ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኒኪ ሃለይ፡ ብወለንትኣ ካብ ሓላፍነታ ወሪዳ

ትራምፕ ምስ ሄሊ ኣብ ሕቡራት ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኒኪ ሃለይ ክልተ ዓመት ኣብቲ ስራሕ ድሕሪ ምጽናሕ ብፍቓዳ ካብ ሓላፍነታ ምወራዳ ኣፍሊጣ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ብምውራዳ ሕጉስ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኒኪ ሃለይ ከምሰብ ንዕኡ ኣዝያ ኣገዳሲት ከምዝነበረትን ኣዝዩ ዘደንቕ ስራሕ ከምዝሰርሐትን ገሊጹ።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኒኪ ሃለይ ክልተ ዓመት በቲ ሓላፍነት ድሕሪ ምግልጋላ፡ ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ከም ዝወረደት ኣፍሊጣ።

ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ [ኦቫል ኦፊስ] ምስ ኒኪ ሃለይ ኣብ ዝተረኣየሉ እዋን፡ ኒኪ ሃለይ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ''ዘደንቕ ስራሕ'' ከምዝሰርሐት ገሊጹ።

እታ ጓል 46 ዓመት ኣመሓዳሪት ደቡብ ካሮላይንን ካቢኔ ሚኒስትራት ትራምፕ ዝነበረትን ሃለይ፡ ስለምንታይ ብወለንትኣ ካብ መዝነታ ከም ዝወረደት ኣይገለጸትን።

እንተኾነ፡ ኣብ 2020 ኣብ ዝካየድ ፕሬዚደንታዊ ምርጫ ክትወዳደር መዲባ ስለዘላ ኢያ ካብ መዝነታ ወሪዳ ዝብል ግምት ነጺጋቶ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ዝመጽእ ክልተ ወይ ሰለስተ ሰሙን መተካእታ ኒኪ ክረቁሕ ምዃኑ ገሊጹ።

ምክትል ናይ ጸጥታ ኣማኻሪኡ ንዝነበረት፡ ንዲና ፖወል፡ ከም ሕጹይ ከቕርብ ውጥን ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ጓሉ ኢቫንካ ትራምፕ'ዉን ከም ኣምባሳድር ነቲ ሓላፍነት ብቕዕቲ ክትከውን ከም እትኽእል፡ እንተመሪጽዋ ግና ብወገንነት ክውቀስ ከምዝኾነን ገሊጹ።

ኢቫንካ ትራምፕን (ጸጋም) ዲና ፖወልን 2017

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዲና ፖወልን ኢቫንካ ትራምፕን ካብ መንጎ እቶም ንሄሊ ዝትክኡ ዶ ይኸና?

ድሕሪ ቅሩብ ሰዓታት ግና፡ ኢቫንካ ኣብቲ ውድድር ከምዘየላ ሓቢራ።

ኢቫንካ ብትዊተር ኣብ ዝዘርገሐቶ ሓበሬታ፡ "ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ምስ ብዙሓት ዓበይትን መዘና ዘይብሎምን መሳርሕቲ ክሰርሕ ንዓይ ዓብዪ ክብረት ኢዩ።

ርግጸኛ ኢየ ፕሬዚደንት ትራምፕ ንኣምባሳደር ኒኪ ሃለይ ዝትኽእ ብቕዓት ዘለዎ ሰብ ከምዝሓጺ እፈልጥ ኢየ ኢላ። እንተኾነ ኣነ፡ ንኒኪ ዝትክእ ኣይኮንኩን'' ኢላ።

ኒኪ ሃለይ ብዛዕባ ሃንደበታዊ ውሳንኣ እንታይ ኢላ?

ኒኪ ሃለይ ብዛዕባ እቲ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ዝኾነ መብርሂ ኣይሃበትን ጥራይ ዘይኮነ ንሓዋሩ እንታይ ክትገብር ከምዝኾነት'ውን ኣይገለጸትን።

''ዛጊት እንታይ ከምዝገብርን ናበይ ከምዝኸይድን ኣይውሰንኩን''።

እንተኾነ ኣጻብዕታ ናብ ትራምፕ እናመልከተት ድማ ''ነዚ ሰብ'' ኣብቲ ዝካየድ ምርጫ ክጉስጉሰሉ ኢየ ኢላ።

''ንዓይ ኣዝያ ኣገዳሲት ሰብ ኢያ ነይራ። ኣዝዩ ዘደንቕ ስራሕ ድማ ሰሪሓ። ኣደናቒትን ኣገዳሲትን ሰብ ኢያ ነይራ'' ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ።

ኣባላት ባይቶ ሰልፊ ሪፓብሊካን ብሰሉስ ኒኪ ሃለይ ብፍቓዳ ካብ ሓላፍነታ ምውራዳ ንኢዶም።

ናይ ደቡብ ካሮላይን ኣባል ሴኔት ሊንድሲ ግራሃም ድማ ኒኪ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ''ሓቀኛ ወኪል ለውጢ'' ኢያ ነይራ ኢሉ።