ካኒየ ዌስት፡ ናይ ትራምፕ ቆቢዕ ብምውዳዩ ፍሉይ ሰብ ዝኾነ ተሰሚዕዎ

ካኒየ ዌስት

ምንጪ ስእሊ, Pool

ውሩይ ኣሜሪካዊ ደራፋይ ካኒ ዌስት ኣብ ኦቫል ኦፊስ [ቤት ጽሕፈት ትራምፕ] ኣብዝነበረ ኣጋጣሚ ንፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዘገርም ናእዳ ኣቕሪብሉ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ንኣሜሪካ ዳግም ዓባይ ምግባር ዝተጻሕፎ ቆቡዕ ብምውዳየይ "ልክዕ ከም ሱፐርማን ተሰሚዑኒ" ኢሉ ካኒየ ዌስት።

ካኒየ ዌስት ብዛዕባ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኪግበር ብዛዕባ ዝግብኦ ጽጋናን ካልእ ጉዳያትን ንምዝርራብ ኢዩ ናብ ዋይት ሃውስ [ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ] ዝተዓደመ።

ድሕሪ'ቲ 10 ደቓይቅ ዝወሰደ መደርኡ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ርእሱ ብምንቕናቕ ደገፉ ድሕሪ ምግላጽ ድማ "ብሓቂ ፍሉይ ነገር'ዩ" ኢሉ።

ካኒየ ዌስት ነቲ ፕሬዚደንት ትራምፕ ዝሃቦ ደገፍ ክምልስ ከሎ ድማ "ካብ ውሽጠይ ኢዩ" ኢሉ።

ብምቕጻል፡ ነዚ ሰብ'ዚ ብሓቂ ኢየ ዝፈትዎ ድሕሪ ምባል ንፕሬዚደንት ትራምፕ ሓቚፍዎ።

ድሕሪ'ቲ ካኒየ ኣብ ጉዳይ ጽገና ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ስነዓን ፖለቲካን ካብኡ ድማ ኣብ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ዝገበሮ ነዊሕ መደርኡ "የዕሩኽተይ ነዛ ቆቢዕ ከይወድይ የፍራርሑኒ ነይሮም፡ እንተኾነ እዛ ቆቢዕ ሓይሊ ብርትዐ ሂባትኒ" ኢሉ።

ካኒየ ዌስትን ትራምፕን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካኒየ ዌስትን ትራምፕን

ካኒየ ዌስት ነቲ ሰባት ናይ ሓደ ፍሉይ ሰልፊ ኣባላት ጥራይ ክኾኑ ኣለዎም ዝብል ኣረጊት ኣተሓሳስባ ናይ ገለ ሰብ ዝና ሰባት ነጺግዎ።

እቲ ኩሎም ጸለምቲ ኣባላት ስልፊ ዴሞክራት ኢዮም ዝብል ብሂል'ውን ነጺግዎ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ኣብ 2016 ዝተኻየደ መረጻ ካብ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን 8 ሚኢታዊ ድምጺ ኢዩ ረኺብ።

ካኒ ዌስት ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ኣብ ቺካጎ ዝነብር ዕሉል ወረበላ ምሕረት ኪገብረሉ ድሕሪ ምሕታት፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ቺካጎ ፋብሪካ ክተክል ድማ ሓቲትዎ።