ቅልውላው ትግራይ፡ ንህይወቶም ዝሰግኡ ኢትዮጵያውያን ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት

ብሰኑይ ኣብ ልኡኽ ምኽባር ሰላም ደቡብ ሱዳን ተዋፊሮም ዝጸንሑ ገለ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ናብታ ናብ ሃገሮም ክትመልሶም ተዳልያ ዝነበረት ነፋሪት ክኣትው ፍቓደኛታት ከይኮኑ ተሪፎም'ዮም።

እዚኦም ተወለድቲ ትግራይ ኮይኖም፡ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ግዳያት ማእሰርትን ምንክልባትን ክንክውን ኢና ኢሎም ከም ዝሰግኡ እዮም ይዛረቡ።

ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ተጋሩ ዝኾኑ ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ታኣሲሮምን ኣካላዊ ማህሰይቲ በጺሑዎምን" ክብል ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ።

ነዚ ስዒቡ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ኢንዶክትርኔሽን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ብሰሉስ ንማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ 'ኣካላዊ መጥቃዕቲ' እቶም ዓቀብቲ ሰላም ዝሃቦ ርኢይቶ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ እቶም 15 ወተሃደራት ግን "ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ፈፈው ብምባልን ብምውጫጭን ህውከት ክፈጥሩ ፈቲኖም" ክብል ነቒፉ።

ክሳብ ሰሉስ ብዝነበረ ሓበሬታ፡ 15 ኣባላት እቲ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን'ዮም ዘለው።

ሓደ ሽሙ ክጥቀስ ዘየፍቀደ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ኣባላት እቲ ልኡኽ ምኽባር ሰላም ዝነበሩ ወተሃደራት ግዳያት ከም ዝኾኑ ተዛሪቡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዕቑባ ከም ዝሓተቱ ዝገልጽ እቲ ኮሎኔል፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእን ኣብ ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ ሕጽረት መግብን ዘለዎም ስክፍታ ብምንጽብራቖም ከም ዝሰግኡ ተዛሪቡ።

"ኣብ ትግራይ ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት፡ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ምክልኻል ዝነበሩ እንፈልጦም ብጾትና ክእሰሩ ርኢና ኢና። እቲ መንግስቲ ብዘይውዓልናዮ ነገር'ዩ ዝኸሰና። ካብዚ ምኽባር ሰላም ዝተመልሱ ገለ ልኡኻት ኣብ ዝተፈላለየ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ይርከቡ። እዚ ኩሉ'ዩ ንህይወትና ክንሰግእ ገይሩና" ይብል።

እቲ ምኽንያት ወሲኹ፡ "ዕጥቅና ኣፍቲሖምና፤ ኣብ ውሽጢ 'ካምፕ' [መዓስከር] ብተወለድቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝኾኑ ወተሃደራት ንሕሎ ነይርና" ኢሉ።

ካልእ ሽሙ ክጥቀስ ዘየፍቀደ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕቑባ ዝረኸበ ወተሃደር ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንነጀው ምንቅስቓሶም ምክትታል ይግበሮ ምንባሩ ገሊጹ።

"ብብሄርና ምኽንያት ልክዕ ከም ጸላኢ ተራኢና ኩሉ ምንቅስቓሳትና ተደሪቱ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ጸኒሕና። ምስ ሰብና ኣይንራኸብን፣ ካብ ክልተ ንላዕሊ ከፍ ከይትበሉ ተባሂልና፣ ነጻነትና ተሓዲግና ኢና ነይርና። ሚዲያ ካብ ናይ መንግስቲ ወጻኢ ካልእ ክንሰምዕ ኣይፍቀድን፤ ሙሉእ ነጻነትና ስኢንና" ክብል ይዛረብ።

ኣብ 3 ሕዳር 2020፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ግን፡ ፌዴራል መንግስቲ "ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።

ህወሓት፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ናብ ትግራይ ከይኣትዉ 'ቀዲሞም ንምክልኻል' ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

እቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገ መንግስታዊን ምትፍናን፡ መንግስቲ ፌደራል ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ መደብ ወጺኡሉ ዝነበረ ሃገራዊ መረጻ ምስ ኣናውሖ እናኸረረ ምምጽኡ ይዝከር።

ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዱጃሪክ ብሰኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቶም ተጋሩ ወተሃደራት ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ድልየት ከም ዘይብሎም ብምግላጽ "ዝኾነ ዓለምለኻዊ ሓለዋ ዝደሊ ሰብ ዑቕባ ክሓትት መሰል ኣለዎ፤ ጉዳዮም ከኣ ብቐረባ ንከታተሎ ነይርና" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ "ህይወቶም ወይ ድማ ናጽነቶም ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ እንተደኣተሰሚዕዎም" ናብ ዓዶም ናይ ዘይምምላስ መሰል ኣለዎም ክብል ተዛሪቡ።

እቶም ሕጂ ዕቑባ ረኺቦም ዘለው ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ውሑስ ኩነታት ምህላዎም እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነበሩ 15 ኣባላት ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ናብ ሃገር ኣይንምለስ ኢሎም ምእባዮም ከረጋግጽ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብ ዝነበሩ 169 ብሓደሽቲ ልኡኻት ክትትክኦም መደብ ከም ዝነበራ ገሊጹ።

ዳይረክተር ዳይሮክተሬት ኢንዶክትርኔሽን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሜ/ጀነራል መሓመድ ተሰማ፡ ነቶም ወተሃደራት "ምስሊ ኢትዮጵያን እቲ ሰራዊትን ይዘርጉ" ነይሮም ክብል ከሲሱ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ሕቶ ዕቑባ እቶም 15 ወተሃደራት ዝተቐበለ ዩኤንኤችሲኣር "ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርግሑ" ይቕሬታ ክሓትት ኣለዎም ክብል ከሲሱ።

ከም ሓበሬታ እቲ ኮሎኔል እንተኾይኑ፡ ልዕሊ 200 ተጋሩ ዓቀብቲ ሰላም ንዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ኣብ ደቡብ ሱዳን ጸኒሖም።

ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስትፋኒ፡ እቶም ናብ ዓዶም ኣይንምለስ ዝበሉ ተጋሩ ካብ ሞንጎ እቶም ካብ ደቡብ ሱዳን ወጺኦም ብኻልኦት ክትክኡ ዝተሓሰበ 169 ኢትዮጵያውያን ዓቀብቲ ሰላም'ዮም ኢሉ።

እቲ ውድብ ካብ ዘለውዎ 17 ሽሕን 200 ወተሃደራት፣ ፖሊሲን ሲቪላትን፡ እቶም 2100 ኢትዮጵያውያን'ዮም።

ብሰኑይ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕቶ ዕቑባ እቶም 15 ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ከም ዝተቐበሎም ገሊጹ።

ካልኦት ኣርባዕተ ድማ፡ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ "ኣካላዊ መጥቃዕቲ" በጺሑዎም ናብ ሆስፒታል ከም ዝኣተው እቲ ኮሎኔል ሓቢሩ።