ሴካፋ 2021፡ ሓሙሽተ ደቂ-ኣንስትዮ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ሆቴለን ከምስተሰወራ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Eritrean National Football Federation
ሓሙሽተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት ካብ ሆቴለን ከምዝተሰወራ ሰብመዚ ሴካፋ ኣረጋጊጾም።
ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ምብራቕ ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እተን ተጻወቲ ብሰሉስ ንጉሆ ካብቲ ኣብ ጂንጃ ዝርከብ ሆቴለን ከምዝተሰወራ ሓቢሩ።
"እቲ ጉዳይ ንፖሊስ ጂንጃ ተሓቢሩ'ሎ፡ መርመራ'ውን ይካየድ ኣሎ" ክብል ኣብቲ ብሰሉስ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ።
እተን ተጻወቲ ኣካል ናይታ ኣብቲ ካብ 28 ጥቅምቲ ክሳብ 9 ሕዳር ኣብ ኡጋንዳ ዝካየድ ዘሎ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ሴካፋ 2021 ትሕቲ 20 ዓመት ክትሳተፍ ናብታ ሃገር ዝኣተወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እየን።
"ሴካፋ፡ ፈደረሽን ማሕበራት ኩዕሶ እግሪ ዩጋንዳን ፖሊስን፡ ነተን ተጻወቲ ንምርካብ ዝክኣሎም ይገብሩ ኣለዉ" ይብል እቲ መግለጺ።
እታ ኣብ ክልተ ፈላሚ ግጥማታ ብታንዛንያን ኢትዮጵያን ዝተሳዕረት ጋንታ ኤርትራ፡ ጽባሕ ረቡዕ ምስ ኣአንጋዲት ጋንታ ዩጋንዳ ግጥም ከምዘለዋ ይፍለጥ።
ንውድድር ናብ ወጻኢ ዝኸዱ ኤርትራውያን ተጻወቲ ብኸምዚ ኣገባብ ክሃድሙ እዚ ናይ መጀመርታ ግዜ ኣይኮነን።
ኣብ ጥቅምቲ 2019፡ ኣርባዕተ ደቂ-ተባዕትዮ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ካብ ጋንትኦም ብምስዋር ኣብታ ሃገር ዕቑባ ምሕታቶም ይዝከር።
ቅድሚ ሕጂ'ውን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብቲ ክጻወቱ ዝኸድወን ሃገራት ክጠፍኡን፡ ብኡ ኣቢሎም ዕቑባ ክሓቱን ጸኒሐም'ዮም።
ኣብ 2015 እውን፡ 10 ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ መጻረዪ ግጥም ናብ ቦትስዋና ድሕሪ ምእታዎም፡ ዕቑባ ከም ዝሓተቱ ይዝከር።
ኣብ 2013 ድማ፡ 9 ኣባላት ናይታ ጋንታን ኣሰልጣኒኦምን ኣብ ኬንያ ተሰዊሮም ነይሮም።
ኣብ 2012: 15 ኤርትራውያን ተጻወቲን ሓደ ሓኪም ጋንታን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ምስ ተሰወሩ፡ ኣብ 2013 ኣብ ኡጋንዳ ዕቑባ ሓቲቶም ነይሮም። እቶም ተጻወቲ ኣብ ናይ ሴካፋ ናይ ዓበይቲ 'ቻለንጅ ካፕ 2012' ክጻወቱ'ዮም ናብታ ሃገር ከይዶም።
ኣብ 2009 ድማ 12 ተጻወቲ ኣብ ኬንያ ድሕሪ ምስዋሮም: ኣሰልጣኒን ሓደ በዓል ስልጣን ስፓርትን ጥራይ ንኣስመራ ከም ዝተመለሱ ጸብጻባት ናይቲ እዋን ይገልጹ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







