ጥዕና፡ ሕክምና ብርሕቀት ('ቴሌሜድስን') እንታይ'ዩ፤ ኣብ ኢትዮጵያ የዋጽእ'ዶ ይኸውን?

ቴሌሜድስን እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, YOKO TELEMEDCINE

"ዘረባ ብዓይኒ ይኣቱ" ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብ ዘለዎ ሕብረተሰብ፡ ሓደ ሓኪምን ተሓካምን ብኣካል ከይተራኸቡ ሕክምና ምሃብ ይከኣል'ዶ ይኸውን?

እዚ መይላ ሕክምና 'ቴሌ ሜድስን' ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ኢትዮጵያ ግን ብኸመይ መገዲ ክዕወት ይኽእል?

በዓል ሞያ ሕክምና ዕንዛዘ (ሂፕኖሲስ) ከምኡ'ውን ኣካያዲ ስራሕ ቴሌሜድስን ዮኮ ኣቶ ኣብዲ ድንገታ፤ ኣቐዲሙ ኣተሓሳስባ እቲ ሕብረተሰብ ክቕየር ከም ዘለዎ ይዛረበ።

"ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና 'መርፍእ ከይኣዘዘ ከኒና ጥራሕ ሂቡ ሰዲዱኒ። ሎሚ ድማ ራጂ'ውን ዘይእዝዝ ሓኪም ገጢሙኒ' ኢሉ ቅርታ ዝስምዖ ሰብ ብዙሕ እዩ" ይብል ኣቶ ኣብዲ።

"እዚ ንዓና'ውን ኣብ ፈተና ኣእቲዩና ነይሩ። ሕጂ ግን ይለምዶ ኣሎ፤ ንሕና'ውን ሓበሬታ ጥዕና ብግቡእ ብምብጻሕ እምነት ንክንረክብ ንሰርሕ ኣለና" ብምባል ድማ ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ለውጢ የረድእ።

ኣገልግሎት ምኽሪ ሕክምና ዮኮ (ቴሌ ሜድስን) ለበዳ ኮቪድ-19 ቅድሚ ምምጽኡ እዩ ተጀሚሩ።

ሰባት ናብ ሆስፒታል ምኻድ እንተኣስጊኡዎም፡ ንዝደለዩዎ ሓኪም ብቴሌፎን ይረኽቡዎ ማለት'ዩ።

"ብምኽንያት እቲ ለበዳ ሰባት ናብ ሆስፒታል ምምጻእ ሰጊኦም። ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት ናብ ሆስፒታል ኣይኸዱን ነይሮም። ካብዚ ብዝብገስ ቴሌሜድስን ኣገዳሲ ምዃኑ ክንሓስብ ጀሚርና" ይብል ኣቶ ኣብዲ።

ቀንዲ ዕላማ ቴሌ ሜድስን፡ ሓደ ሕሙምን ሓኪምን ብኣካል ከይተራኸቡ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ጥዕና ምልውዋጥ እዩ።

ኣቶ ኣብዲ ዝሰርሓሉ ትካል ድማ ኣርባዕተ ዕማማት ከም ዘለውዎ ይዛረብ። እቲ ናይ መጀመርታ እቲ ሕማም ምፍላጥን ብዛዕባ ዘድሊ ሕክምና ምዝርራብን እዩ።

ካልኣይ፡ ቀለልቲ ዝመስሉ ግን ድማ ጠቐምቲ መረዳእታታት ምዝታይ ኮይኑ፡ "ብርግጽ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ቀሊል ዝብሃል ነገር የለን" ይብል ኣቶ ኣብዲ።

በዚ መገዲ "ሓደ ሰብ ምስ ሓኪሙ ውዒሉ መድሃኒት ገዚኡ ናብ ገዝኡ ምስኣተወ ብዛዕባ ኣወሳስዳ እቲ መድሃኒት እንተዘይተረዲኢዎ ምስ ሓካይሙ ክዘራረብ ይኽእል'ዩ" ክብል የረድእ።

ወይ ድማ፡ ሓደ ክትትል ሕክምና ክገብር ዝደለየ ተሓካሚ፡ ብዛዕባ እቲ ዘድልዮ መስርሕ ሕክምና ክፈልጦም ዝግባእ ቅድመን ድሕረን ጥንቃቐ ብዝምልከት ምስ ሓካይም ዮኮ ብስልኪ ክመክር ይኽእል።

ካልእ ኣገልግሎት ቴሌሜድስን ድማ፡ ሓደ ተሓካሚ ብኣካል ናብ ሆስፒታል ከይዱ ተሓኪሙ ምስ ሓኪሙ ዝነበሮ ጻንሒት ግን ግልጺ እንተዘይኾይኑሉን ተወሳኺ መረዳእታ እንተደልዩን ስልኪ ደዊሉ ኣገልግሎት ክረክብ ይኽእል'ዩ።

እቲ ራብዓይ ዓምዲ ኣገልግሎት ቴሌሜድስን፡ ሃንደበታዊ ኣገልግሎት ክፍሊ ሕክምና'ዩ።

ሓደ ሰብ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ወይ'ውን ኣብ መገዲ ሓደጋ እንተገጢሙዎ፡ ኣብ ቀረብኡ ዘሎ ሰብ ፈላማይ ረድኤት ሕክምና ክህቦ ደልዩ ግን ከኣ ዘይተረድኦ ነገር እንተሃልዩ ቴሌፎን ብምድዋል ካብ ሰብ ሞያ ኣድላዪ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል።

ብኻልእ ወገን፡ ሓደ ሰብ ጸገም ጥዕና ዘጋጠሞ ግን ድማ ናበየናይ ሆስፒታል ክኸይድ ከምዘለዎ፣ እንታይ ዓይነት ክኢላ ከዛርብ ከም ዘለዎ ክፈልጥ ከምኡ'ውን ቖጸራ ብምትሓዝ ሙሉእ ኣገልግሎት ክረክብ እንተደልዩ ናብ ዮኮ ቴሌፎን ብምድላው ዘድልዮ ሓበሬታ ይረክብ።

ዮኮ ቴሌሜድስን፡ ብኽልተ ክኢላታትን ሽዱሽተ ጠቕላላ ሓካይምን ናይ 24 ሰዓታት ኣገልግሎትን ምኽርን ሕክምና ዝህብ ትካል እዩ።

እዚ ዓይነት ኣገልግሎት፡ ኣብ ሆስፒታላት ዘጋጥም ምጭንናቕን ምንግልታዕ ኣረጋውያንን ብምውጋድ፤ ግዜ ብምቁጣብ ኣብ ሞንጎ ሕሙምን ሓኪምን ጽቡቕ ምርድዳእ ክህሉ ከም ዝገብር ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ይዛረቡ።

ይኹን'ምበር ሓያል ጥንቃቐ ዝሓትት ኣገልግሎት'ዩ።

ኣቶ ኣብዲ ከብርህ እንከሎ፡ "ብዙሓት ሕማማት ብቐሊል ምኽሪ ሕክምና ጥራሕ ኣብ ውሽጢ ገዛ ክሕከሙ ዝኽእሉ'ዮም። ኩሎም ምልክታት ሕማም ናብ ሆስፒታል ዘምርሑ ዘይክኾኑ ይኽእሉ'ዮም። ግዘን ገንዘብን ምብኻን ኣየድልን፤ እቲ ቁውም ነገር ካብ ትኽክለኛ ሓኪም ምኽሪ ምርካብ'ዩ" ክብል ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፉ ትሸዓተ ኣዋርሕ ጥራሕ ልዕሊ 5 ሽሕ ጻውዒት ስልኪ ከም ዘተኣናገዱ ዝዛረብ ኣቶ ኣብዲ፡ "ብቐዳማይ ደረጃ ክቕመጥ ዝኽእል ሕዱር ሕማማት ዘለዎም ሰባት'ዮም" ይብል።

እዚ ሕማም እንታይ ከስዕበለይ ይኸውን? እዚ መድሃኒት እንተወስድኩኸ? እንተተረፈኸ? ዝብሉ ሕቶታት ብብዝሒ ከም ዝቐርቡሎም ኣብሪሁ።

ንኣብነት ሕማም ሽኮር ዘለዎ ሰብ፡ እንታይ ዓይነት መግቢ ክምገብ? እቲ ዝወስዶ መድሃኒት እንታይ ዓይነት ጎናዊ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል? ዝብሉ ኣብ ኣወሳስዳ መድሃኒት ብዝተሓሓዝ ሓበሬታ ንምርካብ ብዙሓት ሰባት ቴሌፎን ከም ዝድውሉ ይሕብ።

ወለዲ ብዛዕባ ደቆም ዘጨንቑዎም ጉዳያት ንምሕታት ዝተገብሩ ጻውዒታት ቴሌፎን ብኻልኣይ ደረጃ ዝተሰርዑ ኮይኖም፡ ምስ ጾታዊ ርክብ ዝተኣሳሰሩ ድማ ብሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዖም ኣለው።

"ኣብ ሃገርና ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ትምህርቲ ስለ ዘይወሃብ ብዙሓት ሰባት ሕቶ ኣለዎም" ዝብል ኣቶ ኣብዲ፡ "ምስ ሓኪም ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሕቶታት ንምሕታት ትብዓት ስለዘይብሎም ብዙሓት ሰባት ብቴሌፎን ምኽሪ ሓቲቶም'ዮም" ብምባል የረድእ።

ዮካ ቴሌሜድስን ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ብሓባር ከም ዝሰርሕ ዝገልጽ ኣቶ ኣብዲ፡ ዓማዊል ናይ ጥዕና ሓበሬታ ንምርካብ ንደቒቕ ኣርባዕተ ብር ከም ዝኸፍሉ ገሊጹ።

ንምዃኑ፡ ሓንቲ ብምዝባዕ መረዳእታ እትፍጠር ናይ ሕክምና ስሕተት ዋጋ ከተኽፍል ስለ እትኽእል፡ እንታይ ዓይነት ጥንቃቐ'ዩ ዝግበር?

"ንሕና ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ኢና ንህብ። ካብቶም ቴሌፎን ዝድውሉ ዘይተረድኣና ነገር እንተሃልዩ ኣዳጊግና ንሓትት፤ ንሕና ብዛዕባ እቲ ሕክምና ኢና መረዳእታ ንህብ እምበር ዓርስና ጀሚርና እንውድኦ ሕክምና የለን" ይብል ኣቶ ኣብዲ።

ንጥንቃቐ ብዝብል ድማ፡ ሓደ ተሓካሚ ጻውዒት ስልኪ ክገብር እንከሎ ዝህሉ ናይ ድምጺ ልውውጥ ተቐዲሑ እዩ ዝቕመጥ።

"ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ፡ ነቲ ሕሙም ካብ ዝመርመሮ ሓኪም ንላዕሊ ንሕና ኢና ንፈልጠልካ ኣይንብሎን። ልክዕ እንተዘይመሲሉና ግን ምስቲ ዝደወለ ውልቀሰብ ብምዝርራብ ናብ ናይ ውልቂ ሓኪሙ ብምድዋል ተወሳኺ ሓበሬታ ንእክብ። ወይ ድማ እቲ ሕሙም ደጊሙ ናብ ዝመርመሮ ሓኪም ክኸይድ ንምዕድ" ክብል ድማ የረድእ።

ቴሌሜድስን፡ ኣብ ዝዓበያ ሃገራት ድሮ ናብ ቪድዮ ሜድስን በጺሑ'ዩ። ኣብ ርእሲኡ 'ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ' ኣብ ውሽጢ ሕክምና ኣትዩ ብዙሕ ለውጢ ክርኣይ ጀሚሩ ኣሎ።