እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና እትኽተሎ ኣገባብ ኣመራምራ ኮሮናቫይረስ ደው ከተብሎ ጃፖን ሓቲታ
ቻይና ነቶም ናብ ሃገራ ዝኣትዉ ጃፓናውያን መርመራ ኮሮናቫይረስ ንኽትገብረሎም ካብ መቐመጨኦም ቅምሶ ምውሳድ ከተቋርጾ ጃፓን ሓቲታ።
ገለ ካብቶም ካብ መቐመጨኦም ቅምሶ ተወሲድሎም መርመራ ኮሮናቫይረስ ዝተካየደሎም ሰባት ንስነኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ከምዝተቓልዑ ሰብ መዚ ጃፓን ሓቢሮም።
እታ ንኮሮናቫይረስ ካብ መጀመርትኡ ተሪር ዕጽዋታት ብምውሳድ ዝተቖጻጸረቶ ቻይና፡ ካብ መርሒ ጥሪ ጀሚራ መርመራ ኮሮናቫይረስ ንምክያድ ካብ መቐመጫ ቅምሶ ክትወስድ ከምዝጀመረት ይፍለጥ።
ቻይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሓደ ናይ ኣመሪካ ዲፕሎማት በዚ ኣገባብ እዚ መርመራ ኮሮናቫይረስ ገይራትሉ ዝብል ብናይ ኣመሪካ ማዕከናት ዜናታት ምስ ተቓልሐ፡ ኣሉታዊ መልሲ ከምዝሃበትሉ ይዝከር።
ካቢነት ሰክሪታሪ ጃፓን ካተሱኖቡ ካቶ “ገለ ጃፓናውያን ናብ ኢምባሲ ጃፓን ኣብ ቻይና ብምምጻእ፡ ካብ መቐመጨኦም ቅምሶ ከምዝተወሰደሎምን ዓቢ ስነኣእምሮኣዊ ቃንዛ ከምዘለዎን ሓቢሮሙና” ኢሉ።
እቲ ሓላፊ ብምስዓብ “እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ክንደይ ዝኾኑ ጃፓናውያን በዚ ኣገባብ እዚ መርመራ ኮሮናቫይረስ ከምዝተገበረሎም ኣይፈለጥናን ኣለና” ኢሉ።
ጃፓን ንሕቶኣ ብመንገዲ እቲ ኣብ በይጂንግ ዝርከብ ኣምባሳደራ ናብ መንግስቲ ቻይና ኣቕሪባ ኣላ።
እንተኾነ ብዛዕባ እዚ ጃፓን ዘቕረበቶ ጥርዓንን ዝሓተተቶ ሕቶን ቻይና ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይሃበትሉን ኣላ።
ቻይና ኣብ ዜጋታታ’ውን ተመሳሳሊ ኣገባብ ኣመራምራ ከምእትጥቀም እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ኣገባብ መርመራ እዚ ምስ ተኣታተወ፡ መንግስታዊት ማዕከን ዜና፡ እቲ ኣገባብ ኣመራምራ ኣብ ሞንጎ ሰብ ሞይ ጥዕና እታ ሃገር ምግምማዕ ከምዝፈጠረን ብቕዓቱ’ውን ምስቲ ካብ ጎሮሮ ዝውሰድ ቅምሶ ብምንጽጻር ዝተሓተ ብቕዓት ከምዘለዎ እዩ ተገሊጹ።
እቲ ኣገባብ ኣመራምራ፡ ብጡጥ ዝተጠቅለለ ካብ 3 ክሳብ 5 ሴንቲ ሜተር ንውሓት ዘለዎ መውሰዲ ቅምሶ ናብ ውሽጢ መቐመጫ ኣእትዮም ኣብ ውሽጢ
ፋሕፊሖም እዮም ዝወስድዎ።