እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ብመንግዲ ኮቫክስ ክታበት ኮቪድ 19 ይቕበላ ኣለዋ
ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ በቲ ንድኻታት ሃገራት ክታበት ኮሮናቫይረስ ከከፋፍል ብሕቡራት ሃገራትን ውድብ ጥዕና ዓለምን ዝቆመ ፕሮግራም ኮቫክስ ቀዳማይ ገጽ ክታበት ኮሮናቫይረስ ይበጽሕን ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ኬንያ ሎሚ ሮቡዕ 1.02 ሚልዮን ብልቃጥ ብኦክስፎርድ ዝፈረየ ክታበት ኣስትራ ዘኔካ ተቐቢላ ኣላ።
በዚ መሰረት ኬንያ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እታ ሳልሰይቲ ሃገር ብፕሮግራም ኮቫክስ ክታበት ዝተቐበለት ሃገር ኮይና ኣላ።
እዚ ኬንያ ተቐቢላቶ ዘላ ቀዳማይ ገጽ ዕደላ ክታበት ብውሕዱ ንፍርቂ ሚልዮን ሰባት ክልተ እብረ ክታበት ከኽትብ ዝኽእል እዩ፡ ብመሰረት ኬንያ ዝሰረዓቶ ቀዳምነታት ሰራሕተኛታት ትካላት ጥዕና፡ መምሃራን፡ ፖሊስን ኣረጋውያንን ተጠቀምቲ እዚ ቀዳማይ ገጽ ክኾኑ እዮም።
ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ’ውን ሰሉስ ምሽት ብመንገዲ ሚኒሰትር ጥዕና እታ ሃገር ኢተን ሎንጎዶ ኣቢላ 1.7 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣስትራ ዘኔካ ካብ ፕሮግራም ኮቫክስ ተቐቢላ ኣላ።
ብመሰረት ፕሮግራም ኮቫክስ ኣውጽኢዎ ዘሎ መደብ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ክሳብ ወርሒ ግንቦት 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ ብሓፈሻ 6.9 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክትርከብ እያ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣንጎላ 624,000 ብልቃጥ፡ ካምብያ 36,000 ብልቃጥ ክታበታት ሎሚ ሮቡዕ ካብ ፕሮግራም ኮቫክስ ተረኪበን ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ እየን።
ሃገራት ጋና፡ ናይጀርያን ኣይቮሪኮስትን’ውን ካብ ፕሮግራም ኮቫክስ ክታበት ተቐቢልን ድሮ ምኽታብ ጀሚረን ዘለዋ ሃገራት እየን።
ፕሮግራም ኮቫክስ ኣብ ታሪኽ ዓለም እቲ ዝዓበየ ውህደት ምክፍፋል ክታበታት እዩ።
ኮቫክስ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ክልተ ቢልዮን ብልቃጥ ክታበታት ናብ ድሩት ዓቕሚ ዘለወን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ከከፋፍል እዩ ተሊሙ ዘሎ።
እንተኾነ፡ እዚ ክልተ ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት፡ 20 ሚእታዊት ህዝቢ ናይተን ክሕገዛ ተሰሪዐን ዘለዋ ሃገራት ስለዝኾነ እኹል ከምዘይኮነ እዩ ዝግለጽ።
ሃብታማት ሃገራት ንምሉእ ህዝበን ዝኸውን ዝተፈላለየ ዓይነት ክታበት ኣቐዲመን ምስተን ክታበት ዘፍርያ ትካላት እናተሰማማዓ ይዕድግኦ ስለዘለዋ፡ ኣብ መስርሕ ክታበት፡ ድኻታት ሃገራት ድሕሪት ከይተርፋን ግዳይ ከይኾናን ውድብ ጥዕና ዓለም ብተደጋጋሚ ስክፍትኡ ክገልጽ ይስማዕ እዩ።