ቅልውላዉ ትግራይ፡ 'ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ ረዲኤት ይውስኽ ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ሓቂ ኣይኮነን' ሓላፊ ትካል ረዲኤት

ኣብቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዉ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ቆልዑ፡ ደቂኣንስትዮን፡ ከምኡ'ውን ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቖም ምህላዎም ሓላፊ 'ኖርዌጅያን ረፊዩጂ ካውንስል' ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ኣጠንቂቑ።

ዋና ጸሓፊ ናይቲ ትካል፡ ጃን ኢገላንድ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ከምዚ ናይ ትግራይ ሰብኣዊ ረዲኤት ከይበጽሕ ዝተኸልከለ ኩነታት ኣጋጢምዎ ከምዘይፈልጥ ብምግላጽ፡ ህጹጽ ሓገዝ ናብቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ህዝቢ ክበጽሕ ጸዊዑ።

"ከም ማሕበረሰብ ዓለም መጠን፡ ነቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ግብረመልሲ ኣብ ምሃብ ፈሺልና ኢና" ክብል'ውን ነቒፉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናብቲ ክልል ናይ መግብን ሕክምናን ሓገዝ የብጽሕ ከምዘሎ'ኳ እንተገለጸ፡ ሓላፊ ናይቲ ትካል ግን፡ እቲ ብመንግስቲ ይኹን ካልኦት ኣካላት ዝስደድ ዘሎ ሓገዛት ናብቲ ብኵናት ኣዝዩ ዘይተጸልወ ከባቢታት ዝተወሰነ'ዩ ኢሉ።

"ናብቲ ክልል ዝኣቱ ዘሎ ረዲኤት ይውስኽ ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ሓቂ ኣይኮነን" ዝበለ ጃን ኢገላንድ፡ መጠን ናይቲ ዝስደድ ዘሎ ሓገዛት ምስቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ዝዳረግ ከምዘይኮነ ጠቒሱ።

"ስደተኛታት ዝርከብዎም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ቆልዑ፡ ደቂኣንስትዮን ኣብ ከቢድ ጸገም ኣትዮም ብዘይ ሓለዋን ረዲኤት ይሳቐዩ ኣለዉ" ይብል እቲ ንልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ምብጻሕ ሰባዊ ረዲኤት ዝሰርሐን፡ ሓላፊ ሰብባዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ዝነበረን።

ዛጊት ትካላት ረዲኤት ናብ ማእከላይን ምዕራባውን ዞባታት ትግራይ ክኣትዉ ከምዘይክኣሉ ሓቢሩ'ሎ።

ናብቶም ኣብ ምዕራብ ናይቲ ክልል ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብሎም ክልተ መዓስከራት ስደተኛታት ክብጻሕ ከምዘይተኻእለ'ውን ተዛሪቡ።

እቲ ብ4 ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ክልል ትግራይን ዝተወለዐ ኵናት ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምፍንቓልን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ኣስዒቡ ምህላዉ ጸብጻባት ትካላት ሰባዊ ረዲኤት ይሕብሩ።

ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ወገናት'ውን፡ ጾታዊ ዓመጻትን ቅትለትን ይፍጸሙ ምህላዎም ዝገልጹ ጸብጻባት ከምዝበጽሕዎም ብምጥቃስ ሻቕሎቶም ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።

ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ሰባት ኣብቲ ክልል ክፈናቐሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ልዕሊ 60 ሽሕ ድማ ናብ ሱዳን ሃዲሞም።

ኣብቲ ክልል ብሓፈሻ ኣስታት 4.5 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ከምዘድልዮም ሰብመዚ እቲ ክልልን ትካላት ረዲኤትን ምሕባሮም ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት: ፕረዚደንት እቲ ክልል ዝነበረ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ድሕሪ ክልተ ወርሒ ካብ በረኻታት ትግራይ ኣብ ዘቃለሖ መግለጺ፡ ኣብ ህዝቢ ትግራይ "ቅሉዕ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ገበን" ይፍጸም ክብል ከሲሱ።

ብናጻን ዘይሻራውን ኣካል ክጻረን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ኣብ ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡን ጸዊዑ። መንግስቲታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኩናት ትግራይ ከምዘይተሳተፉ እዮም ክገልጹ ጸኒሖም።

ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ቢልለኔ ስዩም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝቐረበ ክስታት፡ መሰረት ከምዘይብሉን፡ ነቲ ብህውሓት ዝፍጸም ዝነበረ ከበድቲ ገበናት ንምሽፋን ዝተዋህበን'ዩ ክትብል ነጺጋቶ'ላ።

ኣመዓባብላ እቲ ጎንጺ

እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነበረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።

ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።

ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።