ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ መረፃ ሃገሩ 'ዓለምለኻዊ መለክዒታት ኣየማልእን' ንዝበሉ ሰነተራት መልሲ ሂቡ

ምንጪ ስእሊ, Eth News Agency
ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዘይሻራዊ ምዃኑን እቲ መረፃ ዴሞክራስያዊን ተኣማንን ንክኸውን መንግስቲ ቆራፅነት ከም ዘለዎ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ፍፁም ኣረጋ ገሊፁ።
እቲ ኣምባሳደር፡ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ተካይዶ መረፃ ዓለምለኸ ረቛሕታት ኣየማልእን ንዝበሉ ሰነተራት ኣሜሪካ፡ ምላሽ ኣብ ዝሃበሉ ደብዳበ እዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ።
እቶም 5 ሰነተራት እንታይ እዮም ኢሎም?
ሓሙሽተ ሰነተራት ኣሜሪካ፡ ኢትዮጵያ እተካይዶ ሃገራዊ መረፃ ብመንፅር ሕዚ ዘሎ ኩነታት እታ ሃገር፡ ናፃ፣ ሚዛናውን ግልፅን ኮይኑ ዓለምለኸ ረቛሕታት ኣየማልእን ኢሎም ነይሮም።
እቶም ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምምሕዳር ፕረዝደንት ጆ ባይደን ኮይኑ ናብ ዝተመዘዘ ኣምባሳደር ጆፍሪ ፌልትማን ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ መረፃ ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ረቛሒታት ከም ዘየማልእ ገሊጾም ነይሮም።
ሰነተራት ቤንጃሚን ኤል ካርዲን፣ ቲም ኬይን፣ ጃኪ ሮስን፣ ኮርይ ኤ ቡከርን ኤድዋርድ ጄ ማርኬይን ኣብ ዝጽሓፉዎ ደብዳበ ብዛዕባ ትግራይ፣ መረፃ ኢትዮጵያን ኣብ ካልኦት ከባብታት እታ ሃገር ብዛዕባ ዘለዉ ጎንፅታትን ዘለዎም ስክፍታ ገሊፆም።
ኣምባሳደር ፍፁም ኣረጋ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ከኣ "መፃኢ ሃገራዊ መረፃ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ እዩ፤ ነቲ መረፃ ዘፈፅም ቦርድ መረፃ'ውን፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዘይሻራዊ እዩ" ኢሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ "መንግስቲ እቲ መረፃ ናፃን ግሉጽን ንክኸውን ዘይተሓለለ ፃዕሪ ገይሩ፤ ይገብር'ውን ኣሎ" ኢሉ።
ይኹን'ምበር፡ ኣብ ዝኾነት ሃገር ዝካየድ መረፃ ፍፁም ክኾን ትፅቢት ኣይግበርን ዝበለ እቲ ኣምባሳደር፡ እቲ መረጻ ኢትዮጵያ ናብ ስርዓት ብዝሃነት ውድባት ፖለቲካ ከሳግራ'ዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ።
ኣብዚ መረፃ 47 ውድባት ፖለቲካን ልዕሊ 8 ሽሕ ሕፁያትን ክሳተፉ ከም ዝተመዝገቡ ዝገለፀ ኣምባሳደር ፍፁም፡ ምስ መረፃ ተዛሚዶም ዝለዓሉ ዘይምርድዳኣት ድማ ናይ ፍትሒ ኣካል ብዘይሻራዊ መገዲ ከም ዝርእዮ ሓቢሩ።
ዓለምለኸ ተዓዘብቲ መረፃ'ውን ነቲ መስርሕ ክዕዘቡ ፃውዒት ከም ዝቐረበሎም ኣምባሳደር ፍፁም ገሊፁ።
ቅልውላው ትግራይ
እቶም ሰነተራት ኣብ ትግራይ ጥራይ 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ህፁፅ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ሓቢሮም።
ብተወሳኺ ልዕሊ 1.7 ሚልየን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ከም ዝርከቡን: ልዕሊ 62 ሽሕ ህዝቢ ናብ ሱዳን ከም ዝተሰደደን ኣብ ደብዳብኦም ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ትግራይ ከም ዝኣቱ ክገብር፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፅእ፣ ኣብቲ ክልል ዝተፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብናፃ ኣካል ክምርመሩን ነቲ ግህሰት ዝፈፀሙ ሰባት ናብ ሕጊ ንኽቐርቡ ዘኽእል ዲፕሎማስያዊ ኣማራፅታት ክቐርቡ ከም ዝድግፉ'ውን ኣብሪሆም።
ኣምባሳደር ፍፁም ብወገኑ፡ "ኣብ ትግራይ ዝተኸሰተ ቅልውላው፡ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል መጥቃዕቲ ስለ ዝፈፀመ እዩ፤ መንግስቲ ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ኣብ መላእ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ከቕርቡ ፈቒዱ እዩ" ኢሉ።
ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሱ ዝኣተወ ስግኣት ድሕንነት ስለ ዘለዎ'ዩ ብምባል ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝወፅእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ንባይቶ እታ ሃገር ተዛሪቡ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ'ውን ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ከም ዘውፅእ ብወግዒ ገሊጹ።
ኣምባሳደር ፍፁም፡ ኣብ ትግራይ ተፈፂሞም ዝተባህሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ንክምርመሩን ነዚ ዝፈፀሙ ናብ ሕጊ ንምቕራብ መንግስቲ ብዕቱብ ከም ዝሰርሕ ገሊጹ።
እቲ ግጭት፡ ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምምዝባል ከም ዘስዓበን ልዕሊ 60 ሽሕ ነበርቲ ናብ ሱዳን ክሃድሙ ከምዝተገደዱን ጸብጻባት ትካላት ረዲኤት የረድኡ።
ቁጽሮም ብንጹር ዘይተፈልጠ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ኲናት ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
ትካላት ሰባዊ መሰላት፡ እቲ ኣብ ኩነታት ተፈጺሙ ዝብሃል ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ብናጻ ኣካል ክጻረ ክጽውዑ ምጽንሖም ይዝከር።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ ኣብ ማእከል ኲናት ዝተቐርቀረ ህዝቢ ንምድጋፍ ትካላት ረዲኤት ናብቲ ክልል ክኣትዉ'ኳ እንተ ኣፍቀደ፡ እቲ ናብ ገጠራት ዝበጽሕ ዘሎ ሓገዝ ውሱን ምዃኑ ትካላት ረዲኤት ይገልጹ።
እቲ ብ3 ሕዳር 2020 ኣብቲ ክልል ዝተጀመረ ኲናት፡ ዋላ'ኳ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ወርሒ ከምዝተወደአ ብመንግስቲ ፈደራል ተገሊጹ እንተነበረ፡ ንልዕሊ 6 ኣዋርሕ ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







