እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ኣብ ትግራይ ዝረኣኽዎ ኣዝዩ ኣተሓሳሲቡኒ ኣሎ’፡ ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል
ፕረዚደንት ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ ግዳያት ኲናት ንዝኾኑ ሰባት ተወሳኺ ሓገዛት ክበጽሕ ጸዊዑ።
ፍራንሴስኮ ሮካ ኣብ ናይ ትግራይ ዑደቱ ዝረኣዮ ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦ ተዛሪቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ንግዳያት እቲ ጎንጺ ከይበጽሑ ክልከላታት ይገብር ኣሎ ብዝብል ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ።
መንግስቲ ግና ረድኤት ናብቲ ክልል ክኣቱ ዝገብሮ ምትሕብባር ከዕዝዞ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።
ንዋና ከተማ ክልል ትግራይ ዝበጽሐ እቲ ፕረዚደንት፡ ብምኽንያት እቲ ኲናት ዝበጽሐ ጉድኣት እቶም ዝያዳ ንሓደጋ ተቓሊዖም ዘለው፡ ህጻናት፡ ኣደታትን፡ ኣረጋውያንን ምዃኖም ገሊጹ።
ንሱ ወሲኹ፡ ሆስፒታላት ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእሎም መሰረታዊ ናይ ሕክምና መሳርሒታት’ውን ከም ዘይብሎምን ልዑል ሕጽረት መግቢ ይኽሰት ምህላው ብምጥንቃቕ ኩሎም ወገናት ውሑስን ከልካሊ ዘይብሉን መገዲ ክኸፍቱ ጸዊዑ።
ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ቀጺሉ ዘሎ ጎንጺ፡ ንብዙሓት ንጹሃን ዜጋታት ንሓደጋ ከም ዘቃልዐን፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ተጽዕኖ ከም ዝፈጠረን ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
እቲ ከባቢ፡ ቅድሚ እቲ ጎንጺ ምኽሳቱ’ውን ብሕጽረት መግቢ፡ ወራር ኣንበጣ በረኻን ለበዳ ኮቪድ-19 ተጠቒዑ ምንባሩ ሓቢሩ።
ኣብ ዝቕጽሉ ሳምንታት ብቕልጡፍ ናይ መግቢ ሓገዝ ናብቲ ክልል ክበጽሕ እንተዘይክኢሉ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንዝለዓለ ጥምየት ክቃልዑ ከም ዝኽእሉ እቲ ማሕበር ኣዘኻኺሩ።
መንግስቲ ኣብቲ ክልል ምሉእ ብምሉእ ምንቅስቓሳት ክህልው ዘይደሊ፡ ገና ነቲ ክልል ብምልኣት ብዘይምቁጽጻሩ ከም ዝኾነን፡ እኹል መግቢ ክኣትው ዘየፍቀደ፡ እቶም ጌና ተሓቢኦም ዘለው መራሕቲ ህወሓት ኢዶም ክህቡ ጸቕጢ ንምፍጣርን ምዃኑ ገለ ተንተንቲ ይዛረቡ።
ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስተን ንክልል ትግራይ ከመሓድር ዝጸንሐ ህወሓትን ንነዊሕ ዝቐጸለ ወጥሪ ሰማይ ዓሪጉ፡ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ብምግላጽ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ “ሕጊ ናይ ምኽባር” ብዝበሎ ስጉምቲ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ ምውፋሩ ዝዝከር እዩ።
ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብቲ ክልል ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት “ዝኸፍአ” ክብል ይገልጾ።
ኣብቲ ክልል 4.5 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።
ሕቡራት ሃገራት ኮነ ዝተፈላለዩ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ነቲ ህዝቢ ክበጽሑ ከም ዘይከኣሉን መንግስቲ ምቹእ ኩነታት ክፈጥር ክጽውዑ ጸኒሖም ኣለው።
ምስ ትካላት ረድኤት ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ካብ ዝተትሓዘ ናይ ጽሑፍ ሰነድ ሰሊኹ ኣብ ዝወጸ ሓበሬታ፡ ሓደ ናይ መንግስቲ በዓል ስልጣን ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ሕማቕ ምዃኑን “ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብምኽንያት ጥምየት ክሞቱ ከም ዝኽእሉን” ምግላጹ የረድእ።
ብዘይካ’ዚ ድሕነት ኣብቲ ኲናት ዝተካደሎም ከባቢታት ክልል ትግራይን ምስኡ ዝዋሰኑ ከባቢታትን ዝርከቡ ነበርትን ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉን ሰባት ኣተሓሳሳቢ ምዃኑን ሰብኣዊ ቅልውላው ከስዕብ ከም ዝኽእልን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ እዩ።
ሚኒስተር ሰላም እታ ሃገር ኣብዚ ቅንያት ኣብቲ ክልል ን1.8 ሚልዮን ሰባት ናይ መግብን ተመሳሳልን ሓገዛት ከም ዝተገበረ ሓቢሩ።
እቲ ሚኒስትሪ፡ ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ዘቕርቦ ዘሎ ረድኤት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብ ዝጠቐሶም ሰባት ብተወሳኺ ኣብቲ ክልል ን2.5 ሚልዮን ተጠቀምቲ ከእንግድ ዝኽእል ምድላዋት ከም ዝተገበረ ኣፍሊጡ።