ዛንታ ን68 መዓልታት ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕክምና ዝጸንሐ ኣብራሪ

ስኮትላንዳዊ ስቴፈን ካሜሮን

ምንጪ ስእሊ, Vietnamese Gov

“ኣብ ካልእ ሃገር እንትዝኸውን፤ ሞይተ ነይረ ማለት እዩ” ይብል ስኮትላንዳዊ ስቴፈን ካሜሮን ኣብ ዓራቱ ኾይኑ።

እዚ ወዲ 43 ዓመት ኣብራሪ ነፋሪት፡ ብኮሮናቫይረስ ተታሐዙ ን68 መዓልታት መተንፈሲ መሳርሒ ተተኺልሉ እዩ ጸኒሑ።

ኣብ ሞትን ሕውየትን ኮይኑ፡ ነፍሱ ክትወጽእ እናቐረበት ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ብሓገዝ ሕክምና ህይወቱ ዝጸንሐት ግና ኣብ ዝተወለደሉ ዓዲ ኣይኮነን።

ኣብ ርእሰ ከተማ ቬትናም ዝኾነት፡ ሆ ቺ ሚን እዩ። እታ ከተማ፡ ውዕውዕቲ እያ። ሰብን ተሽከርከርትን እናተዳፍኡ ዝንቀሳቐሱላ ከተማ እያ። ረብሻ ድምጺ ኣይፍለያን።

ቪዬትናም 95 ሚሊየን ህዝቢ ኣለዋ። ኮሮናቫይረስ ንዓለም እንተሸብር፡ እዛ ሃገር ግን፡ ካብ'ዚ ኹሉ ሚልየናት ህዝባ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ጥራይ እዮም በቲ ሕማም ተለኺፎም። ዋላ ሓደ ዝሞተ ሰብ’ውን የብላን።

ስቴፈን ብኸመይ ድሒኑ?

ስቴፈን ብሰንኪ እዚ ለበዳ ናብ ክፍሊ ፅኑዕ ሕክምና ዝኣተወ ናይ መወዳእታ ሰብ እዩ።

በተን ናይቲ ሃገር መራኸቢ ሓፋሽ፡ ‘ተሓካሚ 91’ ዝብል መጸውዒ እዩ ተዋሂብዎ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ምስ ሓመመ ዝተውሃቦ ሕጋዊ መለለዪ ቁጽሩ እዩ።

ብህይወት ናይ ምትራፍ ዕድሉ 10 ሚኢታዊ ጥራሕ እዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ውንኡ የጥፍእ ነይሩ።

እቶም ሓካይም 'Ecmo' ዝበሃል ማሽን ተኺሎምሉ እዮም ቀንዮም።

እቲ ማሽን፡ ደሙ መጢጡ ኣውጺኡ ኦክስጅን ሓዊሱ መሊሱ ናብ ሰውነቱ ዝመልእ እዩ።

ኣብቲ እዋን ናይ ምትንፋስ ጸገም ጥራሕ ኣይኮነን ኣጋጢምዎ። ብርክት ዝበሉ ተዛመድቲ ሕማማት እዮም ኣጋጠዒሞምዎ።

ደሙ ረጊኡ ነይሩ። ኩሊቱ ምስራሕ ጠጠው ኣቢለን፤ መዓልታዊ ዳያሊስስ ይግበረሉ ነይሩ።

ናይ ሳንቡኡ ናይ ምትንፋስ ተኽእሎ ናብ 10 ሚኢታዊ ጥራሕ ወሪዱ ነይሩ።

ስቴፈን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እዩ ናብ ቬትናም ኣምሪሑ። ኣብ መንገዲ ኣየር ቬትናም ንምስራሕ፤ ዝሐሸ መሃያ ንምርካብ።

ፈላማይ በረርኡ ከካይድ ክልተ መዓልቲ ምስተረፎ፡ ኣብ ከተማ ሆ ቺ ሚን ወጻእተኛታት ናብ ዝህደሱላ ሓንቲ እንዳ መስተ፡ ንዓርኩ ክረክብ ይኣቱ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብታ ሃገር ብዝሒ በቲ ለበዳ ዝተጠቕዑ ሰባት 50 ጥራሕ እዮም ነይሮም።

እንተኾነ፡ ኣብ ፅባሒትኡ ረስኒ ፈጢርሉ። ኣብታ እንዳመስተ ዝነበሩ ንዕኡ ሓዊሱ 13 ሰባት ኮቪድ-19 ከምዝተለኸፉ ተነጊርዎም።

መንግስቲ ነታ እንደመስተ ዓጽዩ፡ ምስቶም ኣብታ እንዳ መሰት ዘምሸዩ ሰባት ዝኾነ ምትንኻፍ ዝነበሮም ተፈልዮም ክጸንሑ ገይሮም።

ብሐፈሻ ምስኦም ርክብ ዝነበሮም 4 ሸሕ ሰባት ተወሺቦም። ስቴፈን ግን ጥዕንኡ እናተሸርሸረ መጺኡ። ቬንቲሌተር ክገጥምሉ ተገዲዶም።

እቶም ካልኦት ድሒኖም እንትወጽኡ፡ ስቴፈን ግን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናገደዶ ይውዕል። ስቴፈን ብህይወት ክተርፍ ዝኸኣለ፡ ትኹረት ሰብ ሞያ ስለዝረኸበ እዩ ይብሉ።

ኣብቲ እዋን ሃላዋቱ ኣጥፊኡ፡ መሳርሒ መተንፈሲ እንትትከልሉ ኣብ ዓለም በኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ብዝሒ ሰብ 1 ሚልየን ጥራሕ ነይሩ።

ስቴፈን ሰነ ሓሙሽተ እንትነቅሕ፡ ብዝሒ ብኮቪድ 19 ዝተትሐዙ ሰባት 7 ሚልዮን በፂሑ ጸኒሑ። ‘ዕድለኛ እየ’ ዝብል ስቴፈን፡ “ኣእጋረይ ግን ንሰብነተይ ምሽካም ኣብዩወን። መዓልታዊ ክልተ ግዜ ፊዝዮቴራ እሰርሕ ኣለኹ” ኢሉ።

“ካብ ሓደ ክፍሊ ናብ ካልእ እንትውሰድ ከምኡ’ውን ማሺን እንትግጠመለይ፡ ትዝ ይብለኒ። ካብኡ ወጻኢ ዝዝክሮ ነገር የለን” ኢሉ።

ስቴፈን፡ 20 ኪሎግራም ኣጉዲሉ። ምስቲ ዘሕለፎ ጽኑዕ ኩነታት ናይ ኣእምሮ ምህዋኽ ከጓንፎ ይኽእል እዩ’ውን ተባሂሉ።

“ሕዚ ናብ ሃገረይ ክኸይድ እየ ዝደሊ። ጸጥ ዝበለ ቦታ ክርኢ ሃጺጸ። ኣብዚ ዓዲ እቲ ሙቐት ከቢድ እዩ። ዝሕል ዝበለ ቦታ ናፊቐ”።

ኮሮና