እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያ፡ ኣዴታት ደቀን ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ንምሻጥ ዝወስድኦ ምርጫ
ዝሓለፈ ወርሒ፡ መደብ ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ኣብ ኬንያ ብዛዕባ ዘሎ ጸሊም ዕዳጋ ቖልዑት ዘቃልዕ መርመራዊ ጸብጻብ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ፖሊስ ናይሮቢ ሸውዓተ ሰባት ኣሲሩ ብዘይሕጋዊ ምስጋር ሰባት ከሲሱዎም'ዩ።
ግን ድማ፡ ብኻልእ ገጽ ናይዚ ዘይሕጋዊ ስምምዕ ዘላ ጓል ኣንስተይቲኸ? ኣደ ንውላዳ ክትሸይጥ ዝደፋፍኣ እንታይ'ዩ?
ኣዳማ፡ ወለዳ ብህይወት እንከለው ህይወት ፍኹስ ዝበለት ነይራ ትብል። ትምህርቲ ትምሃር ስለ ዝነዝነበረት፡ ብዙሕ ዘጨንቓ ነገር ኣአይነበረን።
ጓል 12 ዓመት ምስ ኮነት ኣቡኣ ይመውት፤ ኣዲኣ'ውን ድሕሪ ዝተወሰኑ ዓመታት ሞይታ።
"ሕጂ ህይወት ኣዝዩ ክኸብድ ጀሚሩ" ትብል። ኣብዚ እዋን ኣብ ገጠር ምዕራብ ኬንያ እያ ትነብር።
"ትምህርተይ ኣቋሪጸ ንርእሰይ ክዕንግል ነይሩኒ" ትብል።
ጓል 22 ዓመት ምስ ኮነት፡ ኣዳማ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ተላልያ፤ ትጠንስ። እንተኾነ፡ ጓሎም ምስተወለደት ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ሞይቱ።
ብሕታውነት ከጥቅዓ ጀሚሩ። እታ ህጻን 18 ወርሒ ክሳብ ዝመልኣ ምስ ዝተፈላለዩ ሕማማት እናተቓለሰት ተዕብያሞ፤ ስራሕ ንምርካብ ምስ እኖ ሓጎኣ ገዲፋታ ናብ ከተማ ናይሮቢ ትመጽእ።
ኣብ ጽርግያታት ናይሮቢ ብርጭቕ ክትሸይጥ'ኳ እንተጀመረት፡ ብሓደ ሸነኽ ጽቡቕ እቶት ኣይርከቦን፤ በቲ ካልእ ገጽ ድማ ክትዓቁር ኣብ ገዛ እተቐምጦ ገንዘብ ብልፍንቲ ሓቢራታ እትነብር ጓል ኣንስተይቲ እናተሰረቐት ትጽገም።
ድሕሪ'ዚ፡ ናብ ሓደ ናይ ኮንስትራክሽን (ህንጸት) ቦታ ከይዳ ስራሕ ጀሚራ። እዚ ኸኣ ፍጹም ዘይትኽፈለሉ ምስ ኮነ፡ ናብ ቤት ተልሂት (ናይት ክለብ) ኣትያ። ኣብዚ ነቲ ዘስርሓ ሰብኣይ ዝኸፍላ ገንዘብ ብቐጥታ ኣብ ገጠር ንዝገደፈታ እኖ ሓጉኣ ክልእኸላ ሓቢራቶ።
ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ከኣ ቁሩብ ገንዘብ ሒዛ ብምውጻእ ኣብ ካልእ ናይ ኮንስትራክሽን ቦታ ስራሕ ጀሚራ። ኣብዚ ድማ ካልእ ወዲ ተባዕታይ ትላለ። ቁሩብ ብሓባር ምስ ጸንሑ ቖልዓ ክወልድ ከም ዝደሊ ይነግራ።
ንሳ ድማ፡ እታ ኣብ ገጠር ዘላ ጓላ ከተምጽኣ እንተኾይና ብሓባር እናነበሩ ቖልዓ ክትወልደሉ ከም እትኽእል ምስ ነገረቶ ተሰማሚዖም።
ኣዳማ ዝቛጸረቶ ድቂ ሓሙሽተ ወርሒ ምስኾኖ፡ ጓላ ካብ ገጠር ክትመጽእ እናተጸበት እንከላ እቲ ሰብኣያ ገዛ ኪራይ ከፊሉ፣ መግቢ ዓዲጉ ኣምጺኡ ምስ ወጽአ ከይተመለሰ ተሪፉ።
ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ፡ ንሓደ ሰብ ዝኸውን ቀለብ ዘማልኣሉ እኹል ገንዘብ ከይሓዛ እንከለዋ ካልእ ቖልዓ ናብዚ ምድሪ ምምጻእ ክንደየናይ ከም ዘጨንቐን ምፍላጥ ከቢድ ኣይኮነን።
ኣብ ኬንያ ገለ ቖልዓ ክወልዳ ዝጽበያ ብድኽነት ዝነብራ ኣደታት ድማ፡ ቖልዑት ንኣስገርቲ ምሻጥ ብህይወት ንምንባር ዝወስድኦ ናይ መወዳእታ ምርጫ እዩ። እቶም ኣስገርቲ ዝኸፍሉዎ ገንዘብ ግን ኣዝዩ እዩ።
ሳራ፡ ጓል 17 ዓመት ኮይና'ያ ካልኣይ ቖልዓ ከም ዝጠነሰት ፈሊጣ። ነዚ ቖልዓ ንምዕባይ ግን ታዕሪፋ'ውን የብላን።
ስለ ዝኾነ፡ 3 ሽሕ ሽሊንግ ኬንያ ክኸፍለኪ ንዝበለታ ጓል ኣንስተይቲ ሸይጣቶ።
"ንባዕለይ'ውን ቖልዓ'የ ነይረ፤ እቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ ጌጋ ምዃኑ ኣይፈልጥን። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ግን ተረዲኡኒ፤ ገንዘባ ክመልሰላ'ውን ደልየ" ትብል።
ካልኦት ቖልዑ ዝሸጣ'ውን ከም እትፈልጥ ትዛረብ።
"ብምኽንያት ዝተፈላለዩ ጸገማት'የን ደቀን ዝሸጣ። ካብ ገዝአን ወይ ቤት ትምህርቲ ስለ ዝተሰጎጓ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ቖልዑ 15 ወይ 16 ዓመት ብዙሓት ጸገማት'ዮም ዝበጽሑወን። ዝሕግዘን ሰብ ብዘይምህላዩ ደቀን ዝስእና ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኢኻ ትርኢ" ኢላ።
ኬንያ፡ ብብዝሒ ኣብ ዓሰርታት ዕድሚአን ዝጠንሳ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝለዓለ ቑጽሪ ዘለዋ ኮይና፡ እዚ ጸገም ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዝወሰኸ ሰብ ሞያ ጥዕና ይዛረቡ።
ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስራሕቲ ፋይቶት ብምእታወን ገሊአን ድማ ትምህርቲ ብምቁራጸን ከም ዝኾነ ድማ ገሊጾም።
"ታሪኽ ብዙሓት ኣብ ከምዚ ዓይነት ጸገማት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ሰሚዐ'የ። ኣንኣሽቱ ቖልዑ ስራሕ ደልየን ናብ ከተማታት ይመጽኣ፣ ምሕዝነት ይጅምራ፣ ይጠንሳ . . . ድሕሪኡ እቶም ዘጥነሱወን'ውን ይገፍዑወን" ይብል በዓል ሞያ ሕጊ ሓለዋ መለሳት ህጻናት ፕሩደንት ሙቲሾ።
"እቲ ኣቦ እንድሕር ዘይኸፍል ኮይኑ፡ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ኣታዊአን ዝትክአለን ገለ ነገር ክእልሻ ኣለወን። እዚ'ዩ ድማ ደቀን ክሸጣ ዝገብረን ዘሎ። ሰብ ግን ነዚ ብግልጺ ኣየውግዐሉን" ኢሉ።
ኣዳማ ኣብቲ እትሰርሐሉ ዝነበረት ናይ ኮንስትራክሽን ቦታ፡ ክንዲ ዝክኣላ ነቲ ዝቛጸረቶ ድቂ ሓቢኣቶ'ያ። ድሕሪ ጊዜ ግን ከበድቲ ኣቕሓ ክትሽከምን ክተጉዓዕዝን ስለ ዘይክኣለት፡ እቲ ስራሕ'ውን ጠጠው ከተብሎ ተገዲዳ።
ኣብዚ ግዜ ገዛ ክራይ እትኸፍለሉ ገንዘብ ትስእን። እቲ ዘካረያ ሰብኣይ ንሰለስተ ኣዋርሕ ተዓጊሱዋ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሰጒጉዋ።
እቲ ጥንሲ ሸሞንተ ወርሒ ምስ ኮኖ፡ ምሸት ምሸት ናብቲ ገዛ ተሓቢኣ ብምእታው ደቂሳ ሓዲራ፡ ወጋሕታ ገስጊሳ እናወጽአት መዓልታት ክትደፍእ ተገዲዳ።
"ጽቡቕ መዓልቲ እንተገጢሙኒ መግቢ ይረክብ፤ ሓልሓሊፉ ከኣ ማይ ሰትየ፣ ጸልየ ይድቅስ"።
ኣብ ኬንያ፡ ንርእሳ ኣብ ኩነታት ኣዳማ ዝረኸበት ጓል ኣንስተይቲ፡ ደቃ ክትሸይጥ ዝደፋፍኡዋ ብዙሓት ምኽንያት ክህልዉ'ዮም።
ህይወት እታ ኣደ ወይ እቲ ህጻን ኣብ ሓደጋ እንተዘይሃልዩ፡ ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ኣይኮነን። ኣብ ገጠር ከባቢታት ድማ፡ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብን ጥዕና ስነ ተዋልዶን ዝወሃብ ትምህርቲ ኣብዚ እቶ ዝብሃል ኣይኮነን። ብተወሳኺ ብዛዕባ ሕጋዊ መስርሕ ምርዓም (ኣዶብሽን) ዘሎ ግንዛበ'ውን ውሑድ'ዩ።
"ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዘይተደለየ ጥንሲ ከጋጥመን እንከሎ፡ ካብ መንግስቲ ድጋፍ ኣይረኽባን። እዘን ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ተነጽሎን ምጥቑቓምን እየን ዝኾና" ይብል ኣካያዲ ስራሕ ገባሪሰ ናይ ትካል ሄልዝ ፖፈሪቲ ኣክሽን ኢንራሂም ዓሊ።
ኣዳማ፡ ውላዳ ብዛዕባ ብሕጋዊ መስርሕ ናብ ካልእ ሰብ እትህበሉ መገዲ ኣፍልጦ ኣይነበራን። "ብዛዕባ እዚ ሰሙዐ ኣይፈልጥን" ትብል።
እቲ ጥንሲ ክትንጽሎ'ውን ሓሳብ ነይሩዋ፤ ግንከ ምስ እምነታ ዝሳነ ተግባር ኣይነበረን። ድሓር ንርእሳ ከተጥፍእ ወሲና።
"ተጨኒቐ፤ ሰባት ንዓይ ንክርስዑኒ ብኸመይ ዓርሰ ቕትለት ክፍጽም ከም ዘለኒ ክሓስብ ጀሚረ" ትብል።
ክትወልድ ቁሩብ መዓልታት ምስ ተረፋ ግን፡ ሓደ ሰብ ምዕርግርግ ምስ ዝበለት ሜሪ ኣሙ ምስ ዝተባህለት ሰበይቲ የላልያ፤ እቲ ጥንቲ ክትንጽሎ ከም ዘይብላ ድማ ትነግራ።
ሜሪ ኣሙ፡ ካዮሌ ኣብ ዝተባህለ ሻውል ዘይሕጋዊ ክሊኒክ ኣአለዋ። ንኣዳማ 100 ሽሊንግ ሂባ ድማ ናብቲ ክሊኒክ ምጽኢ ኢላ ሓቢራታ ትኸይድ።
ኣብ ክሊኒክ ሜሪ ኣሙ፡ ዝኣረጉ መድሃኒታትን ኣዴታት ዝወልዳሉ ክፍልን ዘለዎ ዝተሓብአ ቦታ'ዩ። ኣብዚ ምስ ተሓጋጋዚኣ ብምዃን ቖልዑ ትዕድግን ትሸይጥን፤ ኸስቢ ድማ ትረኽበሉ።
መን ንምንታይ ይዕድጎም ኣሎ ግን ኣይትፈልጥን።
ንኣዳማ ድማ፡ እቶም ንውላዳ ዝዕድጉ ስድራ ርኹባትን ፈቃራትን ምዃኖም ትነግራ። እቲ ሓቂ ግን ንሱ ኣይነበረን።
ብተወሳኺ፡ ዝኾነ ዓይነት ክእለት ዘይብላ ክትንሱ ነርስ ከም ዝነበረት እያ ነጊራታ።
"እቲ ቦትኣ ረሳሕ'ዩ፤ ደም መአከቢ ንኡሽቶ ኣቕሓ ትጥቀም። እቲ መደቀሲ ዓራት'ውን ንጹህ ኣይነበረን፤ ኣነ ግን ኣማራጺ'ውን ኣይነበረንን" ትብል ኣዳማ።
ናብቲ ክሊኒክ ምስ ኸደት ብዘይ ዝኾነ ዓይነት መብርሂ እቲ ሕርሲ ንምቅልጣፍ ክልተ ከኒና ከም ዝሃበታ ትዛረብ። ኣዳሙ ምስ ወለደት ግን፡ እቲ ህጻን ናይ ደረት ጸገም ኣጋጢሙዎ ቕልጡፍ ሕክምናዊ ረድኤት ክረክብ ስለ ዝነበሮ ናብ ሆስፒታል ወሲዳታ።
ድሕሪ ሓደ ሰሙን ጥዑይ ቖልዓ ሒዛ ካብ ሆስፒታል ወጺኣ። እቲ ጥንስቲ እናሃለወት ዝሰጎጓ መካረዪ'ውን ተመሊሳ ክትኣቱ ኣፍቂዱላ።
ኣሙ ንኣዳማ 100 ሽሊንግ ጥራሕ ብምሃብ ነቲ ዝዕድጋ ሰብ ብ"40 ሽሕ ሽሊንግ" ሓድሽ ቖልዓ ከም ዝተረኸበ መልእኽቲ ልኢኻ።
ሜሪ ኣሙ፡ ንኣዳማ 10 ሽሕ ሽሊንግ ከም እትኸፍላ እያ ነጊራታ።
እንተኾነ፡ ሜሪ ኣሙ እታ ቖልዓ ንምዕዳግ ትረኽቦ ዘላ ሰብ ብሕቡእ ንቢቢሲ እትሰርሕ ምዃና ኣይትፈልጥን።
እዚ መርመራዊ ስራሕ፡ ሓደ ዓመት እዩ ወሲዱ።
ኣብ ቀጻሊ መዓልቲ፡ ኣዳሙ ኣብ ክሊኒክ ኣሙ ኾፍ ኢላ እናሃለወት እታ ዓዳጊት ካልእ ኣማራጺ ከም ዘሎ ሕሹኽ ትብላ።
ውላዳ ሓቚፋ ድማ ካብቲ ክሊኒክ ወጺኣ ብምኻድ ናብ ሓደ መንግስታዊ መዕበዪ ህጻናት ትወስዶ። ኣብዚ ክሳብ ሕጋዊ ምርዓም (ኣዶፕሽን) ዝመቻቸወሉ ክጸንሕ እዩ።
ቢቢሲ፡ ሜሪ ኣሙ ንዝቐረበላ ክሲ ክትምልስ ሓቲቱዋ ፍቓደኛ ከይኾነት ተሪፋ እያ።
ኣዳማ ሕጂ ጓል 29 ዓመት'ያ፤ ኣብቲ ተወሊዳ ዝዓበየትሉ ገጠር ከባቢ ድማ ትነብር ኣላ። ህይወት ሕጂ'ውን ንዓኣ ከቢድ'ዩ፤ ብጥሙያ ትሓድረሎም መዓልታት ኣለው።
ካብ ናይሮቢ ጫማታት ኣምጺኣ እትሸጠሉ ንኡሽቶ ድኳን ክህልዋ ትደሊ። ምስቲ ውላዋ'ውን ኣይትራኸብን፤ ግን ኣይትጥዓስን።
"ወደይ ክሸይጥ ብምሕሳበይ ሕጉስቲ ኣይነበርኩን፤ ሕጂ ዘለወሉ ኩነታት ግን ውሑስ'ዩ። እቶም ሰባት'ውን ይሕብሕቡዎ ኣለዎ" ኢላ።