ቅልውላው ትግራይ፡ ንነበርቲ ቅራቅር ብዛዕባ እቲ ግጭት ዝሓበረት ጻውዒት ስልኪ

ምሸት 04 ሕዳር 2020፡ ኣብ ሓንቲ ኣብ ዶብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን እትርከብ ከተማ፡ ሓንቲ ብፍርሒ ዝተዋሕጠት ሰበይቲ፡ ናብ ሓደ ኣባል ፖሊስ ህጹጽ ተሌፎን ደዊላ ኣብቲ ዞባ ደማዊ ግጭት ክፍጠር ከምዝኽእል ሓበሬታ ሃበት።

ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስቲን መራሕቲ ህወሓትን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ወጥሪ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሰሜን እዝ ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ እቲ ግጭት ተባሪዑ።

እቲ ናይ መጀመርታ ወተሃደራዊ ግጭት ኣብ ዞባ ማእከላይ ጎንደር፡ ወረዳ ጸገደ፡ ከተማ ቅራቅር እዩ ተኻይዱ።

ኣብ መላእ እቲ ዞባ ዝነበረ ናይ መራኸቢ መርበባት ስለ እተበላሸወ፡ ኣብተን ናይ መጀመርታ ሒደት ሰሙናት ብዛዕባ ዝተኻየደ ጎንጺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ መራኸቢታት ብኸፊል ናብ ቀደሙ ምስ ተመልሰ፡ ቢቢሲ፡ ኣብ ገሊአን ከተማታት ዚነብሩ ሰባት፡ እቲ ግጭት ብኸመይ ከም ዝጀመረ ዝሕብር ሓበሬታ ረኺቡ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሓይልታት ጸጥታ፡ ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ ኣብቲ እዋን ብዕድል ዝተደወለት ስልኪ እያ፡ ንምንቅስቓስ ፍሉያት ሓይልታት ትግራይ ሓቢራ።

ህጹጽ ናይ ስልኪ ጻውዒት

ወረዳ ጸገደ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ዞባ ማእከላይ ጎንደር እያ ትርከብ። ከተማ ቅራቅር ኣብ መንጎ ክልቲኡ ክልላት ትርከብ።

ነበርቲ እታ ከተማ ከም ዝብልዎ፡ ካብ ክልቲኡ ዞባታት ዝመጽኡ ፍሉያት ሓይልታት ኣምሓራን ትርግራይን ንእተወሰነ እዋን ኣብ ጥቓ እታ ከተማ ሰፊሮም ነይሮም።

ብ 4 ሕዳር ምሸት ከኣ ክልቲኦም ሓይልታት ተጋጭዮም ነይሮም። ሓጋዚ ኢንስፔክተር ኣሸበር ሲሳይ፡ ን15 ዓመታት ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኣብ ወረዳ ጸገዴ: ትግራይ እትርከብ ከተማ ንጉስ ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ዳሕራይ ኣብ ከተማ ቅራቅር ሓላፊ ምርመራ ገበን ምስ ኮነ ንስድራ ቤቱ፡ ናብታ ኣብ ጸገደ ጎረቤት ክልል ኣምሓራ እትርከብ ከተማ ቅራቅር ኣግዒዙዎም።

ስድራ ቤቱ ኣብ ከተማ ቅራቅር ይነብሩ እንተነበሩ፡ ገላ ካብ ኣባላት ስድራኡ ኣብ ትግራይ ይነብሩ ስለዝነበሩ በዓልቲ ቤቱ ኣብ መፋርቕ ጥቅምቲ ናብ ሓንቲ ብጽኑዕ ዝሓመመት ሓብታ ከደት።

ብ3 ሕዳር 2020 ኣብቲ እትቕመጠሉ ዝነበረት ከባቢ ሰዓት 11 ናይ ምሸት፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ሃንደበታዊ ተዅሲ ተላዕለ።

እቲ ውግእ ከቢድን ትጽቢት ዘይተገብረሉን ስለ ዝነበረ፡ ኵሎም ሰምበዱ ። ብዛዕባ እቲ ጎንጺ ኽትነግሮ ኢላ ድማ ብኡብኡ ናብ ሰብኣያ ደወለት።

"ኣብዚ ወተሃደራዊ መዓስከር ጎንጺ ተኸፊቱ ኣሎ። ኣብ ዳንሻ’ውን ተዅሲ ከምዘሎ ሰሚዕና ኣለና። በጃኻ ነብስኻ ሓሉ” ክትብል ሰይቲ ኣሸብር ንሰብኣያ እቲ ዝኾነ ነገረቶ።

ኢንስፔክተር ኣሸበር፡ እታ ጻውዒት ቴሌፎን እያ ንነበርቲ ቅራቅር እንታይ ይመጽእ ከምዘሎ ዘጠንቀቐቶም ይብል።

ንሱ፡ "ብኡብኡ፡ ናብ ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከላይ ጎንደርን ናብ ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ደዊለ ሓቢረዮም” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ዳህሳስ ንዝያዳ መረጋገጺ

ኣመሓዳሪ ወረዳ፡ ጸገዴ ጌታቸው ሙሉጌታ ብዛዕባ እቲ ጎንጺ ምስ ተሓበረ ንዕኡ ዘረጋግጽ ካልእ ተወሳኺ መረጋገጺ ክደሊ ወሰነ።

ናብ ኣዛዚ 5ይ ሜካናይዝድ ክፍለ-ጦር ምዕራባዊ እዝ ብርጋዴር ጀነራል ሙሉኣለም ኣድማሱ ቴሌፎን ደዊሉ ከኣ ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ከምዝሓበሮ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

"እቲ ነገር ሕማቕ እዩ ዘሎ። መጥቃዕቲ ኸጋጥመካ ይኽእል እዩ። ንርእስኻ ተኸላኸል” ክብል ክዳሎን ክጥንቀቕን ኣተባብዖ።

ንመኮንነናቱ ከኣ ንሰራዊቶም ገዛ ገዛ እናኸዱ ከበራብርዎምን ክሳብ ካብ ቀረብአም ረዳት ዝመጽኦም ንዝወርዶም መጥቃዕቲ ንኪከላኸሉን ኣዘዞም።

ዋና ኣዛዚ ፖሊስ ወረዳ ጸገዴ ኢንስፔክተር ጀምበሩ ሙሉ፡ እቲ ካብ በዓልቲ ቤት ኢንስፔክተር ኣሸበር ዝተደወለ ስልኪ ንሓይልታቶም ካብቲ ዘይተርፍ መጥቃዕቲ ኣቐዲሞም ከጠንቅቕዎም ዕድል ሂቡዎም ይብል።

"በዓልቲ ቤት መሳርሕትና እንተ ዘይትድውል ነይራ፡ እቲ ውጽኢት እተፈልየ ምዀነ ነይሩ" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ንቅራቅር ንምቍጽጻር እተገብረ ጎንጺ

ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ንከተማ ቅራቅር ንምቍጽጻር ጎንጺ ተላዕለ።

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ፍሉይ ሓይልታት ኣምሓራ ነበር ሰርጌንቲ ማንኣለኝ ወርቅ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ኣብ ገማግም እታ ከተማ ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ ውግእ ከም ዝጀመረ ገሊጹ።

"ሰዓት 3:30 ካብቲ ተኹሲ እተሰምዓሉ ቦታ ኣኻልብ ክነብሑ ምስ ሰማዕና ናባና ገጾም ይመጹ ከም ዘለዉ ተረዲኡና "ብምባል ብኡንብኡ ሓይልታቶም ክጥርነፉ ከምዝኣዘዘ ሰርገንቲ ማናኣለኝ ይዝክር።

ሓለቓ ስታፍ ፖሊስ ወረዳ ጸገዴ፡ ሰርጌንቲ ዋኘው፡ እቲ ውግእ ንሰዓታት ከም ዝቐጸለ ገሊጹ።

"ኣቐዲሞም ንውግእ እኳ እንተ ተዳለዉ፡ ኣብቲ ከባቢ ስትራተጅያዊ ቦታ ተቘጻጺርና ስለ ዝነበርና፡ ንርእስና ኽንከላኸለላ ክኢልና" ይብል።

"ቅራቅር ስትራተጅያዊ ቦታ ስለ ዘለዎ፡ ነቲ ውግእ ንምቁጽጻር ከቢድ ኣጽዋር ከጻውድሉ፡ ኣቐዲሞም ክሕዝዎ እዮም ዝጽዕሩ ነይሮም" ይብል።

ካብ ከባቢኦም ምስ ዝመጽኡዎም ረዳት ሓይሊ ከኣ እታ ከተማ ንኸይትተሓዝ ንሓያሎ ሰዓታት "ብዘይ ምግብን ማይን" ተዋጊኦም።

ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ሰራዊት ፌደራል ሓገዝ ረኺቦም ሰዓት 5፡30 ድ.ቐ. ነቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቍጽጽሮም ከእትውዎ ከኣሉ።

ናብ ንቡር ህይወት ምምላስ

ንጽብሒቱ፡ እቶም ካብ ቅራቅር ዝመጽኡ ወተሃደራት ምስ ሰራዊት ፌደራል ተሓባቢሮም ናብታ ኣብ ጥቓኦም እትርከብ ከተማ ንጉስ ሒዞም ንቕድሚት ቀጸሉ።

ሓደ ወርሒ ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ኣባላት ሰራዊት ህወሓትን እተገብረ ውግእ፡ ቅራቅር ናብ ንቡር ተመሊሳ ኣላ።

ቅራቅር ብደብዳብ ኮነ በቲ ኣብታ ከተማ ዝተኻየደ ውግእ ብዙሕ ጉድኣት ኣይወረዳን።

ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር፡ ብሃለዋት ሰብኣያ ተጨኒቓ ስልኪ ብዝደወለት ሰበይቲ ኣቐዲሞም ንሰራዊቶም ከዳልውን ነታ ከተማ ንኽከላኸሉን ዕድል ስለዝሃበቶም ኣዝዮም የመስግኑ።