ኣመሪካ፡ ዕሹግ 'ነታጒ' ናብ ሂላሪ ክሊንተንን ባራክ ኦባማን ተላኢኹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነታጒ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝተጠርጠረ ነገር ናብ ጸሓፊት ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝነበረት ሂላሪ ክሊንተን፡ ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ፡ ዳይረክተር ትካል ስለያ ኣመሪካ ሲ ኣይ ኤ ነበር ጆን ብረናንን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ከም ዝተልኣከ፡ ትካል ሓለዋ መራሕቲ 'ሲክረት ሰርቪስ' ገሊጹ።
እዚ፡ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ፍሉጥ ኣሜሪካዊ ሃብታም ጆርጅ ሶሮስ ቡምባ ድሕሪ ምርካቡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ።
እቲ መሳርሒታት፡ በቶም ናብ ሰበስልጣን ነበር ዝላኣኽ መልእኽቲ ዘጻርዩ ኪኢላታት'ዩም ተረኺቦም።
መደበር ቴሌቪዥን ሲ ኤን ኤን ብወገኑ፡ ብሰንኪ ተመሳሳሊ ነታጒ ስለዝተላእከሉ ነቲ ኣብ ኒውዮርክ ዘሎ ቤት ጽሕፈቱ ከም ዝዓጸዎ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, CBS
እቲ ናብቲ መደበር ተለቪዥን ዝተላእከ ነታጒ ነቲ ኣብቲ መደበር ቃለመጠይቕ ንምግባር ከም ዝመጽእ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዳይረክተር ሲ ኣይ ኤ ነበር ጆን ብረናን ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ወኪል ኤፍ ቢ ኣይ ገሊጹ።
ብመሰረት'ቲ ናይ ጸጥታ ትካል ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ዕሹግ ደባብዳበ ብ23 ጥቅምቲ እዩ ናብ ሂላሪ ክሊንተን ተላኢኹ።
"ሎሚ ንጉሆ፡ 24 ጥቅምቲ 2018፡ ናብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ዝተጻሕፎ ካልኣይ ዝተዓሸገ መልእኽቲ ብኣባላት 'ሴክረት ሰርቪስ' ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተጠሊፉ" ክብል መግለጺ ናይቲ ትካል ወሲኹ ገሊጹ።
"እቲ ዝተላእከ ዕሹግ መልእኽቲ፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ኣድራሻ ከይበጽሐ'ዩ ተጠሊፉ። እቶም ሓለዋ ዝግበረሎም ሰበስልጣን ነበር ነቲ ዕሹግ ኣይተቐበልዎን፡ ስለዚ ድማ ንዝኾነ ሓደጋ ኣይተቓልዑን"።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓደ "ከም ተባራዒ መሳርሒ" ክሰርሕ ዝኽእል ነገር ኣብ መንጎ'ቲ ናብቲ ኣብ ቻፓኲ፡ ኒውዮርክ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ሂላሪ ክሊንተን ዝተልኣኸ ደብዳበታት ከም ዝተረኽበ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣሜሪካ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶስየትድ ፕረስ ሓቢሮም።
ትካል ጸጥታን መርመራን አመሪካ ኤፍ ቢ ኣይ ብወገኑ፡ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ተሓቢርዎ ከም ዘሎ ብምርግጋጽ ኣብ ምጽራይ ይተሓጋገዝ ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ።
ኣፈኛ ፕረዚደንት ነበር ኦባማ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ተሓቲታ፡ ምላሽ ክትህብ ፍቓደኛ ከም ዘይኮነት ገሊጻ።
ቅድሚ ክልተ መዓልታት ድማ፡ ሓደ ናይ ቱባ ቡንባ ኣብ መቐበሊ ደብዳበታት መንበሪ ገዛ ጆርጅ ሶሮስ ተረኺቡ ነይሩ።
ጆርጅ ሶሮስ፡ ንሊበራላዊ ምንቅስቓሳት ኣሜሪካ ብዝህቦ ዓቢ ደገፍ ብሕሉፋት የማናውያን ብዙሕ ምፍርራሓት ከም ዝበጽሖ ይፍለጥ።
እቲ መሳርሒ "ናይ ቡምባ ባእታታት ስለዝነበሮ" ባዕሎም ከም ዝፈንጀርዎ ዝምልከቶም ሰብ መዚ ተዛሪቦም።
"እዚ ተግባራት ግብረ ራዕዲ፤ ግናይ እዩ፡፡ ነዚ ዝፈጸመ ዝኾነ ይኹን ውልቀ ሰብ ድማ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርብ'ዩ" ክትብል ኣፈኛ ቤተመንግስቲ 'ዋይት ሃውስ' ሳራ ሳነደርስ ነቲ ተግባር ኮኒና።
'ሴክሬት' ሰርቪስ ነቲ ኩነታት ይምርምሮ ከም ዘሎ ብምሕባር ድማ፡ ኩሎም እቶም ነቲ ሓደጋ ዝተቓልዑ ሰባት እኹል ሓለዋ ክግበረሎም ምዃኑ ገሊጻ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







