ደቡብ ካሎሪና፡ ናብ ሸውዓተ ፖሊስ ኣሜሪካ ጥይት ዝተኮሰ ውልቀሰብ ተኣሲሩ

ምንጪ ስእሊ, EVN
ኣብ ደቡብ ካሎሪና ሃንደበት ብዝተተኮሰ ጥይት ካብ ሞንጎ ዝተወቕዑ ሸውዓተ ኣኽበርቲ ሕጊ (ፖላይስ) ኣሜሪካ፡ እቲ ሓደ ከም ዝሞተ ሰብመዚ ኣሜሪካ ገሊፆም።
ፖሊስ ከተማ ፍሎረንስ ካብ ቤትፅሕፈት ሸሪፍ ንዝተደወሎ ናይ ሓገዝ ፃውዒት ኣብ ምምላስ እንከሎ እዩ ሃንደበት እዚ ሓደጋ ኣጋጢሙ።
እዚ ጠበንጃ ዝተዓጠቐ ውልቀ ሰብ፡ ክልተ ህፃናት ከም መከላኸሊ (ጅሆ) ብምሓዝ እዩ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ፖላዊስ ጠያይቲ ዘዝነበ።
ይኹን እምበር እዚ መንነቱ ዘይተፈለጠ ውልቀሰብ ንምንታይ ኣብ ልዕሊ ኣኽበርቲ ሕጊ ነዚ ተግባር ክፍፅም ከምዝደለየ ግልፂ ኣይኮነን።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንኣማሓዳሪ ደቡብ ካሎሪና ሄንሪ ማክማስተር ብምፅራሕ፡ ብዛዕባ እዚ ኣብ ፖላዊስ ዝተፈፀመ ተኹሲ ኣብ ትዊተሮም ሓዘኖም ገሊፆም።
መዝገብ ፖሊስ ኣሜሪካ ከምዝሕብሮ፡ ዛጊድ 23 ሽሕን 408 ፖላዊስ ኣሜሪካ ኣብ ዕማም እንከለዉ ዝተቐተሉ እንትኾኑ፡ እቶም 112 ድማ ሎሚ ዓመት እዮም ተቐቲሎም።
ኣብ ዓመተ 2017 ድማ ልዕሊ 15 ሽሕ ኣሜሪካዊያን ብሽጉጥ ከምዝተቐተሉ መረዳእታታት ይሕብሩ።
እዚ ኣሃዝ ቁፅሪ ናይቶም ብከቢድ ብረት ርእሰ ቅትለት ዝፈፀሙ ኣስታት 22 ሽሕ ኣሜሪካዊያን ኣይሓውስን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







