እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምርመራዊ ጸብጻብ-ቢቢሲ ስዒቡ፡ ኬንያ 'ስርቂ-ህጻናት' ክተጻሪ ወሲና
ቢቢሲ፡ ብምርመራ ጋዜጠኝነት ተጠቒሙ፡ ጸሊም-ዕዳጋ ህጻናት ድሕሪ ምቅልዑ፡ መንግስቲ ኬንያ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉዳይ ተሪር ምጽራይ ክካየድ ኣዚዙ።
መደብ፡ ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ፡ ብመሰረት ዝሰርሖ ምርመራዊ ጸብጻብ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ፡ ናይሮቢ፡ ካብ ሆስፒታላት ጀሚሩ ዓብዪ ናይ ህጻናት ስርቅን ንግድን ከመዝካየድ እዩ ኣቃሊዑ።
እቲ ጸብጻብ፡ ሓደ ሰራሕተኛ ሆስፒታል፡ ወዲ ክልተ-ዓመት ህጻን ናብ ብምስጢር ንዝሰርሕ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ክሸጠሉ ክስማማዕ የርኢ።
ነዚ ጸብጻብ ስዒቡ፡ መንግስቲ ኬንያ፡ ገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ጠጠው ኢሎም ክሕተቱ ኣለዎም ኢሉ።
ሚኒስተር ሰራሕተኛታትን ማህበራዊ ጉዳያትን፡ ሳይሞን ቸሉጒ፡ ትማሊ ብርክት ንዝበሉ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ ከምኡ ኢሉ።
እቲ ሚኒሰተር ከምዝበሎ፡ ላዕለዎት ሓላፍቲ ፖሊስ ዝርከብዎ ጉጅለ ተጣይሹ ናይ ምጽራይ ስርሑ ክጅምር ቃል ኣትዩ ኣሎ።
መርመራ 'ኣፍሪካ ኣይ'
እቲ ብኣፍሪቃ ኣይ ዝተኻየደ ናይ ምርመራ ጋዜጠኝነት፡ ኣብ ትሑት መነባብሮ ካብ ዝርከባ ኣዴታት ዝስረቑ ህጻናት ከምኡ'ውን ኣብዚ ገበን ዝተዋፈሩ ገለ ዘይሕጋውያን ማእኸላት ሕክምና ከምዘለዉ እዩ ዘረጋግጽ።
ንሓደ ህጻን ክሳብ፡ 400 ዶላር ዝሽወጠሉ ኩነታት ከምዘሎ'ውን እቲ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።
ብፍላይ ማማ ሉሲ ኪባኪ ኣብ ዝተብሃለ ህዝባዊ ሆስፒታል ዝፍጸም ግዕዝይና'ውን የርኢ።
ኣብዚ ዘይሕጋዊ ስራሕ ዝተዋፈረ ሰራሕተኛ እቲ ሆስፒታል ኮነ ባዕሉ እቲ ሆስፒታል: ምላሽ ክህቡ ብቢቢሲ ተሓቲቶም ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።
እቲ ሚኒስተር ሰራሕተኛታትን ማሕበራዊ ጉዳያትን፡ ኣብ መግለጺኡ ናይ ህጻናት ውሕስነት ንምርግጋጽ ዘኽእል ስርዓት ምዝርጋሕ ከምዘድሊ እዩ ተዛሪቡ።
ዛጊድ እንታይ ዝኣኽሉ ህጻናት ተሰረዒቆም ወይ ከኣ ተሸይጦም ዝብል ግን ጭቡጥ ዝኾነ መረዳእታ የለን።
እንተኾነ፡ ሓደ 'ሚሲንግ ቻይልድ ኬንያ' ዝተብሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት 600 ዝተሰርቁ ህጻናት ከምዝፈልጥ ኣብሪሁ።