከት ዘተ እናገበሩ ከምዝነበሩ ተገሊጹ።

መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝብልዎ፡ ድሕሪ'ቲ ምፍንጃር ሽዑ ንሽዑ እዩ ኣድራጋ ጠያይቲ ተተኲሱ።

በዓል መዚ ጸጥታ ዝኾነ ኣብዲ ድሑል ንወኪል ዜና ፈረንሳይ ከምዝበሎ፡ ካብቶም ዝተቐተሉ ኣመሓዳሪ ሚኒስትር ነበር ናይቲ ከባቢን ሓጋግን ከምዝርከብዎም ሓቢሩ።

መራኸብቲ ሓፋሽን ማሕበር ጋዜጠኛታት ሶማልያን ድማ፡ ጓል 43 ዓመት ጋዜጠኛ ሆዳን ናላየህን በዓል ቤታን'ውን በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐተሉ ገሊጾም እዮም።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

Presentational white space

ጋዜጠኛ ሆዳን ናላየህ ብዛዕባ ህይወት ሶማልያውያን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ኣድሂባ እያ መደባታ ተዳሉ ነይራ።

ቆልዓ ሽድሽተ ዓመት እንከላ ምስ ስድራኣ ናብ ካናዳ ዝተጉዓዘት ሆዳን ናላየህ፡ ኣብ ቀረባ እዋን እያ ናብ ሶማልያ ተመሊሳ።